
ሃገረ ዩክረይን ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዘተ ሳውዲ ብኸፊላዊ እማሜ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ከተቕርብ ኢያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሳውዲ ዓረብ ዝመጽእ ሰሉስ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገረ ዩክረይንን ዝካየድ ዘተ ከተአንግድ ኢያ ።
እዚ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት እዚ ደድሕሪ እቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክየይን፣ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቤተ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ድሕሪ ዘጋጠመ ክርክር ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ሕ. መ. ኣ. ንሃገረ ዩክረይን ትገብረላ ዝነበረት ወተሃደራዊ ደገፍ ኣቋረጸት።
ኣብ ግንባራት ኣየርን ባሕርን ተኵሲ ምቍራጽ
ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብታ ሃገር እኳ እንተ ዘይኰነ ኣብ ግንባራት ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ግን ተዅሲ ናይ ምቍራስ ሓሳብ ከም እተቕርብ ገሊጻ ኣላ።
ቀቅድሚ እቲ ዝካየድ ዘተ ክፍሊ ሃገራዊ ምሕደራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ውግእ ብእተኻእሎ መጠን ቀልጢፉ ኼቋርጽ ቈሪጹ ተንሲኡ ኣሎ" ብምባል "ኵሎም ወገናት ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም" በለ።
ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "... ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ካብ ሳውዲ ዓረብ ሓደ ጽቡቕ ዜና ክትሰምዑ ተስፋ ኣሎኒ" ክብል ውን ኣመልከተ።
ካርዲናል ፓሮሊን - 'ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ'
እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ናይ ሰላም ውዕላት ክግበር ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሓ ኣላ።
ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝሃለፈ ዓመት ኣብ ዩክረይን ተዘኪሩ ዝወዓለ መበል 1000 መዓልቲ ዝኽሪ ወራር ዩክረይን ምኽንያት ብምግባር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ፍትሒ ሰላም ንምምይያጥ ግዜ ዝወስድ ይኽእል ኢዩ" እኳ እንተ በሉ "ድላይ እንተ ሃልዩ ግና ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት እቲ ውግእ ደው ክብል ይኽእል ኢዩ" በሉ።
ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጊሞም ዝበልዎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ውን ኣስዒቦም ከምዚ በሉ መራሕቲ "ኣብ ውግእ ዘይኰነስ ኣብ ሰላም ክደራደሩ ፍቓደይናታት ዝዀኑ" ውልቀ-ሰባት ኢዮም ዘድልዩም፣ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም "ምስ ዩክረይን ጥራይ ዘይኰነስ ምስ መላእ ክፍለ ዓለም ኣውሮጳን ዓለምን ዝግበር ከቢድ ግጭት ምቕጻል ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዝግንዘቡ ኢዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሃቢሩ።