ድለ

ኣቡነ ማርቲነሊ፡ ውስጠ - ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንደቂ ሰባት ዝያዳ ሕውነታዊ ይገብሮ ኣቡነ ማርቲነሊ፡ ውስጠ - ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንደቂ ሰባት ዝያዳ ሕውነታዊ ይገብሮ 

ኣቡነ ማርቲነሊ፡ ውስጠ - ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንደቂ ሰባት ዝያዳ ሕውነታዊ ይገብሮ

ሓዋርያዊ መስተናብ ዞባ ሃገርት ደቡባዊ ዓረብ ኣብ ኣቡዳቢ “ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ ኣብ ዓለማዊ ንኹሉ ዝሓቁፍን ሰላማዊ ማሕበረተሰብን ይሃንጽ" ብዝብል ኣርእስቲ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ብሓባር ምስ ቤት ምኽሪ ዓበይቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት፥ ሃይማኖታት ንሰብኣዊ ፍጥረት ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ናይ ሓባር መገዲ ዝጽውዕ ምዃኑ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ሃይማኖታዊ ሸነኽ ፍጹም ቅዋማዊ ኣካል ናይ ትምህርቲ ተመክሮ እዩ። ሃይማኖት ብሓቂ ንዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ምስ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ንምትሕብባር፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ርክብ ስለ ዝምልከት፡ ኣብ ልቢ እቲ ስነ-ሰብኣዊ ተመክሮ ይኣቱ"። ነዚ ዝበሉ ሓዋርያዊ መስተናብር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዞባ ደቡባዊ ዓረብ ሃገራት ኣቡነ ፓውሎ ማርቲነሊ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት “ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ ኣብ ዓለማዊ ንኹሉ ዝሓቁፍን ሰላማዊ ማሕበረሰብን ይሃንጽ" ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ትምህርቲ ስነ-ምግባር ኣብ ዓለማዊ ዜግነት ኣበርክቶ ክገብርን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሰላማውን ማሕበረሰብ ክሃንጽን" ዝብል ዕላማ ዝገበረ ብሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነትን ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕብራት ሃግርት ትካልን ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሃይማኖት ምስልምና ዝተነቓቐሐ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ተቒሱ የመላኽት።

ንብዙሕነት ዓሚቝ ኣኽብሮት

ኣቡነ ማርቲነሊ፡ እቲ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣህማድ ኣል ጣይብ “ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣቡዳቢ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ "ኣብ ሕልና ህዝብታትን ሃይማኖታትን እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ “ትምህርቲ ውስጠ-ሃይማኖታት" ዚብል ኣምር ብኸመይ ከም ዘስፍሖ ገሊጾም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ "ሃይማኖታት በበይኑ ዝዓይነቱ ዘለወን ፍልልያት ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝህብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣመንቲ ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክከባበሩን ዚመሃሩሉ ንጥቕሚ ደቅሰብ ከኣ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ሓባራዊ ረብሓ ዜተባብዑሉ ሓባራዊ መገዲ እየን” ከም ዝበሉ ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብነት ኣብያተ ትምህርቲ ኢማራት ዓረብ

“ውስጠ - ሃይማኖታዊ ትምህርቲ”፣ ብተወሳኺ፣ “ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ሃይማኖታዊ ፍጡር ምዃኑ፣ ኣብ ምድላይ ናይ ሓባር ረብሓ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ካልኦትን ርክብ ክህልዎ ዝተፈጥረ ምዃኑ ምፍላጥ ዘመልክት እዩ። ሓቅነቱ እተረጋገጸ ናይ ትምህርቲ ተመክሮ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ክምስርት ኣለዎ፡ እዚ ድማ ነቲ ዅሎም ኣመንቲ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም ክተሓላለዩ ዝደልዮም ከሃሌ ኩሉ መሓሪ ከምኡውን ስግረ ኣምላኽ ዘመልክት ኢዩ። በዚ መንጽር እዚ "እተን ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓዋርያዊ መስተናብር ዘመሓድረን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ንሓደስቲ ወለዶታት ኣብ መንጎ ኩሎም ብምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዘሰልጥን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ ትምህርቲ ኣበርክቶ ክኾና ይደልያ" እንክብሉ ወሲኾም ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ንሰላም ዓለም

“ሃይማኖታት ንደቂ ሰባት ሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ሸነኻት ህይወት ምሕብሓብ ከምዘድሊ ናይ ምዝኽኻር ናይ ሓባር ዕማም ኣለወን። ብዘይ ኣምላኽ”፣ ብሓቂ “ወዲ ሰብ ኢሰብኣዊ ይኸውን”። “ነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ትምህርታዊ ተመክሮ”፡ ከምቲ ኣብ ናይ ኣቡዳቢ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት እነንብቦ፥ “ናይ ተስፋ ተግባርን ናብ መጻኢ ዝወስድ መንገዲን እንተኾይኑ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ትምህርቲ ንኹሉ ሰብኣውነት ዝያዳ ዝዓበየ ተስፋ የመሓላልፍ፡ ማለት ዝያዳ ምጽውዋር፡ ሓባራዊ ምንባር፡ ምትሕግጋዝን ዝብል ማሕበራዊ ምሕዝነትን ዝያዳ ሕውነታውን ሰብኣውን ሕብረተሰብ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ኣለዎ” . . . እቲ ዓቢይ ወለዶ ንሓደስቲ ወለዶታት ሰላም ናይ ዝዓሰላ ዓለም መሰኻኽር ክኾኑ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ዜና ኣገልግሎት ጠቒሱ የመላኽት።

30 April 2024, 17:18