ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንኣንግሊካውያን ጳጳሳት፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቀዳማውነት፥ ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተ የድሊ ር.ሊ.ጳ. ንኣንግሊካውያን ጳጳሳት፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቀዳማውነት፥ ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተ የድሊ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንኣንግሊካውያን ጳጳሳት፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቀዳማውነት፥ ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተ የድሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ዝተመርሑ ናይ ውህደት ኣንግሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቀዳማውያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ክርስቲያን ከይተረፉ ዘይምርድዳእ ከም ዝነበረ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቶም ብዓይነቱ ንፈለማ ግዜ ዝኾነ ኣብ ሮማ ናይ 2024 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኸኢባኦም ንኸካይዱ ንዝተረኽቡ ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ዝተመርሑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ጳጳሳት ዕለት 2 ግንቦት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ነዊሕ ናይ ምትሕብባር ታሪኽ

ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ዌልብ ስለ ምርኻቦም ኣመስጊኖም፡ "ናይ ሮማ ጳጳስ ኮይነ ኣብ ዝተሓረኹሉ እዋን ጁስቲን ዌልቢ እውን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ከም እተሰመዩ ድሕሪ ምዝካር ኣስዒቦም፥ "ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና እንራኸበሉ ብሓባር እንጽልየሉ ከምኡውን ኣብ ጐይታ ዘሎና እምነት እንምስክረሉ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እውን ከም ዝሓበርናን። ፍቑር ሓው ጀስቲን ስለቲ ኣብ ምስክርነት ወንጌል ስለ ምትሕብባርኩም አመስግን!" ከም ዝበሉን ብፍላይ ኣብ 2023 ብሓባር እቲ ሰናይን ደስ ዘብልን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀዳማውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ነቶም ዝተኣከቡ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ጳጳሳት ናይ 2024 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤኦም ኣብ ሮማ “ከተማ ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ንኸካይዱ ብምምራጾም ድማ ኣመጊኖም፥ “ሓዋርያዊ ተራ ጳጳስ ዘሮሜ ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ ክርስቲያን ኣካታዕን ዝፈላልይን ጉዳይ ምዃኑ ይግንዘብ እየ፡” ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዓቢይ ንጳጳስ ሮማ servus servorum Dei -  ‘ኣገልጋሊ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር’ እንክብል ዝሃቦ ትርጉም ብምጥቃስ፡ ስልጣን ር.ሊ.ጳ. ካብቲ ንማሕበረሰብ ክርስትያን ዝህብዎ ኣገልግሎት ፈጺሙ ክፍለ ዘይክእል ምዃኑ ድማ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥ በዚ ምኽንያት እዚ 'ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ‘ቀዳማውነት ጳጳስ ዘሮሜ’ ኣብ ዝግበር ዕጉስን ሕውነታውን ምይይጥ ክዝከር ዘለዎ ኣድላዪ ነጥቢ እዩ፡ ነቲ ዘይጠቅም ክርክር ሓዲግካ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ንዅሎም ሰባት ናይ ኣገልግሎት ፍቕሪ ምዃኑን ነዚ ብኸመይ ከማዕብሎ ከም ዝኽእል ንኽንርዳእ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ፡” እቲ ዘሐጕስ ድማ "ኣብቲ ብዛዕባ ቀዳማውነት ከም 'ምክፋል ህያብ' ገይርካ ክረአ ዘለዎ ምዃኑ ዝተኻየደ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ እወንታዊ ፍረ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሓዋርያትን መንፈስ ቅዱስን

ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዘስምዕዎ መደረ መሰረታዊ ዛዕባ ድማ፡ እታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ንዋናዊ ኤቁመናውነት ክትህቦ እትኽእል ትምህርቲ ዘዘኻኽር ኮይኑ፥ ቅዱሰንቶም ግብሪ ሓዋርያት ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ “ምስፋሕ ናይ ወንጌል ሓጐስ” ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ ደራሲ ግብረ ሓዋርያት “መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ድኻም ደቀ መዛሙርቲ ዝተወልደ፡ ወይ ምስ ሕሉፍ ትውፊት ኣብ ዘሎ ርክብ ዝተፈላለየ ኣቀራርባ ዝውለዶ ወጥሪን ዘይምርድዳእን ህሞታት ኣይሓብእን እዩ። ብዙሕ ግዜ ነዚ ንርስዖ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ እዞም ቀዳሞት ክርስትያናት ከይተረፉ - “ንጐይታ ዝፈልጥዎን ካብ ምዉታት ምስ ተንሰአ ዝረኸብዎን” - ብዛዕባ ኣብ እምነት ዘለዎም ርድኢት ይፈላለየ ነይሩ” ዝረኣይዎን ዝተንከፍዎን ክነሶም!”

“ንሕና እውን ከምኦም - ይብሉ ቅዱስነቶም - ገዛእ ርእስና ንመንፈስ ቅዱስ ኣሕሊፍና ክንህብ ክንመሃር ኣለና” እንክብሉ ሓሳብ ድሕሪ ምቕራብ፥  “ንሕና ክንጽልን ንሓድሕድና ክንሰምዕን፣ ንሓድሕድና ክንተሓላለይን ክንርዳእን ዝተጸዋዕና፥ ንነብስና . . . ንድርኺት መንፈስ ተኣዛዚ ዲየ፣ ወይስ ግዳይ ናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ርእይቶታት እየ ቢልና ንሕተት” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንኣንግሊካውያን ጳጳሳት፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ቀዳማውነት፥ ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተ የድሊ
03 May 2024, 17:05