ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንቆሞሳት፡ 'ቤተክርስቲያን ብዘይ ተወፋይነትኩም ክትቅጽል ኣይትኽልን እያ' ር.ሊ.ጳ. ንቆሞሳት፡ 'ቤተክርስቲያን ብዘይ ተወፋይነትኩም ክትቅጽል ኣይትኽልን እያ'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንቆሞሳት፡ 'ቤተክርስቲያን ብዘይ ተወፋይነትኩም ክትቅጽል ኣይትኽልን እያ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ “ካህናት ሰበኻ ንሲኖዶስ” ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ሰበኻ ካህናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ክሳዕ ክንደይ ንጹር ይኹን ብዘየገድስ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፍቕሮምን እምነቶምን ተወፋይነቶምን ክትቕጽል ከም ዘይትኽእል የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ቤተክርስቲያን ብዘይ ተወፋይነትኩምን ጉስነትኩምን ኣገልገሎትኩምን ክትቅጽል ኣመይከእኣለትን”

ብዝብል ቃል ቅዱስነቶም ናብቶም ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣበጊሶም፥ “እዚ ሓሳብ እዚ ኣዝዩ ርዱእ ዝመስል እኳ እንተኾነ ግን ክዝከርን ክፍለጥን ዘለዎ ሓቂ እዩ፥” ቢሎም፡ ነቶም ብምኽንያት እቲ “ካህናት ሰበኻ ንሲኖዶስ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ስለ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ኣመስጊኖም፥ . . . ኣብ ዓለም ዘርኢ ወንጌል ንምዝራእ መዓልታዊ ዝገብርዎ ልግሲ ዝመልኦ ዕዮታቶም ምስጋናን ኣድናቖቶምን ገሊጾም። . . . ጓሶት ዘጋጥሞም ዓቢ ህብረ ክውንነት ብምግንዛብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያኦምን ተመኩሮኦምን ንመስርሕ ሲኖዶስ ዝያዳ ከም ዘሀብትም የስተብህሉ።

ካህናት ውሽጢ ሕይወት ህዝቢ እግዚኣብሔር ይፈልጡ

ቅዱስነቶም ናይ ሰበኻ ካህናት፡ ሕይወት ሕዝበ እግዚኣብሔር ካብ ውሽጡ፡ ሓጐሶምን ጸገማቶምን ውህበታቶም ድሌታቶምን ሓዊሱ ከም ዝፈልጥዎ ኣጽኒዖም ብምሕባር፥ "በዚ ምኽንያት ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰበኻ ካህናታ የድልይዋ እዮም" . . . ብዘይ ካህናት ብሓባር ምጉዓዝ ክንመሃርን ኣብ መንገዲ ሲኖዳውነት ክንብገስን ፈጺምና ከምዘይንኽእል ድማ ኣስሚሮም፥ “እተን ሰበኻታት ሲኖዳውያንን ልኡኻንን እንተዘይኮይነን – ቤተ ክርስቲያን እውን ሲኖዳዊትን ልእኽትን ኣይክትከውንን እያ – ኣንክብሉ ኣጠንቂቖም”።

ቅዱሰንቶም ጓሶት፣ ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ነቶም ዘገልግልዎም ማሕበረሰባት ከሰንዩ ኣተባቢዖም፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፣ ብጸሎትን መመያን ሓዋርያዊ ቅንኣትን ተወፋይነት ክገብሩ ይላበዉ።

ጎይታ ጸጋኡ ፈጺሙ ኣይፈልየናን እዩ

. . . ጐይታ ሎሚ ድምጺ መንፈሱ ክንሰምዕን ናብቲ ንሱ ዚሕብረና ኣንፈት ክንጐዓዝን እዩ ዚሓትተና።  ብዘይ ጸጋኡ ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ፡ እዚ ዝተረጋገጸ እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም እቶም ናይ ሰበኻ ካህናት ንጥፈታቶምን ተልእኾኦምን ንምትብባዕ ሰለስተ ርእይቶ ድማ የቕርቡ፥

ውህበታት ህዝብኻ ናብ ብርሃን ምምጻእ

ቀዳማይ ነቲ መንፈስ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዚዘርኦ እተፈላለየ ውህበታት ብዝያዳ ምእንቲ ኼገልግሉ ነቲ ፍሉይ ናይ ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ተግባር ኪፍጽሙ ተማሕጸኖም።

"ብትሑት ይኹን ብዝያዳ ብዝዓዘዘ መልክዕ" ብዙሕን ዝተፈላለየን መንፈሳዊ ህያባት ዓለማውያን ምመናን ምልላይ ህጹጽ እዩ፡ እዚ ድማ ንብዙሕ ሰብኣዊ ኩነታትን ማዕቅፍን ብወንጌል ንምስባኽ መተካእታ ዘይብሉ እዩ" እንክብሉ እምነቶም ገሊጾም፥ ነዚ ኣብ ምፍጻም ድማ ብዙሕ ሕቡእ ስንቅታት ማለት ውህበታት ናብ ብርሃን ክተምጽኡ ትኽሉ እዩ ከምኡውን ኣብቲ ጻዕሪ ዕማም ስብከተ ወንጌል ናይ ሰበኻ ካህናት በይኖም ከም ዘይኮኑ ክስምዖም ይገብር።”

“ንኻልኦት ዘይዕብልሉ ምዃን፥ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብኦም ዘሎ ዓበይትን ክቡራትን ተኽእሎታት ክገሃድ ዝገብር ኣቦታት ምዃን ዘሕድረልካ ሓጎስ ክስምዓኩምን ክትረኽቡን ኢኹም፡

ካልኣይ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነትን ኣብ መስርሕ ሲኖዳዊ ጉባኤን ባዕሉ ኣዝዩ ሓጋዚ ኮይኑ ዝተረኽበ “ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምዝታይ” ዝብል ኣገባብ ክጥቀሙ፡ ስነ-ጥበብ ሓባራዊ ምስትውዓል ክመሃሩ ኣተሓሳሲቦም እዚ ድማ ኣብ ከም ቤት ምኽሪ ሰበኻታት ዝኣመሰሉ መሓውራት ሱታፌ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙሕ ካልእ ዓውድታት'ውን ብዙሕ ጽቡቕ ፍረ ከም እትዓጽዱ ከም ዝገብረኩም ርግጸይና እየ" ከም ዝበሉን፡

ሳልሳይን መወዳእታን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኩሉ ዝገብርዎ ኣብ መንጎኦምን ምስ ጳጳሳቶምን ናይ ምክፋልን ሕውነትን መንፈስ መሰረት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

"ብቐዳምነት ደቅን ኣሕዋትን እንተዘይኮይንና ሓቀይና ኣቦታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና፡” "ቅድሚ ኩሉ ነቶም ክውንነታት እንተዘይነቢርናዮም ድማ ኣብቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮትና ዝተዋህቡ ውህደትን ሱታፌን ከነዕቢ ኣይንኽእልን ኢና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

'ኣነ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ'።

ክልቲኡ ሲኖዶሳውነትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ይኹን ቀጻሊ መስርሕ ሲኖዶስ 2021 – 2024 ዓ.ም. “ንሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን: ውህደት፡ ተሳትፎ፡ ተልእኾ” ናይ ሰበኻ ካህናት ድምጺ ኣድላዪ ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣስሚሮም፥ ስለዚ ኣብ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ “ካህናት ሰበኻ ንሲኖዶስ” ንዝተሳተፉ ቅድም ኣብ መንጎኦምን ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ድማ ምስ ብጾቶም ካህናት ሰበኻን ናይ ሲኖዳውነት ልኡካን ክኾኑ ዓዲሞም፥  

"ክቡራት ኣሕዋት ኣብዚ መስርሕ፡ ኣነ ባዕለይ ዝሳተፈሉ ዘለኹ መስርሕ ኣብ ጎንኹም ኣለኹ" ክብሉ ኣረጋጊጾም። ሓዋርያዊ ቡራኬ ንኹሎም ኣመሓላሊፎም ‘ስለይ ሓደራ ድማ ጸልዩ’ ቢሎም ምስታ ኩሉ ግዜ መንገዲ እተርየና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወትሩ ቀረባ ክኾኑ ብምትብባዕን መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

02 May 2024, 17:01