ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኬንያ ብውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኬንያ ብውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኬንያ ብውሕጅን ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተሃስዩ ይጽልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ኬንያ ሞትን ዕንወትን ዘስዓበ ከቢድ ውሕጅ ንዝተሃስዩ ኩሎም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጸሎትን ቅርበቶም የረጋግጹ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናምንምን ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅ ሳዕቤን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ጸሎት ክግበረሎም ሓቲቶም።

“ኣብ ኬንያ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ህይወት ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንዝተፈለለየ ስቓይን ብምቅላዕ ሰፊሕ ዕንወት ኣብ ዘስዓበሉ ዘሎ እዋን ነቲ ህዝቢ እታ ሃገር መንፈሳዊ ቅርበትይን ጸሎትን ከመሓላልፍ እደሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኩሎም ክርስቲያን ድማ ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብጸሎት ቅርበቶም ከረጋግጹ ተማሕጺኖም፥

“ኩሎም እቶም በዚ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ሳዕቤን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ክትጽልዩ እዕድመኩም። ኣብ ማእከል መከራ እውን እንተኾንና ሓጎስ እቲ ዝተንሰኤ ክርስቶስ ንዘክር” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብርቱዕ ዝናብ፥ ምዕልቕላቕ ማይ

ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናም ኣስታት 170 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 185 ሽሕ ድማ ከም እተመዛበሉን ክሕበር እንከሎ፡ ሰበ - ስልጣን ኬንያ ነቲ ብሰንኪ እቲ ዘይተለምደ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ሓደጋ ንምምካት ዝሕግዙ ስጉምትታት ይዝትዩ ኣለው፣ እቲ ኣብ ኬንያን ኣብ ጎረቤት ሃገር ታንዛንያን ንከተማታትን ገጠራትን ኤል ኒኖ እተሰምየ ኩነታት ኣየር ብርቱዕ ሰብኣውን ንዋታውን መጉዳእቲ የስብዕ ከም ዘሎን ኣብቲ ዝኸፍአ ንጽል ፍጻመ ድማ ኣስታት 50 ነበርቲ ዓዲ ንሞት ከም ዝዳረገን ዝሓለፈ ሶኑይ ዕለት 29 ሚያዝያ ቅድሚ ወጋሕታ ኣብ ዞባ ሃጓፍ ስንጭሮ፡ ብምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ዲጋ ተፈንጂሩን፡ ውሕጅ ጭቃን ካብ ጎቦ እናፈሰሰ ንኹሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ከም ዝቐበረ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።

02 May 2024, 09:13