ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ዌልቢ ንጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ ምግባር ይድግፉ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ዌልቢ ንጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ ምግባር ይድግፉ  (Afp or licensors)

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ዌልቢ ንጸዋዕታ ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ ምግባር ይድግፉ

ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ነቲ "ጸዋዕታ ሮማ" ዝብል ጻዕሪ ስነ-ምግባራዊ ምዕባለ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብምድጋፍ “ኩላትና ንመኽሰብ ወይ ንኣፍራይነት ዘይኮነስ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ኣብ ኩሉ ተግባራትና ማእከል ክኸውን ብሓባር ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ዌልቢ ምስ ካልኦት ፍሉጣት መራሕቲ፡ ክኢላታት ስነ-ምግባርን መምሃራን መናብርተ ጥበብን ብምዃን፡ ስነ-ምግባራዊ ምዕባለ ኣብ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት "ጻውዒት ሮማ" እተሰምየ ሰነድ ብምድጋፍ ከቲሞም። ሊቀ ጳጳሳት ዌልቢ ነቲ ተበግሶ ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ሮማ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድጋፎም ከም ዝገለጹ ካብቲ ተቕዋምን ማሕበር ዘመን ተሓድሶ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር።

ጻውዒት ስነ-ምግባር ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ኣብ መንጎ ቁልጡፍ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ንሰብኣዊ ኽብረት ሓባራዊ ሓላፍነት ክስምዓካ ንምግባር" እተዳለወ ሰነድ እዩ።

ንሰብኣዊ ክብሪ ምስራሕ

ሊቀ-ጳጳሳት ዌልቢ ነቲ ሰነድ ንናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ወኪሎም ክታሞም ከንብሩ እንከለዉ - "ነቲ ኣብ መንጎ እደ ጥበባዊ ለውጢ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብሪ ዘጕልሕ ናይ ሮማ ጻውዒት ክድግፎ ብምኽኣለይ ሕጉስ ኢየ” ቢሎም፥

"ብዛዕባ መጻኢ ኽንፈልጥ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና ኣብ ስነ-ፍልጠትን እደ ጥበብን ቅልጡፍ ምዕባለታት ከም ዝህሉ ብምስትውዓል ክንዳሎ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና።” ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ “ንሰብኣዊ ክእለት ንምምሕያሽ" ክህበና ዝኽእል ሰፊሕ ተኽእሎ ኣፍልጦ እኳ ዝሃብና ንኹን "ንኽብሪ ሰብ ንምዕቋብን ንምክልኻልን ብዝብል ጽኑዕ እምነት ክንዕዘቦ" ምጽዓር ከም ዘደሊ ኣገንዚቦም፡ ስለዚ እቲ ኣብ ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል እተበጽሐ ዓበይቲ ምዕባለታት "በይኑ ንብረት እቶም ዘማዕበልዎ ወይ ናይ ውሱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ - የግዳስ ንሓባራዊ ረብሓታት ኣብ ምግልጋል ምህዳርን ከባቢ ኣየርን ኣብ ምዕቃብ ከምኡውን ነባሪ ዕቤት ኣብ ምርግጋጽ ንዅሉ ዝጠቅም ክኸውን ኣለዎ። መብዛሕትኡ እቲ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘሎና ርድኢት ንባህርይ ሰብ ብኸመይ ከም እንርድኦን ብሓባር ከም እንዓዪን ዚሕብር እዩ፣ እዚ ኸኣ ንመኽሰብ ወይ ንፍርያምነት ዘይኰነስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምላኽ እተፈጥረ ምዃኑ ንምርግጋጽ እዩ"  ከም ዝበሉ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ሕይወትን ማሕበር ዘመነ ዳግመ ሕዳሰን ዘውጽእዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫትካን የመላኽት።

ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ምጥማት

ናይ ጳጳሳዊ ተቕውዋም ስነ ሕይወትን ማሕበር ዘመነ ተሓድሶን ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ቪንቸንዞ ፓሊያ ኣብቲ ሰነድ “ምጽንባር” ኣንግሊካውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ እውን በቲ "ተወሳኺ ስጕምቲ ዕቤት" ሰነድ ጻውዒት ሮማ ከም እተሓጎሱ ገሊጾም፥ "ብዛዕባ ጕዳያት እደ ምጥበባዊ ምዕባለ ምስትንታንን ምዝታይን ብሕውነታዊ መፍነስ ምስ ዝፍጸም ሰላምን ሓባራዊ ጥቕምን ንምህናጽ ሓባራዊ መገድታትን ውጽኢታዊ ፍታሕን ክረከብ ይከኣል ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ዛዕባ ስነ-ምግባር እደ ጥበብ መምህር ናይ ማሕበር ዘመን ዳግመ ተሃድሶ ዋና ሓላፊ ኣባ ፍራንዝ ፓውሎ በናንቲ እውን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብውዕዉዕ ስምዒት ሓንጐፋይ ቢሎም ብምቕባል - "በዚ ሓድሽ ዕቤት ናይ ሮማ ጻውዒት ነቲ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ እወታዊ ኣበርክቶ ብምግባር ሓድሽ ምትእምማን ከህሉ ንምግባር ንኽእል ኢና። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓድሽ ነገር ጥራይ ኣይኰነን፡ ኣብ ክንዳኡስ ናብ ምዕባለ ደቂ ሰብ ምቕያር ይድሊ። ብጀካዚ እቲ ብሃይማኖታት ዚውከል ሰብኣዊ ጥበብ ንብምሉኦም ደቂ ሰብ ኪዛረቦምን ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘጋጥም ዘሎ ብድሆታት ኪፈትሕዎን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ከም ዝበሉ የመላኽት።

ጻውዒት ሮማ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስነ ምግባር

ሰነድ ጻውዒት ሮማ ስነ ግምባር ኣብ ዙሪያ ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋምን ማሕበር ዘመን ዳግመ ሕዳሴ ዘነቓቕሕዎን ከምኡ’ውን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2021 ዓ.ም. እቲ ሓሳብ ከም ኣካል ናይቲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ካብ ምዕባለታት እደ ጥበብ ተጠቃሚ ንምዃን ዝኽእለሉ መጻኢ ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ኣብ መንጎ ዓለም ለኻውያን ትካላት፡ መንግስታት፡ ትካላትን ውልቃዊ ጽላትን ናይ ሓባር ሓላፍነት ስምዒት ንምምዕባል፡ ከምኡ’ውን ምዕባለ እደ ጥበብ ክብሪ ናይ... ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብን ናይ ሓባር ገዛናን ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዝቐረበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽርን

ማሕበር ዘመን ዳግማይ ሕዳሴ

ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕውዋም ዘበገሶ ዘይመኸሰባዊ ማሕበር ዘመን ዳግመ ሕዳሴ ንሓደስቲ እደ ጥበብን ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዘለዎም ጽልዋን ስነ ሰብእን ስነ-ምግባራውን ኣስተንትኖ ንምድጋፍ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ ንሰነድ ናይ ሮማ ጻውዒት ስነ ግባር ኣብ ዙሪያ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምድንፋዕ፡ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ሃገራት፡ መናብርተ ጥበብ፡ ማእከላት ምርምር፡ ውልቃውን መንግስታውን ትካላት ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንጥፈታት፡ ኣገልግሎታትን መጽናዕትታትን ዘማዕብሉ ስነ ፍልጠታዊ ተበግሶታትን ምትሕብባርን ዝድግፍን ዘተባብዕን እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

02 May 2024, 17:04