ድለ

ጻውዒት ሓገዝ ንለውጢ ከባቢ ኣየር፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ምወላ የተባብዑ ጻውዒት ሓገዝ ንለውጢ ከባቢ ኣየር፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ምወላ የተባብዑ  (ANSA)

ጻውዒት ሓገዝ ንለውጢ ከባቢ ኣየር፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ምወላ የተባብዑ

መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ተኣፋፊ ብድሆታት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነትን ንምፍታሕ ዝሕግዝ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ዝህብ ወሳኒ ተበግሶ ሃብታማት ሃገራት ዝህበኦ ደገፍ ክብ ከብላ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዘቕረብዎ ሓድሽ ጻውዒት ነተን ሃብታማት ሃገራት ነቲ ወሳኒ ናይ ዓለም ባንኪ ተበግሶ ገንዘባዊ ደገፍ ከቕርባ ዝምሕጸን ኮይኑ፡ እዚ ተበግሶ እዚ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ንምድላው ዝብል ከም ዝኾነን። እቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ነቲ ከቢድ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎ ዘጕልሕን ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ብፍላይ ንምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዘተኮረ ከም ዝኾነ ይሕበር።

ዓለም ለኻዊ ባንክ ንዓሰርተታት ዓመታት ንድኻታት ሃገራት መድሕን ህይወት ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝግበር ውጥናት ምዕባለ ደገፍ ይህብ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ቕልውላው ከባቢ ኣየር እናገደደ ምስ ዝኽየድን ዘይምዕሩይነት ክብ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ቁጠባዊ ሓገዝ ኣዚዩ ወሳኒ ከም ዝኾነን፡

"ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት እዚ ዝማዕበላ ሃገራት ምሳና ክሓብራን ነቲ ኣብ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ልምዓት - IDA ዝገብርዎ ወፈያ ብምውሳኽ ውጽኢታዊ ምላሽ ክህባ ጻውዒት ነቕርብ ዝበለ.. ናይ ኬንያ ርእሰ ብሔር ዊልያም ሩቶ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ መራሕቲ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ባንኪ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ መደረ ቀጺሉ እንተ ወሓደ ናብ 120 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ክበጽሕ ኣለዎ እንክብል፡ ነቶም ለገስቲ ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ ወርሒ ኣብ ጃፓን እተገብረ ዋዕላ ነቲ ትሑት ወለድን ነዊሕ ግዜን ዘለዎ ልቓሕ ዚህብ ኣህጉራዊ ማሕበር ምዕባለ (IDA.) ኣብ ጸገም ዝርከባ ሃገራት ድጋፍ ዝውዕል ከምኡ እውን ኣብዚ ዘስካሕክሕን ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ኣጋጢምዋ ዘላ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገሩ ኬንያ ጠቒሱ ከም ዝሓተተ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ባንኪ ዓለም ዝወሃብ ትሑት ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት መተካእታ ዘይብሉ ብምዃኑ ለውጢ ከባቢ ኣየር ምስ ዘስዕቦ ጸገማት ንኽብድሃን  ዘላቒ ልምዓት ከስፍሓን የኽእለን። መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስቶም ካብ ካልኦት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ዞባታት ዝመጹ መዛኑኦም ኮይኖም፡ ነዞም ኣገደስቲ ዓለማዊ ጉዳያት ንምፍታሕ ጭቡጥ ቃል ኪዳንን ስጉምትታትን ክውሰዱ ይላበዉ።

02 May 2024, 17:07