ድለ

2024.04.26 Membri della Federazione Italiana Dama 2024.04.26 Membri della Federazione Italiana Dama  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፡ ንማሕበራዊ ጥቕሚ ጸወታ ሰሌዳ ዳማ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኢጣልያውያን ተጻወቲ ሰሌሳ ዳማ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን፣ እዚ ህቡብ ጸወታ እዚ አብዚ ብውልቃውነትን ዝልለን ኤለክትሮኒካዊ ዝኾነ ሕብረተሰባት ጽሩይ ባህርያዊ ኣየር ከም እተስተንፍስ ኢዩ ዝገብረካ ክብሉ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓርቢ ንተወከልቲ ኣባልት ማሕበር ሰሌዳ ዳማ ኢጣልያ ንመበል 100 ዓመት መሰረታኦም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኬብዕሉ ኣብ ዝተረክቡሉ ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ጽርሓ ጉባኤ ቅሌምንጦስ ዝተረኽቡ ጕጅለ ተጻወቲ ሰሌዳ ዳም ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሎም ንክልተ መዳያት እዚ ጥንታዊ ጸወታ እዚ ኣጕልሑ፣ እዚ ጸወታ እዚ ኸኣ ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዓለምና ውልቃውነት ዝዓብለሎ ኩነት ክቡር ጸወታ ኢዩ በሉ።

ንዅሉ ዚኸውን ጸወታ

ቅድሚ ኹሉ እዚ ጸወታታት እዚ ዅሉ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ኢዩ፣ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ድማ ኢዩ ዝጻወት - "እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ዝሃሎኻ ሃሊኻ ብቐሊሉ እትረኽቦን ዘዘናግዓካን ግዜ ምሕዝነትን ዝፈጥረልካን ዘዛንየካን ጸወታ ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ጸወታ እዚ ብፍላይ ኣብ መንጐ እቶም ብሓደገኛ ጕዕዞታት ሓሊፎም ናብ ካልኦት ሃገራት ክዕቆቡ ዝመጹ ስደተይናታት ህቡብ ምዃኑ ገለጹ - "መብዛሕትኦም እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም ኣብ ዘየተኣማምንን ዘሻቕልን ኵነታት በዚ ናይ ሰሌዳ ጸወታ ዳማ ምጽዋት ዕረፍቲ ይረኽቡ ኢዮም።"

ኣእምሮኣዊ ኽእለት ዜነቓቕሕ ጸወታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ጸወታ ዳማ ነቶም ተጻወትቲ ርትዓዊ ኽእለት ንኺህልዎም ዚሕግዝን ዜነቓቕሕን ጸወታ ምዃኑ ገለጹ ። ኣእምሮኣዊ ኽእለትና በቲ ሓድሽ መራኸቢ ብዙሓን ኣሉታዊ ጽልዋ ኣብ ዝወርዶ ዘሎ እዋን እዚ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣመልከቱ።

ናይ ውልቃውነት ፈውሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ምዝዛም ሰላምታኦም ንኣባላት እዚ ማሕበር ስለቲ ንጥፈታቶም ነኣድዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ነዚ ውልቃውነት ዘጥቅዖ ሕብረተሰባ ሓድሽ እስትንፋስ ከም ዘምጽሉ ብምግላጽ መደረኦም ዛዘሙ ።

26 April 2024, 18:09