ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኩሎም መንእሰያት ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድል ይግብኦም’ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኩሎም መንእሰያት ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድል ይግብኦም’  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኩሎም መንእሰያት ማዕረ ናይ ስራሕ ዕድል ይግብኦም’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ቃል ኪዳናዊ ሃገራዊ ቀጻሊ ሞያዊ ታዕሊም ኣባላት ዕለት 3 ግንቦት ብምርኻብ፡ መርበብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢጣልያ ኣቓልቦኡ ኣብቶም ካብ ድኻ መነባብሮ ድሕረ ባይታ ዝመጹ መንእሰያት ብዕዳጋ ስራሕ ዝተገለሉን ብሕብረተሰብ ዝተነጽጉ ኮይኑ ዝስምዖምን ከድህብ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል ሓምሳ ዓመት ምስራት ናይ ኢጣሊያ ቃል ኪዳናዊ ሃገራዊ ቀጻሊ ሞያዊ ታዕሊም ዕለት 3 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን እዚ ብናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ 1974 ዓ.ም. ነቶም ትሑት ክእለት ዘለዎም መንሰያትን ዓበይትን እምነት መሰረት ብምግባር ሓድሽ ሞያ ንኽመሃሩ ካብ ናይ ስራሕ ንግድ ከይግለሉ ዝሕግዝ ማሕበር ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሎሚ ብድምር 285 ማእከላት ሞያዊ መዓለሚ፣ ኣስታት 8,000 ሞያዊ ሓነጽቲ፡ ኣስታት 70,000 ተማሃሮ ኣብ ዓመት ከም ዘመርቕን 36 ኣብዚ መደብ ህንጸት ዝዋስኣ ትካላትን ማሕበራትን ዝሓቁፍ መርበብ እውን ምዃኑ ይሕብር።

ኣገዳሲ ኣገልግሎት ንሕብረተሰብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣስታት 6,000 ኣባላት እቲ ቃል ኪዳናዊ ማሕበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ትካል ብማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ተደሪኹ ንማሕበረሰብ "ኣገዳሲ ኣገልግሎት" ዝህብ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንጽጉማትን እተገለሉን መንእሰያት ፍሉይ ክንክንን ቈላሕታን ስለ ዝህብ ኣመስጊኖም፥

“መዓልታዊ ተወፋይነትኩም ንመንእሰያት ብሞያኦም ናይ ምሕናጽ ዕላማ ዘለወን ዝተፈላለያ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣገልግሎት ኣዚዩ ሃብታም እዩ!

መንእሰያት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ዘለዎም ተኣፋፊ ኩነታት

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ መንእሰያት ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ተነቀፍቲ ምዃኖም ገሊጾም፡ ገሊኣቶም ስራሕ ኰነ ትምህርቲ ዘይረኽቡ ከም ዝኾኑን ገሊኣቶም ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ትምኒቶም ዝሰማማዕ ኣጋጣሚታት ከይረኽቡ ካልእ ስራሕ ክደልዩ ዝግደዱ ከም ዝኾኑን፣ ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ሓደገይናን ብቑዕ ደሞዝ ኣብ ዘይክፈሎን ስራሕ ይሰርሑ፡ አረ ገሊኣቶምሲ ኻብ ስራሕ እውን ይስጎጉ!

ኣብ ቅድሚ እዚ ኩነታት እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍትሓዊ ሕጊ ዕዮ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን “ክእለት ናይቶም ካብ ስራሕ ብጥሮታ ዝወጹ ኣብ ኣገልግሎት ናይቶም ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዝኣትዉ” ንምህናጽ ዝድግፍ ክኸውን ከም ዘለዎ እዚ ማለት ከኣ፣ “ዓበይቲ ኣብ ሕልምን ድሌታትን መንእሰያት ክሳተፉ ምትብባዕን ምድጋፍን ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ማሕበር ኣብዚ መዳይ ዝህቦ ኣገልግሎት ዝምስገን እዩ ከም ዝበሉን ካቶሊካውያን ትካላት ሞያዊ ህንጸት ብፍላይ ኣብቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ብሕብረተሰብ ዝተነጽጉ ኮይኑ ዝስምዖም ካብ ትሑትን ድኻን መነባብሮ ድሕረ ባይታ ዝመጹ መንእሰያት ከምኡ እውን ንኻልእ ዓይነት ብዘሕስር ምዝመዛ ንሓደጋ ዝተቓልዑን ከድህቡ የተሓሳስቡ።

ሓድሽ እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣቀማምጣ ስራህ ይቕይር

ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ብምኽንያት እቲ ሓድሽ እደ ጥበብን ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስትውዕሎን ወትሩ ዝቀያየር ዘሎ ናይ ስራሕ ኣቀማምጣ ኣብ ተልእኾኦም ዝያዳ ኣቃልቦ ክገብሩ ዝሓተቱ ቅዱሰንቶም፥ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንከስተንትኑ ብዛዕባ ኽልተ ኣንጻር ፈተናታት የጠንቅቑ፡ እዚ ኸኣ ጽልኣ እደ ጥበብን ምልከ እደ ጥበብን ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም፡ እቲ ቀዳማይ ንእደ ጥበብ ምፍራሕ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእ ድማ ኩሉ ነገር እደ ጥበብ እዩ ዝፈትሖን ዝፈርዶም ዝብል እደ ጥበብ ከሃለ ኩሉ ገይሩ ዘቐምጥ ምዃኑ ኣብሪሆም ነዚ ብድሆ እዚ እንኮ መልሲ ድማ "ቀጻልን መሃዝትን ኣጣሚሩ ዝወሃብ እዋናዊ ሕንጸት" ምዃኑ ኣጕሊሖም። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ንገሊኡ ስራሕ ብፍላይ ከኣ ነቲ ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብ ብዙሕ ተፈላጥነት ዘይብሉ ብናይ ኢድ ስራሕ ዝፍለጥ ዕዮ ዘለዎ ክብረት ክሕሎ ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።

ቅኑዕ ናይ ሞያ ሕንጸት ጸረ መርዚ ምቁራጽ ትምህርቲ

“ቅኑዕ ሞያዊ ታዕሊም ቤት ትምህርቲ ናይ ምቁራጽ ፈተና ፍቱን መድሃኒትን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ቁጠባ ንዝቐርብ ጠለብ ስራሕ ምላሽ ዝህብን እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ምስ ኣባይቲ ስድራ ጥቡቕ ምትሕብባርን ምስተን ናይ ስራሕ ሕድል ዝፈጥራ ትካላት “ጥዑይን ኣድማዕን” ዝምድና ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፥

“ምስ እደ ጥበባዊ ክእለት ተደሚሩ፡ ጽቡቕ ባህርያት ደቂ ሰባት ኣገደስቲ እዮም፡ ሰብኣውነት ዘይብሉ ሜላ ድንግርግር ዝበለ፡ ሓደገይናን ብሓቂ ዘይመሃሪ ይኸውን”

ምስ በሉ፡ ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቲ ንመንእሰያት ብሞያ ብቑዓት ንምግባር እቲ ማሕበር ዝገብሮ ጻዕሪ ብምስትውዓል፡ እዚ ድማ ንዓና ከም ሕዝቢ ዝገልጸና እዩ ቢሎም፥

"ስራሕ መሰረታዊ መዳይ ህይወትናን ጸዋዕታናን እዩ"

ስራሕ ኣብ ኣገልግሎት ናይ ሓባር ረብሓ ክኸውን ኣለዎ

ሎሚ መሰረታዊ ትርጉም ስራሕ ክንቆልቁል ንዕዘብ ከምዘለና ኣመልኪቶም፣ “እዚ ድማ ከም መግለጺ ክብርን ኣበርክቶኻ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘይኮነስ፡ ምስ ኣታዊ ዝብል ኣምር ብምትእስሳር እናተተርጐመ ይኸይድ ኣሎ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ካብዚ እዩ ድማ ኣገዳስነት ናይ ሞያዊ ሕንጸት “ኣብ ኣገልግሎት ሓፈሻዊ ዕብየት ሰብ ማለት ብመንፈሳዊ፡ ባህላውን ናይ ስራሕን ሸነኻቱ” ዝምልከት ክኸውን ዘለዎ፥

ኣብ መደምደምታ ቅዱሰነቶም እቲ ማሕበር ነቲ ጠቓሚ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ኣተባቢዖም - "ብመሃዝነትኩም ስራሕን ሰብኣዊ ጽዋዕታን ከተጣምሩ ትኽእሉ ኢኹም” ቢሎም ጽቡቕ ሞያዊ - ጸዋዕታዊ ስልጠና ንስራሕ የብቅዓና ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ትርጉም ህላወና ኣብ ዓለምን ኣብ ሕብረተሰብን ክንረክብን የኽእለና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2024, 16:47