ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኢየሱስ ዕርክነቱ ንዘልኣለም ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ኣይገድፈናን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 5 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 15. 9 – 17 ዝተወስደ ምንባብ፥ ኢየሱስ "ካብ ኩሉ ብቕዓትን ትጽቢትን ንላዕሊ ዝተፈቕሩ ምዃንና" ደጊሙ የረጋግጸልና ቢሎም ክርስቶስ ንዓይ ዓርኪ ድዩ ወይስ ጓና? ዝብል ሕቶ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱሰንቶም ዕለት 5 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ኣስታት 20 ሽሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ምመናን መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋግሞም፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓንስ 15.9-17 ምንባብ መሰረተ ገይሮም፥ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ "ደጊም ኣዕሩኽ እምበር ጊላዎት ኣይብለኩምን እየ" ከም ዝበሎም የስተብህሉ።

ዋጋ ዕርክነት

ብቋንቋ መጽሓፍ ቅዱስ "ኣገልጋሊ" ዝብል ቃል ኣገዳሲ ዕማም ዝተዋህቦ ፍሉይ ሰብ ዘመልክት እዩ፡ ንኢየሱስ ግና "ካብ ንብረትን ውጥንን ንላዕሊ ኢና፡ ስለዚ ኸኣ ንዕኡ መን ምዃንና ንምግላጽ፥ "ናብ ካልእ ክውንነት ማለት ናብ ዕርክነት ይመርሓና - ኣዕሩኽ ድማ ይብለና፥

እዚ ባህ ዘብል ተመክሮ እዚ ካብ ንእስነትና ኣትሒዝና ኢና እንመሃሮ፡ እዚኸኣ ንኣዕሩኽና መጻውትናን ብሉጽ ህያባትና ንህቦም፡ ድሕሪኡ እናዓበና ምስ እንኸይድ፡ ኣብ ዕድመ ንእስነትና፡ ንፈለማ ግዜ ቀዳማይ ውሽጣዊ ምስጢርና ነካፍሎም፡ ንኣሽቱ ከለና ተኣማንነት ነቕርብ፡ ከም ዓበይቲ ዕግበትን ጭንቀትን ንካፈል፡ ከም ኣረጋውያን መጠን ናይ ነዊሕ መዓልታት ዝኽርን ኣብ ግምት እነእትዎን ስቕታን ንካፈል።

ሓቀይና ዓርኪ ፈጺሙ ኣይገድፎን እዩ

ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ኣዕሩኽቱ ክሓስብን ንጐይታ ስሌኦም ከመስግንን ዓዲሞም፥ ደረት ዘይምህላውን ስሌታት ዘይምግባርን፡ ገርሀይናነትን ተኣማንነትን ከም ባህርያት ናይቲ ኣብ ዕርክነት ዝተመርኮሰ ዝምድና ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ሓቀይና እንተኾይኑ ዘለኣለማዊ ይኸውን።

ሓቀይና ዓርኪ ኣይሓድገካን እዩ፡ ዋላ ክትጋገ እኮለኻ: ይእርመካ፡ ምናልባት ይገንሓካ ይኸውን፡ ግን ይቕረ ይብለካን ፈጺሙ ድማ ኣይክሓድገካን እዩ!

እግዚኣብሄር እንታይ ወጅሂ ኣለዎ?

ኢየሱስ ኣዕሩኹ ኸም ዝዀንና "ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍቑራት" ከም ዝዀንና "ካብ ኣቦ ዝሰምዖ ዘበለ ዅሉ" ከካፍለና ከም ዝደሊ ከምኡውን ኣብቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንኸነተኵር ገለ ሕቶታት ክሓትት ሓሳብ ከም ዝህበና ገሊጾም፥

እስከ ንገዛእ ርእስና: ንዓይ እግዚኣብሔር እንታይ ወጅሂ ኣለዎ? ወጅሂ ዓርኪ ድዩ ወይስ ጓና? ንሓደ ሰብ ከም ዝፈትዎ ልክዕ ከምኡ ብኣኡ ዝፍቶ ኮይኑ ይስምዓኒ ድዩ? ንኻልኦት ብፍላይ ድማ ነቶም ዝጋገዩን ይቕረታ ዘድልዮምን ዝምስክረሎም ወጅሂ የሱስ እንታይ እዩ? ቢልና ንሕትት!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2024, 16:51