ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር መተር ነቲ ኣገዳሲ ንጥፈት ኣንጻር ግህሰት ብትብዓት ይቐጽል! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር መተር ነቲ ኣገዳሲ ንጥፈት ኣንጻር ግህሰት ብትብዓት ይቐጽል!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ማሕበር መተር ነቲ ኣገዳሲ ንጥፈት ኣንጻር ግህሰት ብትብዓት ይቐጽል!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ነቲ ብኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ዝምራሕ ማሕበር ኣንጻር ጾታዊ ርክብ ህጻናትን ስእለ ጽዩፍ ህጻናትን ዝቃለስ ዘለዎ ተባዕ ተወፋይነት ንኢዶም፡ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዛዘሚ መበል 28 መዓልቲ ግዳያት ዓመጽ ህጻናት ምኽንያት ንዝተረኽቡን ከምኡ እውን ነቶም ቃለ መሓላ ዝፍጽሙ ሓደስቲ ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ንማሕበር ሜተር፣ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ መላእ ኢጣልያን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ግህሰት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ጾታዊ ዓመጽን ስእለ ጽዩፍ ህጻናትን ብፍላይ ድማ ከምዚ ዓይነት ጽዩፍ ተግባር ብመርበብ ሓበሬታ ዝግበር ዝርጋሐ እቲ ብኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ዝተመስረተን ብኣኦም ዝምራሕን ትካል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣባላት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንኣገልግሎቶም ንኢዶም፥

የቐንየልና፡ ስለቲ ተወፋይነትኩም የቐንየልና! ኣገዳሲ ስራሕኩም ድማ ብትብዓት ቀጽሉ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጣቕዒትን ሰላምታን ንሓደስቲ ኣባላት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓላዊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ስድራ ቤቶም ንዝሓበሩ 34 ሓደስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ኣባላት ንኽኾኑ ቃለ ማሕላ ንዝፍጸሙ ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡን፥ እቲ ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ሓይሊ ምክልኻል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ኣብ 1506 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ዩሊዩስ ዝቖመ ምዃኑ ብምዝካር፥

ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብጣቕዒት ምስጋናና ንግለጸሎም

 ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

06 May 2024, 16:55