ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ቅነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣልያ ናብ ትሪየስተ ክበጽሑ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ቅነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣልያ ናብ ትሪየስተ ክበጽሑ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ቅነ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢጣልያ ናብ ትሪየስተ ክበጽሑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሓምለ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ትሪየስተ ብምኻድ ኣብ ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ ክሳተፉ መደብ ከም ዘለዎምን ኣብኡ ድማ ምስ ስደተኛታትን ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብን ከተማታትን ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክራኸቡ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ትሪየስተ ጳጳስ ኣቡነ ኤንሪኮ ትረቪዚ ዕለት 3 ግንቦት መበል 50 ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 7 ሓምለ ኣብ ሰሜን ኢጣልያ ከተማ ትሪየስተ ክርከቡ ምዃኖምን ዝርዝር መደባቶም እውን ብወግዒ ከም ዘፍለጡን እቲ ካብ ዕለት 3 - 7 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ "ኣብ ሕመረት ዲሞክራሲ፡ ተሳትፎ ኣብ መንጎ ታሪኽን መጻእን" ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ትሪየስተ ዕለት 7 ሓምለ

ከምቲ ጳጳስ ሰበኻ ትሪየስተ ዝገለጽዎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብሄሊኮፕተር ናብቲ ኣብ ጥንታዊ ወደብ ትሪየስተ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሓፈሻዊ ጉባኤ ከባቢ ሰዓት 8፡00 ክበጽሑን ናይ ኢጣሊያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማተዮ ጹፒ ዝርከብዎም ናይ በርገሳውያንን ሃይማኖትን ዓበይቲ ኣካላት ኣቀባብላ ክግበረሎም እዮም።

ድሕሪ ናይ ኣቀባብላ ስነ ስርዓት ምስ ተሳተፍቲ ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ቅነ ቀጺሎም ድማ ምስ ወከልቲ ካልኦት ክርስትያናዊ ኣብያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ምሁራትን እታ ከተማን ከምኡ’ውን ምስ ጉጅለ ስደተኛታትን ስንኩላንን ክራኸቡ እዮም።

ብድሕሪ እዚ ብማኪና ናብ ኣደባባይ ሓድነት ብምኻድ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ልክዕ ሰዓት 12፡30 ብሄሊኮፕተር ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ከምለሱ ምዃኑ ይሕብሩ።

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ መደረ

እቲ ዕለት 3 ሓምለ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ብዘስምዕዎ መደረ ዝብገስ ዓመታዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ኣብ ኢጣልያ ብዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክዛዘም እዩ፣ እቲ ልዕሊ ሽሕ ልኡኻት ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመትዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ኢጣሊያ መርሕ ቃል "ኣብ ሕመረት ዲሞክራሲ፡ ተሳትፎ ኣብ መንጎ ታሪኽን መጻእን" ዝብል ኮይኑ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ደሞክራስያዊ ህይወት ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት ሓፈሻዊ ጸሓፊ ናይ ኢጣልያ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ-ጳጳሳት ጁሰፔ ባቱሪ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ርእሰ ብሔር ማታሬላ ኣብቲ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ካቶሊካውያን ኢጣሊያ ክሳተፉ ምዃኖም ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ "እቲ ኣብ ከተማ ትሪየስተ ዝካየድ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ ካቶሊካውያን ኢጣሊያ ንህይወት መላእ ኢጣሊያ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕላማኡ ኸኣ "ነቲ ኢጣልያን ኤውሮጳን ዓለምን ዘጋጥሞም ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ ካቶሊካውያን ኣበርክቶ ኽገብሩ ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ይሕብር።

ካብ ባልካን ዝመጽእ ዋሕዚ ስደት

ኣቡነ ትረቪዚ ዕለት 3 ግንቦት ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ብዛዕባ ተሳትፎ፡ ዲሞክራሲ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ክንዛረብ፡ ብዛዕባ ተቓላዕቲ ሰባት ክንርስዕ ዝከኣል ኣይኮነን” ኢሎም፡ ብስለት ናይ ሓደ ዲሞክራሲ እውን ኣብቲ ተቓላዕቲ ሰባት ክሳብ ክንደይ ተቐባልነት ከም ዝረኽቡን ከም ዝውሃሃዱን እዩ ዝምርኮስ" ቢሎም፥ ጳጳስ ንከባብያዊ ክውንነቶም ብምጥቃስ ትሪየስተ ኣብ ዶብ ባልካን ከምዘላ ብምግላጽ ስደት "በዳህን ዝተሓላለኸን ምዃኑ እውን ሓቢሮም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቑዓት ተቐበልቲ ጋሻ ክንከውን ከም ዚግብኣና እዮም ዘተሓሳስቡና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ ኣብ ጥቓ እቲ ብዙሓት ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን እተዓቝቡሉ መደበር ባቡር ከተማ ትሪየስተ ዝርከብ ናይ ጽሬት መሳለጥያታት ማይ ከምኡውን ኤለክትሪክ ዘይብሉ ዝዓነወ ህንጻ ጠቒሶም፡ እቲ ህንጻ "ዘይበቅዕ ኵነታት" ከም ዘመልክት ኣስተብሂሎም ንሱ ድማ መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ የመላኽት።

06 May 2024, 16:42