ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ በዓለ ፋሲካ ንዘብዓሉ ሰላምታኦም የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ በዓለ ፋሲካ ንዘብዓሉ ሰላምታኦም የቕርቡ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ በዓለ ፋሲካ ንዘብዓሉ ሰላምታኦም የቕርቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመሰረት ኣቆጻጽራ ዩሊዩስ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዕለት 5 ግንቦት ንዘብዓላ ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ከምኡ እውን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ በዓለ ትንሳኤ ተመንዮም፡ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክሬን፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ንጸሊ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 5 ግንቦት ትንሳኤ ዘእግዚእነ ንዘብዕሉ ኣብ ኤርትራ ናይ ግእዝ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝርከብዎም ዝተፈላለያ ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዓቢ ፍቕሪ ሰናይ ትምኒተይ አቕርብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ምእመናን ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን በቆጻጽራ ዩሊዩስ ዕለት 5 ግንቦት በዓለ ፋሲካ የብዕሉ ከምዘለዉ ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፥ “እቲ ዝተንስአ ጐይታ ንዅሎም ማሕበረሰባት ሓጐስን ሰላምን ይጸግዎም፡ ነቶም መከራ ዘጋጥሞም ድማ የጸናንዓዮም” እንክብሉ ጸልዮም

“ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረሎም!”

‘ኣይፋል ንውግእ እወ ንዘተ!’

ቢሎም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፣ ሕጂ’ውን ኣብ ስቓይ ንዘላ ዩክሬን፣ ከምኡ’ውን ንፍልስጤምን እስራኤልን ቀጻሊ ጸሎት ክግበር– ብፍሉይ ድማ “ዘተ ክሕይልን ጽቡቕ ፍረ ክፈርን” ሓቲቶም።

“ኣይፋልን ንውግእ - እወ ንዘተ!”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

06 May 2024, 16:59