ድለ

መበገሲ ክርስትያናዊ ኢዮቤል

ክርስትያናዊ ኢዮቤል ኣብ 1300 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ቦኖፋዚዮስ ሻምናይ ንፈለማ ግዜ ከም ዝኣወጁን እዚ ድማ ነቲ ብቐጻሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንእትእውጆ ኢዮቤል መሰረት ምዃኑ ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ኣንትረያ ቶርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ቦኒፋዚዮስ ሻምናይ ኣብ 1300 ዓ.ም. ናይ መጀመርታ ዓመት ኢዮቤል ዝኣወጁ ከም ዝኾኑን።    ክርስትያናዊት ዓመት ኢዮቤል ነቲ ጥንታዊ ልምዲ እብራይስጣዊ ብመንፈሳዊ መገዲ ዝተርጎመ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኢዮቤል ንጊላዎት ሓራ ኣብ ምውጻእ ዘተኮረ እኳ እንተነበረ እቲ ክርስትያናዊ ትርጕም ግን ካብ ሓጢኣትን ካብቲ ብሓጢኣት ምኽንያት ካብ ዝመጽ ኩነኔ ሓራ ንምውጻእ ዝእውጅ - ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዝምልከት እዩ።

1300 ዓ.ም. ንመጀመርታ ሓድሽ ክፍለ ዘመን ዘርህው ብምንባር ትጽቢት ዝግበረሉ ሃዋህው ስለ ዝነበረ፡ ሮማ ብመንፈሳውያን ነጋዶ መሊኣ ከም ዝነበረትን እቶም ካብ ደገ ዝመጹ ሰባት ነቲ ምሕረት ንምርካብ ነፍሲ ወከፎም 15 ግዜ ናብ ባዚሊካታት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ክበጽሑ እውን ከም ዝነበሮም ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ጠቒሶም ብምሕባር፡ እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ፡ ፍልሰት ነጋድያን ናብ ከተማ ሮማ ጸሓፍን ደራስን ኢጣሊያዊ ዳንተ ኣሊጊየሪ ብንጹር የዘንትዎ።

26 April 2024, 15:06