ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Canzonetta. Andante. Finale. Allegro vivacissimo
መርሓ ግብሪ ፈነወ

መንነትና

ዜና ቫቲካን ሓዲስ ናይ ቅድስት መንበር ሓበሬታ መርበብ ኣገልግሎት ዜና ኰይኑ፣ ምስ ራድዮ ቫቲካንን ጋዜጣ ሎ ኦሰርቫቶረ ሮማኖን መርበብ ሓበሬታ መድያ ቫቲካንን ኰይኑ  ነቲ ቀንዲ ግድል ‘ንተልእኮ ቤተክርስትያን ንዘድልዩ ጉዳያት ብዝበለጸ ምምላስ’ ዝዓለመ ነዚ ከኣ ኣብ ዘመናዊ ባህሊ ‘ነቲ ናይ ምሕረት ወንጌል ናብ ኩሉ ህዝቢ’ ናብ ዝተፈላለየ ባህልታት ንምምሕልላፍ እዩ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ብሞቱ ፕሮፕርዮ ዝበሃል ኣዋጅ ናይ ር.ሊ.ጳ ፍርናቸኮስ (ብቋንቋ እንግሊዝ  ንምንባቡ ብቋንቋ ጣልያን ንምንባቡ) ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ብዝብል ስም ኣብ ኩርያ ሮማና ከም ሓዲስ ክፍሊ ብዕለት 27 ሰነ 2015 ሎሚ ከኣ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩርያ ሮማና ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ዝጀመረ እዩ።

ዜና ቫቲካን ነቲ ቅልል ዝበለ ንኩሉ ናይ ምእካብ ዲጂቲላዊ ሥነሓሳብ ሰጊሩ ነቲ ብቀጻሊ ዝለዋወጥ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ቦታን ቅርጽን ክምልስን ኣቀዲሙ ባይታ ከጣጥሕን ይእምት፣ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታትን ብዙሕ ባህልታትን ብዙሕ መሳርዕን ብምውዳድ ማልቲሚድያ ብዝብል ንኩሉ ዘጠቃልል ንኩሉ ናይ መራኸቢ ብዙሓን መጋበሪታት ክጥቀም ምስ ኩሉ ከኣ ክዋሳእ ‘ንወንጌል ምሕረት ከኣ ናብ ኩሎም ኣሕዛብ ከባጽሕ’ ነቂሉ ኣሎ።

ትሕዝቶኡ ኣብ ኣርባዕተ ነጥብታት ዘተኰረ እንክኾን ብዛዕባ ውዕሎ ር.ሊ.ጳ፣ ቅድስት መንበርን፣ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያናትን ዝምልከት ሓበሬታ እናሃበ ብዛዕባ ዓለምና እውን ዝትንክፍ እዩ። ዜና ቫቲካን በተን ናይ ረድዮ ቫቲካን ዘቊማ ናይ ዝተፈላለያ ቋንቋታት ኣሰናዳእቲ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ትምሥረት። (ራድዮ ቫቲካን ብድላይ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ብጉልየልሞ ማርኮኒ ዝተሃንደሰትን ዝተሃንጸትን ኰይና ፈላሚ ፈነወኣ ብለካቲት 12 1931 ዓም ጀመረት)። ቀንዲ ዕላማ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነ ናብ መላእ ዓለም ተስፋ እምነት ብምብጻሕ ንፍጻሜታት ብብርሃን ወንጌል ትርጉምን ፍታሕን ትህብ።  ቀንዲ መምርሒ ሚዛን ከስ 'ሓዋርያዊ ስብከተ ወንጌላዊ ተልእኮኣዊ ኮይኑ ፍሉይ ኣተኲሮኡ ኣብ ዝርኤ  ህልው  ጸገማት ጥሜትን ካልእ ሽግርን' እዩ (ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ዕለት 4 ግንቦት 2017 ኣብ ምልኣተ ጉባኤ ቤትጽሕፈት መራከቢ ብዙኃን ቅድስት መንበር ዝሃብዎ ማዕዳ ብቋንቋ ጣልያን ንምንባቡ  ጠውቅ)።

 

ቤት ጽሕፈት ዋና ኣሰናዳኢ

ኣንድረያ ቶርኒየሊ (ዋና ኣሰናዳኢ)፡ ሰርጆ ቸንቶፋንቲን ኣለሳንድሮ ጂሶቲን (ምኽትል ዋና ኣሰናዳኢ)

 

ሓላፊ ራዲዮ ቫቲካን - ዜና ቫቲካን

ማሲሚሊያኖ መኒከቲ (ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ)

 

Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031