ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Missa Solemnis, in Re Maggiore, Op.123, per soli, coro e orchestra
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2019.12.19 ቡራኬ ሕንጻ መዓቐቢ ኣስካሬን ሙታን  2019.12.19 ቡራኬ ሕንጻ መዓቐቢ ኣስካሬን ሙታን  

ቡራኬ ሕንጻ መዓቐቢ ኣስካሬን ሙታን ጸጸራት ኣሥመራ - ኤርትራ

እቲ 2 መጋቢት 2017 ዝተጀመረ ፕሮጀክት ሓድሽ ሕንጻ መዐቀቢ ኣስካሬን ሙታን ጸጸራት ኣሥመራ ሳላ ለገስነት ምእመናን ኣሥመራ ገበርቲ ሰናይ ብ14 ታሕሳስ ብፁዕ ኣቡነ መንሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበ ኣሥመራ ባሪኾሞ።

መጀመርያ ሊቀጳጳሳት ዝመርሕዎ ብዙሓት ካህናት ገደማውያትን (ሰብውፉይሕይወት) ኣሽሓት ምእመናን ዝተሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓረገ። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ሕንጻ ናይ ምብራኽ ሰነ ስርዓት ተፈጸመ።

እቶም “ብተዮሎጊያዊ ፍልጠቶም ጥራሕ ዘይኮነ፣ በቲ ናይ ምናኔን ጸሎትን ጽሙው ሕይወቶም’ውን ንብዙሓት ዝሓነጸ ቅዱስ ሕይወት ዝተኸተሉ”፣ ከምኡ ድማ ኣብ ቁምስናታት ኣብያተ ትምህርቲ  (ብሓደ ግዜ ክሳብ  70) ዘንቀሳቀሱን ዘሰጐሙ ንብዓል ሰናይ ዝኽሪ ኣቦና ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ኣስከሬን ካብ ሥፍራኡ ተላዒሉ  ካብ  መቓብር ጸጸራት ክሳብ ኪዳነምሕረት ብዙሓት ካህናት ገደማውያትን (ሰብውፉይሕይወት) ብኣሻሓት ምእመናን ተሰኒዮን ብዓቢ ክብሪ ተዓጂቡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነምሕረት በጽሕ ኣብኡ ድማ ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ተፈጺሙ ብዝተዳለወሉ ሥፍራ ኣዕረፈ።

ዘመን ስርሖም ንኣቡነ ኣብርሃ ሃገርና ብናይ ፓለቲካ ኩነታት እናተለዋወጠ ዝኸደሉ ዝነበረ፣ ህድኣት ዘይተራእዩ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ኩሉ ቁምስናታት ኣብያተ ትምህርቲ ክትከል (ብሓደ ግዜ ክሳብ 70 ዝኣክል) ዘንቀሳቐሱን ዘሰጐሙን ነበሩ። ልምዲ ንባብ ክምዕብል ከም ወርሓዊ መጽሔት “ብርሃን” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቁምስናን ቤት ትምህርትን በጺሐ ኪንበብ ብዝብል፣ ብውድድርን ሽልማትን ስኮላርሺፕን ንመንእሰያት ኣተባብዑ።

ፓለቲካዊ ፍትሕን ኣቓልቦን ዝተመነዩ፣ ምፍራስ ፈደረሽን ዝተቓወሙ መንእሰያት ኪናዓቡ ከለዉ። “ እንታይ ኮይኖም እዮም፣ኣቦታቶም ዘይትሰምዕዎም” ኪብሉ ንምልክታት ጊዜ ብኣጋኡ ዘንበቡ ሰብ ነበሩ። ጸኒሑ እውን ኣብ ሃገር፣ ናዕብን ብምኽንያት ፓለቲካውን ሓርነታውን ምንቅስቓሳት ብወገን መንግስቲ ቅትለትን ግፍዕታትን ምስ ተበራኸተ፣ ብግልጺ “ኣይትቅተል” ኩሉ ነገር ብዘተ ይገበር በሉ። መንግስቲ ደርግ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሥመራ ዝነበረ ገዳማትን ናይ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ንብረት ክግብት ከሎ መራሕቲ ኣይትጋገዩ፣ ጓኖት ኣየጋግዮኹም ኪብሉ ንዝነበረ ሥርዓትን መሪሕነትን ብግልጺ ወቂሶም ተቓዊሞም።

ብዘመኖም ኣብ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ወገን ገዳማትን ናይ ወፈያ ሕይወት ማሕበራት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምዕባለ ጸዋዕታ ተራእዩ፣ ካቶሊካዊ ተቅዋም ትምህርተ መለኮት፣ ብገድማት’ኳ እንተ ተጀመረ፣ ብናይቶም ንጡፍ ታሳታፍነት ከምዚምዕብልን፣ ብሓቂ ከምዚድልድልን ናይ ሮማ ቡራኬን ደገፍን ረኺቡ ከምዚስጉም ኮነ።

በቲ ኣብ በዓል ኪዳነምሕረት፣ ኣብ ከም በዓል ቅዱስ ሚካኤል ከረን ዝህብዎ ዝነበሩ ነቕ ዘይብል ረዚን ትምህርቶምን ማዕዳኦምን ኣብ ልቢ ምእመናን ዓሚቕ ሰረት ዘለዎ ኣሰር ሓዲጎም። ብናይ ተዮሎጋዊ ፍልጠቶም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ በቲ ናይ ምናኔን ጸሎትን ጽሙው ሕይወቶም’ውን ንብዙሓት ዝሃነጹ ቅዱስ ሕይወት ዝተኸተሉ ሰብ ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Dec 2019, 15:55
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930