ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ኣብ ሃይቲ ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግል ብጠቕላላ 10 ሰባት ከም እተጨውዩ ኣብ ሃይቲ ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግል ብጠቕላላ 10 ሰባት ከም እተጨውዩ 

ኣብ ሃይቲ ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግል ብጠቕላላ 10 ሰባት ከም እተጨውዩ

እታ ኣብ ካሪቢያን እትርከብ ናብ ሁከትን ውልቀ ምልካውን ገጻ ተድህብ ከምዘላ ዝንገረላ ሃገረ ሃይቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ትገጥም ከምዘላን፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ 15 ዓመት ዝተከስተ ህቦብላ ንፋስን ርእደ መሬትን ሎሚ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ተሓዊስዎ

ኣብ ሃይቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ጨወያ ብተደጋጋሚ ዝረአይ ሓደጋ ምዃኑ ክንገር እንከሎ ብፍላይ እቲ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ዝተፈጸመ ጨወያ ብትኽክል ቤተ ክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን ዕለት 12 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግልን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 10 ዜጋታት ከምእተጨውዩን ናጻ ክልቐቑ እውን ካብቶም ጨወይቶም ሓደ ሚሊዮን ዶላር ከምእተሓተ ናይ ሓይቲ  ብጹዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ ዘወጽኦ ሓበሬታ ከምዘፍለጠን ኣብታ ሃገር ናይ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ቤት ጉባኤ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣስጋእን ዓመጽን ዘይምርግጋእን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ይኽይድ ከምዘሎ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ሓሙሽተ ካህናትን ክልተ ደናግልን ሰለስተ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሃይቲ ከምእተጨውዩን  እቶም ጨወይቲ እውን ነቶም ጅሆ ዝገበርዎን ናጻ ንኽለቅዎም ሓድ ሚሊዮን ዶላር ከምዝሓተቱ  ናይ ሃይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ሃይቲ ርእሰ ከተማ ፖርት ኣው ፕሪንስ ዞባ ምብራቕ እናተጓዕዙ እንከለዉ ከምእተጨውዩን ናይ ሃይቲ ናይ ገዳማውያንን ገዳምያውያትን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ጂልበርት ፐልትሮፕ፥ እቶም ዝተጨውዩ ተወላዲ ፈረንሳ ኣባ ኤቨንስ ጆሰፍን ኣባ ዣን ኒካይሰ ሚሊየንን ኣባ ጆየል ቶማስን ኣባ ሁገስ ባፕቲስትን እናቴ ኣን ማሪ ዶርሰኡስን ፈረንሳዊት እናቴ ኣኘስ ቦርደኡ ወለዲ ኣባ ኣርነል ጆሰፍ ኣደኦም ኦክሳነ ዲርቸሉስን ሓብቶም ላቭልይ ጆሰፍን ናይ ጥምቀት ኣቦኦም ወልደር ጆልይን ምዃኖም ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነዊሕ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ቅልውላው ሃይቲ

እታ ኣብ ካሪቢያን እትርከብ ናብ ሁከትን ውልቀ ምልካውን ገጻ ተድህብ ከምዘላ ዝንገረላ ሃገረ ሃይቲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ትገጥም ከምዘላን፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ 15 ዓመት ዝተከስተ ህቦብላ ንፋስን ርእደ መሬትን ሎሚ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ተሓዊስዎ እዚ ዅሉ ከይኣክል ጭውያን ዓመጽ ዝተመልኦ ገበንን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ የጥቅዓ ከምዘሎን እዛ ኣብ ከቢድ ስቓይ እትርከብ ዘላ ሃገር ካብቲ ዘጋጠማ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንኽትላቐቕ ብፍላይ እቲ ዕለት 12 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ዝተኸስተ ኵለንተነኣ ዘንበርከኸ ርእደ መሬት ብወግዊ ልዕሊ 200 ሺሕ ንሞት ዝዳረገን ብገሊኡ ገምጋም እውን ክሳብ ፍርቂ ሚሊዮን ሕዝቢ ንሞት ከምዝዳረገ ዝንገረሉ ዘስዓቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ ማእለያ ዘይብሉ ሓገዝ ከምዘቕረበ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ጻውዒት ብጹዓን ጳጳሳት ሃይቲ

ብመሰረት ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣገልግሎት ዜና እቶም ሸውዓተ ኤቅለስያውያን ኣካላት በቶም ዕሉላት ገበነይናታት ከምእተጨዉዩ ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሃይቲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ጁልበርት ፐልትሮፕ፥ “ሃይቲ ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰለ ገበን ክትቃለሶ ይግባእ ከምዝበሉን ቅድሚ እዚ ዝተፈጸመ ጨወያ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ሓደ መጋቢ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ብናይ ገበን ጉጅለታት ከምእተጨውዩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሃይታ ኣስታት 10 ሚሊዮን ሕዝቢ ዘለዋን እቲ 70 ሚእታዊ ዝሽፍን ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ክኸውን እንከሎ ሕዝባ ንስደት ይዳረግ እውን ምህላዉ ይንገር።

ሓድሽ ፈላላይ መንደቕ

ልዕሊ 500 ሺሕ ዝግመቱ ተወለድቲ ሃይቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ረፓብሊካዊት ደመኒካን ዝተሰዱ ከምዝኾኑን ናይ ዶመኒካን ረፓብሊክ ርእሰ ብሔር ልዊስ ኣቢናደር ዝሓለፈ ወርሒ ዘሕጋውያን ስደተይናታት ሃይቲ ናብ ሃገሮም ንኸኣትው ዝውውር ዕጸ ፋርስን ዘረፋ መካይን ናይ ምንቅስቓስ ተግባራት ንምዕጋት ዶባት ሃገሮም ካብ ሃይቲ ዝፈልይ ልዕሊ 380 ኪሎ መትር ዝግመት መንደቕ ንኽንደቕ መደብ ከምዘለዎምን ከምዝሓበሩ ይንገር።

ምስክርነት ብካሪታስ ናይ ዝጸዋዕ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ጉዳይ ናይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዋልተር ናኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዘሕዝን ስግኣትን ጸበባን ዓመጽን እናወሰኸን ዘመተን መጥቓዕትን ከምኡ እዋን ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጸም ጨወያን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ኤቅለሳውያን ኣካላት ክጭወዩ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን ፡ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እውን ካቶሊካውያን ገዳማውያንን ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዘገልግላ ገዳማውያትን ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን መጋብያን እውን ከምእተጨውዩን እዚ ተግባር እዚ እቶም ናይ ገበን ጉጅለታት መጋበርያ እቶት ዝጥቀምሉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ናይ ገበን ጉጅለታት

ኣብ ሃይቲ ጉዳይ ናይ ገበን ጉጅለታትን ዓመጽን ጨወያን ዝከታተል ሃይሊ ጸጥታ ከም ዝሕብሮ ኣስታት 76 ዝኾኑ ናይ ገበን ጉጅለታት ከምዘለዉን ካብኣቶም እውን ገሊኣቶም ሓውሲ ወተሃደራዊ ውደባ ዘለዎም ከምዝኾኑን ናኒ ገሊጾም፡ እዞም ናይ ገበን ጉጅለታት ነቲ መጻኢ ዘይብሉ ኮይኑ ዝስምዖን ብስእነት ስራሕን ድኻታትን ንዝተጠቕዐ መንእሰይ መንነት ናይ ገበን ጉጅለ ክሰርጾ እናገበሩ ከም መጋበርያ ዝጥቀምሉ ከምዝኾነን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት መንእሰያት እቶት ንኽረኽቡ ከምዝጽምበርዎም ሓቢሮም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

13 Apr 2021, 22:22
Prev
March 2025
SuMoTuWeThFrSa
      1
2345678
9101112131415
16171819202122
23242526272829
3031     
Next
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930