ኤርዶ፥ ንልዕሊ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምክሳት ለብዒ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቡዳፐስት ከም ምልክት ዳግመ ውልደት
እቲ ኣብ ቡዳፐስት ካብ ዕለት 5 ክሳዕ ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ሃንጋሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከጸግዋ እዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስ ሊቀ ጳጳሳት ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኤርዶ ዕለት 4 መስከረም 2021 ዓ.ም. ናይቲ መበል 52 ሕትመት ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መርሓ ግብርታትን ዝካየዱ ዓውደ ኣኼባታትን ሊጡርጊያን መደብ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃን ኣማእኪሎም ኣብ ቅድሚ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልቲ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ “ምእንቲ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ዝጽለየሉ ኣጋጣሚ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ እቲ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ ቅዳሴ ጸሎት ምስክርነት ኣኼባታትን ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት መደረ ፓትሪያርካትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን ኤውሮጳውያን ዓሌት ሮም ዘቕርብዎ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዘቕርቡሉ ናይ ሙዚቃ መደባትን ክሳዕ እቲ ልዕሊ ኵሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ፍጻመ ማለት ዕለት 12 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዘጠቓልል እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ኣብ ቡዳፐስት ዝካየድ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ካብተን ኣብ ውግእን ግጭትን ዝርከባ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡካን እውን ክሳተፉ እዮም፥ እዚ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እዚ ኣብ 2020 ዓ.ም. ክካየድ ከምዝነበሮን ብምኽንያት ቀይድታት ኮቪድ ተመሓላሊፉን ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እዩ፡ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ ርእሰ ብሔርን መራሔ መንግስትን ምስ ናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልትን ምስ ናይ ሃንጋሪ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ክራኸቡን እዮም ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ሃንጋሪ ተሰናቢቶም ናብ ስሎቫኪያ ክነቕሉ እዮም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኤርዶ፥ ምልክት ተስፋ ዝኾነ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን
ናይ ኢስቶርጎም - ቡዳፐስት ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቀዳማዊ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ኣብ ዋዜማ ብጋሴ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ንስምዒት ሃንጋርያዊት ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን እታ ሃገርን ብምግላጽ፥ “ቅዱስ ኣቦና ኮቪድ - 19 ካብ ዝኽሰት ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዘካይድዎ ምብጻሕ እውን እንተኾነ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እቲ ናቶም ምብጻሕ ዓቢይ ናይ ተስፋ ትእምርቲ ክኸውን እዩ”፥ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ካብ ቡዳፐስት ናብ ኣርባዕተ ወሓይዝ ዝውሕዝ ማይ ንምምምልካት እቲ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕ. 87 እተወስደ ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ካባኻ እዩ ዝብል ቃል መርሕ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጾም፡ እቲ ኣርባዕተ መሓይዝ እውን ትእምርቲ ኣርባዕተ ወንጌላውያን እንክብሉ ገሊጾምን እቲ መለለዪ ድማ መስቀልን ኣኣንጋድነት ዝብል ትርጉም ዘለዎ ናብ መስቀል ዝወስድ መገዲ ዝተነብሮ ናይ ክርስቶስ መስዋዕቲ ዝገልጽ እዩ፥ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትን ዓውደ ኣኼባን ዝካየደሉን ነቲ ክርስቲያናዊ መበቈል ኤውሮጳን ነቲ ኣብ መንጎ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ጥንታዊ ሓድነት ንምዝካር ኣጋጣሚ ዝኸፍት ምዃኑ ዘጒልሕ መለለዪ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጹዕ ካርዲናል ኤርዶ ድሕሪ ዝሃብዎ መግለጺ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣኘስ ገዶ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥
እቲ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝኽፈትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም መበል 52 ኣህጉራዊ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ቅዱስነቶም ናብ ሃገሪ ንኽመጹ ኣጋጥሚ እዩ፡ እዚ ህላወ ቅዱስነቶም ንሃንጋሪ እንታይ ትርጒም ኣለዎ? እቲ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ተዳናጒዩ ዝካየድ እውን እንተዀን ሎሚ ከም ትማሊ እቲ ህላዌ ቅዱስነቶም ናይ ተስፋ ምልክት እዩ፡ ግልጺ ምዃንን ዳግም ናይ ምውላድ ምልክት እዩ፡ ኣምላኽ ንበይንና ከምዘይሓድገና ዘረጋግጽ ትእምርቲ እዩ፡ ስለዚ ዜሐጒስ ፍጻመ እዩ። እቲ ከም ምልክት መላእ ዝተፈላለያ ናይ ክርስቶስ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓደ ዝጥርንፍ ቅዱስነቶም ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መግለጺ ሓድነት እውን እዩ፥ ኣብ ዙርያ ክርስቶስን ኣብ ዙርያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር ናይ ምርኻብ ምልክት እዩ ኢሎም።
ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብዙሓት ኣህጉራውያን ኣጋይሽ ዝዓደመ ናይ ቲዮሎጊያዊ ዓውደ መጽናዕቲ ድሮ ተበጊሱ ኣሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ እንታይ ክትሕብሩና ትኽእሉ? ኣስታት 300 ተጋባእያን ዘሳተፈ እዩ፡ ድሮ ዝተኻየዱ ክልተ ዓውደ ርክባት ተገዳስነት ህዝቢ ኣለዓዒሉ እዩ። ብጹዕ ኣቡነ ፒየራንጀሎ ሰኵየሪ ናይቲ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መርሕ ዝገበሮ ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕ. 87 እተወስደ ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ካባኻ እዩ ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም ቅዱስ ቍርባን ምንጪ ህይወት ክርስትና ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦምን ኣስዒቦም እውን ተወላዲ ካመሩን ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ማሪ ንዲ - ኦካላ “መስዋዕተ ቅዳሴ - ቅዱስ ቍርባን ኣብ ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ቲዮሎጊያዊ ኣስተምህሮ ሂቦምን ካልኦት ናይተን ኣብ ሃንጋሪ ዝርከባ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባላት ናይ ዝኾና ዘይካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውክሉ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንት እውን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘማእከለ ኣስትምህሮ ከቕርቡ እያቶም። ብርግጽ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከምዘሎ ርዱእ እዩ - ካብ ኦርቶዶክሳውያን ኣትሒዝካ ክሳዕ ፕሮተስታንት ነዚ ኣተፈላለየ ቲዮሎጊያዊ ኣቕዋም እዚ ንኽንምርምሮ ብዙሕ ዝሕግዘና ርክብን እዩ ከመይሲ ኣብ ዘሓለፈ እዋን እውን ኣብ እተፈላለዩ ቦታታት ተመሳሳሊ ንጽጽር ተገይሩ እዩ ኢሎም።
ካብ ዝተፈላላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ ልኡካን ክሳተፉ እዮም? ኣብቲ ዕለት 11 መስከረም ኣብ ፊት ናይ ሃንጋሪ ህንጻ ሕዝባዊ ባይቲ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ዝዓርግን ደሓር እውን ዕለት 12 መስከረም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕርግዎ ናይቲ ጉባኤ ናይ መዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ክሳተፉ እዮም። እቲ ዕለት 11 መስከረም ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ህዝቢ ሃንጋሪ ምስ ቅዱስ ቍርባን ብሓፈሻ ምስ ክርስትና ዘልዎ ርክብ ብዝተወሰነ ኣርካን ኣትኵሮ ዝገብር እዩ፡ ኣብኡ እውን በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ መኽፈቲ ኣስተምህሮ ከህቡ እዮም፥ ከም እንዝክሮ ኣብ 2000 ዓ.ም. ነቶም ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ንዝኽበሩ ናይ ሃንጋሪ ቀዳማይ ቅዱስ ንጉስ ስጢፋኖስ መላእ ሃገረ ሃንጋሪ ጸጋ ጥምቀት ንኽትቅበል ዝገበረ ናይ ሃንጋሪ ሃዋርያ ተባሂሉ ዝፍልጠ ቅዱስ እንክብሉ ከምዝኣወጅዎም ዘኪሮም እዚ እቲ ኣብ መንጐ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዝነበሮ ሓባራዊ መበቈል ዘዘኻኽረና እዩ። ስለዚ እቲ ዝነበረ ሓድነት መታን ክምለስ ምእንቲ ሓድነት ንኽንጽሊ ኣጋጣሚ ዘርህው እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ዝካየደሉ ሰሙን ፍልይ ዝበለ ንዓሌት ሮም ኤውሮጳ ዝገልጽ ብዓሌት ሮም ዝቐርብ ናይ ሙዚቃ ምርኢት እውን ክህሉ እዩ። ብጹዕነትኵም ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትብሉና ትኽእሉ? እወ ኣብ 2008 ዓ.ም. ናይ ሃንጋሪ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ዓሌት ሮም ኣተርጒይሙን ኣጽዲቑን ንሕትመት ኣብቂዑ እዩ፥ ቋንቋ ሮም እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓሌት ሮም ብሰፊሕ ዝጥቀምሉ ቋንቋ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ብቋንቋ ሮም ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ኣይነበረን። ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተተባቢዕና ብቋንቋ ሮም ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ትርጒም ጀሚርናን ኣብ ፍጻመ እውን ኣብጺሕና ኢና፥ ኣብዚ ስራሕ እዚ እውን ናይ ዓሌት ሮም ሙዚቀይናታት ዘሳትፈ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ዙርያ መሰውዒ ጐይታ እውን ምሳታቶም ምሉእ ብምሉእ ሱታፌ ከነጒልሕ ተስፋ ንገብር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።