ቻርለስ ደ ፎኵልድ “ኵላዊ ሓው” ንኢየሱስ ዝመሰለ!
ብጹዕ ቻርለስ ደ ፎኵልድ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና እትእውጀሉ ዕለት ምስ ተነግረ ንጽባሒቱ ፈረንሳዊ ካህን ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ሓው ቻርለስ ደ ፎኵልድ ንኢየሱስ ክመስሎ ስለ ዝደለየ ኣብ ህይወቱ ንባህርያት ኢየሱስ ከፍሪ ደለየ” እንክብሉ ይዝክርዎ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስና ጒዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዕለት 15 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ብጹዕ ቻርለስ ደ ፎኵልድን ምስ ካልኦት ሸውዓተ ብጹዓን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ክእትእውጀሉ ምዃና ዕለት 8 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ምስ ሓበረ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ታሪኽ ስነ ምርምር ፍልጠት ሽማግለ ኣቦ መንበር ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እዚ ዜና እዚ ንመንፈሳዊ ስድራ ቤቱን ንሰሜን ኣፍሪቃን ዓቢይ ሓጐስ እዩ” ኢሎም።
እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኣዋጅ ቅድስና ዝረጋገጸሉ ዕለት በጺሑ . . . ኣብ ዝሓለፈ በዓለ ልደት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተራኸብኵሉ ዕለት ነዚ እዋጅ ቅድስና እዚ ንጽበ ኣሎና ከምዝበልክዎ ይዝከረኒ። ብኡንብኡ ኸኣ “እወ ኣነ እውን ዝጽበዮ እዩ . . . ግናኸ ክንጽበ ኣሎና” ቢሎም መሊሶምሎም ከምዝነበሩን ሕጂ ግን እዚ ዓቢይ ሓጐስ እዚ ረኺብና ኣሎና። ንመንፈሳውያን ስድራ ቤት ቻርለስ ደ ፎክዎልድ ዘሐጉስ እዩ፣ ነታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን። እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ በቶም ኣብ ኣልጀርያ ሞሮኮ ቱኒዝያ ሊቢያ ዝነበሩ ወጻእተይናታት ዝቖመት ንእሽቶ ማሕበረሰብ ብምዃና እዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዘን ኣቢያተ ክርስቲያን እዚኣተን ዘይንጽል ክፍሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾና ስለ ዝግንዘባ እዚ ንሕልና ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ኢሎም።
ቻርለስ ደ ፎኵልድ እንታይ ይምህረና . . . ? ቻርለስ ደ ፎኵልድ ምስ ተለወጠ ሓደ ነገር ተረድአ - ህይወቱ ምሉእ ብምሉእ ንክርስቶስ እተወፈየት ክትከውን ኣለዋ ዝብል። ንኢየሱስ ክመስል ስለ ዝደለየ ኣብ ህይወቱ ነቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያት ኪፈሪ ደለየ። ኣብ መጀመርታ ኣብታ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ዚመላለሱላ ኣብ ዝነበረ ቅድስቲ መሬት ክነብር እዩ ዝኸደ። ድሕሪኡ እምነት በብቝሩብ ነጸሀትሉ። መልክዓ ምድራዊ ሃዋሁ ኣድላዪ ከም ዘይኮነ ድማ ተረደአ። መዓልታዊ ህይወቱ ኢየሱስ ኪመርሖ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነዚ ሱታፌ ምስ ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ንምንባር። በዚ ምኽንያት እዚ ናብ ሰሃራ ከደ ኣብኡ ድማ ምስ ወተሃድራት ፈረንሳ ኵሎም እተጠምቁ ግን ከኣ ዘይኣምነቲ ከምኡ እውን ምስ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ምንባር ጀመረ። ኣብዚ መዳይ እዚ ካልአ ክርስቶስ ኪኸውን ይደሊ ነይሩ። እዚ ንዓታቶም ምልክት ናይ ኵላዊ ፍቕሪ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ “ኣነ ንዅሉ ዝሓቝፍ ሓው እየ” ክብል ዝበቕዔ።
ናይ ወንጌል ምስክር . . . እቲ ዕለት 15 መስከረም 1858 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ እተወልደ ቻርለስ ዝበሃል መንእሰይ “ሓው ቻርለስ ዘኢየሱስ” ቅድሚ ምዃኑ ወተሃድር ዝነበረን ኣብ ግዜ ብጽሕና እምነት ገዱፉ ዝነበረን ኣብ ሞሮኮ ሓደገይና ዳህሳስ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ግን “ኣምላኽ ኣሎ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከልዕል ከም ዝጀመረን “ኣምላኸይ እንተ ኣሊኻ ንገረኒ” ዝበለን እዚ ልመና እዚ ድሮ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዚልለ ዝነበረ ዘይቋርጽ ጸሎት ዜመልክት እዩ። ደ ፎኵልድ ናብ ፈረንሳ ምስ ተመልሰ ኪደልዮ ኸደ ንሓደ ካህን ድማ ኪምህሮ ሓተቶ። ድሕሪኡ ናብታ ቅድስቲ ሃገር ጒዕዞ ቀጸለ። ምሉእ ብምሉእ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል መንፈሳውን ሰብኣውን ገድሊ ኣበለ። ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ብምውፋይ ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ጽሞናን ትሑትን ሕይወት ምንባር ጀመረ። ወዲ 43 ዓመት ኣብ 1901 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሉ ፈለማ ናብ ምድረ በዳ ሰሓራ ኣልጀሪያ ቅድም ናብ በን ኣቢስ ድኻ ኣብ መንጐ ድኻታት ኮይኑ ምንባር ጀመረ ደሓር እውን ናብ ደቡብ ታማንራሰት ብምኻድ ምስ ናይ ሆጋር ትዋርገ ዓሌት ምንባር ቀጸለ ጸሎትን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስትንታትንን ዝብል ህይወት ብምንባር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኵላዊ ሓው ክኸውን ደለየ እዚ ሕይወት እዚ ድማ ብቓልን ተግባርን ነበሮ። ዕለት 1 ታሕሳስ 1916 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ተወልደ። ኣብ 2005 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ብጽዕና ከምዝኣወጅሉ ኣዘኻኺሮም ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።