መንእሰያት ኣብ ሮማ ተኣኪቦም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተወፋይነት ከምዘለዎም የረጋግጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣንጻር ንግድ ሰብ ዕለት 8 ለካቲት ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል እታ ካብ ጊልያነት ናጻ ኮይና ገዳማዊ ህይወት ዝሓረየት ሱዳውናዊት ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ መነኮስ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ዝውዕል ክኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2015 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ገሊጾም በቢ ዓመቱ ዕለት 8 ለካቲት ክካየድ እውን ከም ዝገበሩን “ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብናይ ሓሶት መብጽዓታት ተታሊሎም ኣደዳ ምዝመዛን ግህሰትን ከም ዝኾኑን ኩላትና ነቲ መዓታዊ ዓለማዊ ተርእዮ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምምካት ንጠርነፍ” ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ሰበኻታት፡ ማሕበረሰባትን ማሕበራትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተኣኪቦም፡ "ብኽብሪ ምጉዓዝ ምስማዕን ሕልሚ ተግባርን" ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብሓባር፡ ንኸስተንትኑ፡ ክጽልዩን ተመኩሮታቶም ከካፍሉን እዮም።
ካብ 2 - 8 ለካቲት ኣብ ዝካየድ መደብ ሕንጸት ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝሳተፉ ዘለዉ ተመሃሮ፣ ወለንተይናታት፣ ተመራመርቲ፣ ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሃንን ጋዜጠይናታትን፣ ደለይቲ ፍትሒ ዝርከብዎም ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ኣህጉራት ዝተዋጽኡ 50 መንእሰያት ይሳተፉ ምህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 4 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም እተሳተፉን ቅዱስነቶም እውን ነዛ ዕለት እዚኣብ ብምዝካር ኩሉ ኣብ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጸቂ ሰባት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እጃሙ ከበርክት ከም ዝሓተትቱ የዘኻኽር።