ድለ

2024.05.19 TKGA24 Gruppo di suore che partecipano all'Assemblea Generale di Talitha Kum_18-24 maggio 2024 2024.05.19 TKGA24 Gruppo di suore che partecipano all'Assemblea Generale di Talitha Kum_18-24 maggio 2024  (Marco Mastrandrea/Talitha Kum)

ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝደሓነት ንዓንቀፍቲ ጸገማት ጠለብ መፍትሒ ክርከቦም ትጽውዕ

ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብህይወት ዝተረፈት ክሪስ ኣብቲ ኣብ ታሊታ ኩም እተገብረ ሓፈሻዊ ዋዕላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፣ ነዚ መዓት እዚ ንምቅላስን ምምሕያሽ ንምግባርን ንኣንቃፊ ጸገም 'ጠለባት' ፍታሕ ክርከቦ ከም ዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪባ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክሪስ ካብ ሓንቲ ምችእቲ ስድራቤት እተወልደት ኮይና፣ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝደሓነት፣ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብግርህነት ካብ ባቡር ተታሊላ ብምውሳድ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ናይ ምንዝርና ንግዲ ደቅሰባት ተጨውያ ዝነበረት ኢያ ። ኣብቲ ኣብ ሳክሮፋኖ ሰሜን ሮሜ ዝተኻየደ ታሊታ ኩም እተሰምየ 2ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተሳቲፋ፣ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶ ትገብር ኣላ ።

ክሪስ ኣብዚ እዋን እዚ ኽኢላ ዀይና ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ንዘለዉ ኻልኦት ዝሓገዘት ብምዃና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ቓለ-መሕትት ንዘለዋ ተመክሮን ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋን ገለጸት።

ንሳ ኣብዚ እዋን እዚ ዋና ዳይረክተር ኮይና ናይቲ ኣብ ካንሳስ ሲቲ ሚዙሪ ዝርከብ መኽሰብ ዘይርከቦ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ተገልግል ዘላ፣ ክኢላ ኣባል ክፍሊ ፍትሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን ከምኡ ውን ኣማኻሪት ቦርድ ሰብኣዊ ንግድን ካንዛስ ኢያ።

"ካብ ጾታዊ ምዝመዛ ብህይወት ዝተረፈትን ምስቶም ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ኣብዚ ዓውዲ እዚ ይዓዪን ከም ምህላወይ መጠን እታ ዝሰፍሐት ዓለም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብዘይ ቅድመ ዅነት ክትቅበሎምን ከተፍቅሮምን ዘድልያ ኢዩ ዝመስለኒ" ብምባል ኣጕልሐት ከምዚ ድማ በለት - "ሰባት ግዳያት ተባሂሎም ዝጽውዑሉ ቋንቋ ክቕየር ኣለዎ።  ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣተሓሳስባ ይቕይሮ ክንዲ ዝኾነ" ውን በለት።

ሰብኡትን ኣወዳትን ኣብ ትሕቲ መጻወድያ ዝወደቑ ግዳያት

ንኻልኦት ግዳያት ዝያዳ "እንተላይ ነቶም ጾትኦም ዝቐየሩን" ከምኡ ውን ነቶም ሓድሓደ ግዜ ኣብ ትሕቲ መጻወድያ ዝወድቁ ሰብኡትን ኣወዳትን ዝያዳ "ብዘማእከለ" መንግዲ ክትግደሰሎም ከም እትደሊ ውን ገለጸት ።

ነቶም ርእይቶኣ ዘቕረበትሎም ሰባት "ካብ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ክቑጠቡ" "ኣድልዎ ገዲፎም " ከምኡ ውን "ንኻልኦት ባዕላቶም ፍትሒ ንኽረኽቡ ክሕግዝዎም" ከም ዘለዎም ሓሳብ ኣቕረበት።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ዋዕላ ታሊታ ኩም ዝገበረቶ ኣስተማጽኦ ምስተን ነዚ ዕላማ እዚ እተወፈያ ኻብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጻ ኣሓት ብምዝታይ ኣብቲ ዚቕጽል ሓፈሻዊ ባይቶ እንታይ ኪገብራ ኸም እትደሊ ኣስፊሓ ገለጸት ።

ብትምህርቲ ዀነ ብሓገዝ ሕጊ ንዚድለ ጠለብ ምቅላስ

ከምዚ ድማ በለት - "እቶም ዓደግቲ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ዝዀነ ነገራት ክፈትሕዎ ስለ ዝደልዩ 'ጠለብ' ክብሎም ምደለኹ፣ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ጠንቅታት ግን ሰባት ንኻልኦት ሰባት ክዕድጉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ኢዩ።"

ኣስዕብ ኣቢላ እውን "ሰባት ኣብ ዘይዕድጉሉ እዋን ንምሻጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ" በለት። "እዚ መሰረታዊ ኽልሰ-ሓሳብ ርእሰ ማላውነት እዩ።  ንፍርያትካ ዓደግቲ እንተ ዘይብልካ ነቲ ፍርያት ምሻጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክንዲ ዝኾነ። ነዚ ኸኣ እየ ከርእዮም ዝደሊ ዘሎኹ።"

"ንፍርያትካ ዓደግቲ እንተ ዘይብልካ ነቲ ፍርያት ምሻጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ"

ጠለብ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዝኽእል ምስ ተሓተተት ብፍላይ ንሰብኡትን ኣወዳትን ብዛዕባ "ጌጋ ናይዚ ዓመጽ እዚ" ትምህርቲ ክወሃቦም ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጸት።

መቕጻዕቲ ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ

"ስለምንታይ ጌጋ ምዃኑ" ከምኡ ውን "ኣንስትን ኣዋልድን ከም መጻወቲ ወይ ከም ኣቕሓ ሰብኡት ገይሮም ክጥቀሙለን ከም ዘይብሎም" ብኸመይ ክግንዘብዎ ከም ዘለዎም ውን ገለጸት።

ኣብ ርእሲ እዚ ውን ክሪስ "ኣብ ኵሉ ደረጃታትን ኣብ ኵሉ ኩነታትን ኣብ ኵለን ሃገራት ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ" ንምድንፋዕ ወትሩ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣረጋገጸት።

ብፍላይ ክሪስ "ሕጊ ምሕላው ጠለብ ብምምላእ ክጅምር ኣለዎ " ብምባል ገለጸት፣ ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ኣብ እትነብረሉ ዘላ ከባቢ ከም ዝገብርዎ ወሲኻ ብምግላጽ "እዞም ኣሰጋገርቲ ሕጋውን ቍጠባውን መቕጻዕቲ ምስ ዝግበረሎም ግን፡ ብዙሕ ግዜ ንድሕሪት ይምለሱ ኢዮም፡ ለውጢ'ውን የምጽኡ'ዩም በለት።

21 May 2024, 15:45