ድለ

2024.05.23 Suor Susanna Wakim con i suoi studenti in Libano 2024.05.23 Suor Susanna Wakim con i suoi studenti in Libano 

ካብ ሊባኖስ፦ እናቴ ዋኪም ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሁራት ኣሓት ደናግል

ክብርቲ እናሬ ሱዛን ዋኪም ኣብ ናይ ሊባኖስ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ መምህር ኢየን፣ እናቴ ሱዛን ኣብቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ፍልስፍና ዝብል ዘስተምህሮኦ ትምህርቲ ብዙሓት ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝመጹ ሰባት ከም ዝሳተፍዎ ይምስክራ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክብርቲ እናቴ ሱዛን ዋኪም ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዚርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዚምህራ ሓያሎ ኣሓት ሊቃውንቲ ኢየን ።

ኣብ ኣርባዕተ መናብርተ ጥበብ ፍልስፍና ኢየን ዘስተምህራ፣ ተማሃሮአን ኸኣ እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ኮይኖም ገለ ኻባታቶም ከኣ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ይርከብዎም። ብዛዕባ ስነ-ሰብኣውነት ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ዘጽንዓ ሊቕ ናይ ፍልስፍና ኢየን፣ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እዚ ዝገበርኦ መጽናዕቲ ኸኣ ካብቶም ብዓረብኛ ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተጻሕፉ መጽናዕትታት እቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ።

እናቴ ዋኪም ብዛዕባ እቲ ተማሃሮአን ኣብ ግዜ ትምህርቲ ዘለዎም ሕቶታት መልሲ ምስ ሃባ ካብ ተምሃሮአን ዝቐርበለን ምስጋና "እናቴ ምስጋና ይብጽሕክን ንመጀመርታ ግዜ ፍልስፍና ተረዲኡና" ከም ዝብልወን ይምስክራ።

"ገሊኦም ካብ ካልኦት ክፍልታ ዝመጹ ተማሃሮ ልክዕ ከምቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣብ ፍልስፍና ዘስተምህራኦ  ንምስማዕ ብመስኰት ክቀላቐሉ ይርኣዩ ኢዮም" ይብላ፣ ኣስዕብ ኣቢለን ድማ ነቲ ትምህርቲ ክሳተፉ ናብ ክፍሊ ክኣትዉ ከም ዝፈቕዳሎም ገለጻ ።

እናቴ ዋኪም ብ2021 ኢየን ክምህራ ዝጀመራ። ተልእኾ ስለ ዘለወን ንቤተ-ክርስትያን ጽቡቕ ነገር ከወፍያ ድላይ ከም ዘለወን ውን ገለጻ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኽልተ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ስለ ዘለወን ኣዝዩ ጽዑቕ መደባት ኢዩ ዘለወን።  ትሕዝቲ ምዃነን ብምግላጽ ድማ ከምዚ በላ - "ኣብ ዘርኣ ክህነት ማሮናዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ስለ ዝረኸብኩ ኣብ መጻኢ ኣብቶም ካህናት ዝኾኑ ኣበርክቶ ኽገብር እደሊ ኢየ ይብላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ኣርባዕተ ትምህርታዊ መጽናዕታት ዝሓዘ ጽሑፋት ጸሓፋ ። እዚ ድማ ገለ ኻብቲ ኣብ መናብርተ ጥበብ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዘከየድኦ መጽናዕቲ ኢዩ ዝነበረ።

ከምቲ እዘን እናቴ ዝገለጻኦ ሎሚ ምንባብን ምጽናዕን ንርእስኻ ምምሃርን ኣገዳሲ እዩ ።

"ነተን ብዕድመ ዝነኣሳ ኣሓት ደናግል ድማ ተገዳስነተን ኬማዕብላን ኣረኣእያአን ኬስፍሓን እውን አተባብዐን እየ፣ ቤተክርስቲያንን ዓለምን ምሁራት ሊቃውንቲ ኣሓት ደናግል የድልዮም ኣሎ" ድማ በላ። "ኣብ ጸዋዕታዊ ግዴታታትና ጥራይ ከነተኵር ኣይንኽእልን ኢና፣ ሎሚ ምስ ብዙሓት ምሁራት ኢና እንራኸብ ዘለና ስለዚ ኸኣ ኢና ኣብ ትምህርትና እውን ክንዓቢ ኣገዳሲ ዝዀነ።" ክብላ የዘኻኽራ።

እዚ ኸኣ ንመልክዕ እቲ ማሕበራትና ክቕይሮ ይኽእል ኢዩ በላ ። ኣስዕብ ኣቢለንውን ሓንቲ ኻብተን ንሕትመት ዘቕረባኦ መጽሕፍትን ክምረቕ እንከሎ ሓደ ሰብ ነዚ መጽሓፍ መን ከንብቦ ኢዪ ክብል ከም ዝሓተተን ይዝክራ ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን "ሎሚ ብዙሕ ኣይነንብብን ኢና ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብትህኪት እኹል ብዝኾነ መንገዲ ገዛእ ርእስና ኣይንምህርን ኢና " ይብላ ።

እዘን እናቴ ቋንቋ ዓረብን እንግሊዝን ይዛረባ ኢየን እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ቋንቋ ጣልያን ይመሃራ ኣለዋ ። ኣብ ስራሕ እውን ብቋንቋ ግሪኽን ሰርጽን እውን ይምህራ ኢየን ።

ምስ ስድራ ቤተን ውን ኣራማይስጢ ይዛረባ ኢየን ። "እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኣብ መንጎ ዅሉ ሓላፍነታተይ ሚዛናዊት ምዃን ኢዩ" ብምባል ዘለውን ትብዓት ውን ይገልጻ ።

ሱዛን ዋኪም ኣባል እተን ሳልቫቶርያን ተባሂለን ዝፍለጣ ኣሓት ደናግል ዘብስራተ ድንግል ማርያም ኢየን። ኣብ መንበረ ጥበብ መንፈስ ቅዱስ ከተማ ካዝሊክ፣ ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ዮሴፍ በይሩት፣ ኣብ መንበረ ጥበብ ኣንቶኒነ ባብዳ ከምኡ ውን ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ተቅዋመ ፍልስፍናን ስነ - መለኮትን ቅዱስ ጳውሎስ ሃሪሳ ኢየን ዘስተምህራ ።

ከምኡ ውን ኣብቲ ብማሕበረን ዝመሓደር መሓደር ቤት ትምህርቲ እውን የምህራ ኢየን ።

31 May 2024, 11:12