ድለ

ማሕበር ታሊታ ኩም ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ መበል 15 ዓመት ቅዋሜኡ ከብዕል እዩ ማሕበር ታሊታ ኩም ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ መበል 15 ዓመት ቅዋሜኡ ከብዕል እዩ 

ማሕበር ታሊታ ኩም ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ መበል 15 ዓመት ቅዋሜኡ ከብዕል እዩ

ታሊታ ኩም ካብ 100 ሃገራት ዝመጹ ልኡካን ብዘሳተፈን በዚ ማሕበር ካብ ሓድሽ ግሊያነት ዝደሓኑ ዝውክሉ ቃል ምስክርነት ዘቕርብሉን ኣብ ሰሜን ዞባ ከተማ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳክሮፋኖ ብዘካይዶ ካልኣይ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ ኣቢሉ ዝኽሪ መበል 15 ዓመት ንጸረ ንግድ ሰባት ዘበገሶ ቓልሲ ክብዕል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ልዕሊ 90 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 200 ልኡኻት ታሊታ ኩም፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መንፈሳዊ ማሕበራት፡ ዓለማውያን ምእመናን፡ መንእሰያትን ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝደሓኑ ብዝውክሉን ኣቢሉ ማሕበር ታሊታ ኩም ብዘካይዶ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣቢሉ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ከብዕሉ እዮም።

እቲ “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምውጋድ ብሓባር ምጉዓዝ፡ ርህራሄ ብተግባር ንለውጢ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝገበረ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 18 - 24 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ “ፍራተርና ዶሙስ - ሕንጻ ሕውነት” እተሰምየ ኣብ ሳክሮፋኖ ብገባብ ሲኖዳላውነት ከካይድ እዩ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኣሓት ታሊታ ኩምን መሻርኽቲ ተሓባበርትን፡ ከመይ ጌርካ ነቲ እቲ ማሕበር ዘለዎ ተወፋይነት ከም እትቕጽልን፡ ነቲ ንዓለም ሸፊኑ ዘሎ ዘመናዊ ክፍኣት - ሓድሽ ጊልያነት ብስሩዕ ሜላዊ ኣገባብ ምምካትን ምውጋድን ከም ዘድሊ ክዝተዩን፡ ክሰምዑ፡ መገድታት ከለልዩን ሓሳብ ንሓሳብ ክካፈሉን እዮም።

ኣብቲ ጉባኤ በቲ ማሕበር ብዘካይዶ ጻዕሪ ዝደሓኑን መንእሰያትን ኣሓትን ምስክርነት ክቐርብ እዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ማሕበረሰባት፣ መራሕቲ በርገሳውያን ማሕበራት፣ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣካላት ልኡካነ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ብሽርክነትን ምትሕብባርን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምውጋድ ናይ ዘካይድዎ ጻዕሪ ተመኩሮታቶም ከካፍሉ እዮም።

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 23 ግንቦት ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ማሕበር ሓፈሻዊ ካልኣይ ጉባኤኡ ብወግዒ ዝዛዘም ከም ዝኾነን፡ ስዒቡ ድማ ስነ-ስርዓት ሽልማት ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣሓት 2024 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ኣውጉስቲንያኑም ክካየድ እዩ። ኣብቲ እዋን ሰለስተ ካቶሊካውያን ኣሓት ንማሕበረሰበን ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ኣብ ምክልኻል ፍሉይ ትብዓትን ፈጠራን ምትሕብባርን ዓወትን ዘርኣያ ኣፍልጦ ክወሃበን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 May 2024, 15:45