ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቤተልሔም፡ ዘይቅቡል ስቓይ ህጻናት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቤተልሔም፡ ዘይቅቡል ስቓይ ህጻናት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ  

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ቤተልሔም፡ ዘይቅቡል ስቓይ ህጻናት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ

ካርዲናል ማቴዎ ዙፒ ኣብ ቤተልሄም ኣብ ዝርከብ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕ ዝመሓደር ቤት ሕክምና ሕጻናት ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ምባል ህጹጽ ምዃኑ ኣጒሊሖም ዘይቅቡል ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤተልሄም ዝርከብ ብካሪታስ ዝመሓደር ቤት ሕክምና  ህጻናት ንጡፍ ኣገልግሎት ካብ ዝጅምር ዕለት 17 ሰነ መበል 71 ዓመት ከም ዘብዓለን፡ ኲናት ቓዛ እናቐጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ልዕሊ 410 ሺሕ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ማለያ ንዘይብሉ ብድሆታት ኣብ ዝተቓልዕሉ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ካርዲናል ማቴዮ ጹፒ ኣብ ቅድስቲ መሬት ከምኡ እውን ኣብ ቤተልሄም ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ህጻናት ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ከም እምተመልሱን ካርዲናል ጹፒ ካብ ሃገረ ዝብከቶም ብዘዋጽኡ 160 ምእመናን ተሰንዮም ካብ ዕለት 15 – 17 ሰነ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ብቐረባ ከም እተዓዘቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብሰንኪ ኲናት ዝመጽእ ጸገማት

ናይቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝርከብ ብካሪታስ ዝመሓደር ቤት ሕክምና ህጻናት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሲሪን ካሚስ ንካርዲናል ጹፑ፥ “እቲ ኲናት ኣባይቲ ስድራ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ምኽንያት ንዝሓመሙ ደቆም ናብዚ ቤት ሕክምና ከብጽሑ ዝያዳ የጸግሞም” እንክብሉ ከም ዝገለጸሎምን፡ “ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይቲ ግጭት፡ 7 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ እቲ ኣብ ብዙሓት ነቑጣታት ወተሃደራት እስራኤል ብዘካይድዎ ክልከላ ምሕላፍን ምቁጽጻርን ናብዚ ቤት ሕክምና ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን ክንክን ብተወሳኺ እቲ ኲናት ነቲ ድሮ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣዕሚቑዎ ኣሎ። ብዙሓት ካብ መስህብን መንፈሳዊ ነጋድያንን ዝረኽብዎ እቶት ዝተሓረሙ ኣባይቲ ስድራ ዘድልዮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዓቕሚ ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ . . . እዚ ኵሉ ጸገም እዚ እናሃለወ፡ እቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ቤት ሕክምና ህጻናት ኣብ ተልእኾኡ ጽኑዕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እንክብል ንካርዲናል ጹፒ ከም ዝሓበሮምን ካብ ወሽመጥ ቓዛ ዝመጹ 68 ህጻናት ኣብቲ ቤት ሕክምና ከም ዝርከቡን ንህጻናት ጉዳያት ምስ ዝግደሳ ትካላት ብምትሕብባር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና የቕርብ ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ምጽንናዕ

ካርዲናል ጹፒ ነቶም ሕሙማትን ወለዶምን በጺሖም፡ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ኣቕሪቦም፡ ምስቶም ውፉያት ሰራሕተይናታት ሕክምና እውን ግዜ ወሲዶም ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን “እዚ ቦታ እዚ እቲ ዘይተኣደነ ስቓይ ህጻናት ብርህራሄን ሓልዮትን ዝቕበል ቦታ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብዙሓት ህጻናት ነዚ ዕድል ከም ዘይረኽቡ ድማ ክንፈልጥ ኣለና” እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ “ዝኾነ ይኹን ሕጻን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክሕረም የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፥ “እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ዝግብኦም ኩሉ ክረኽቡ ንምርግጋጽ እንታይ ከምዘድልዮም ንምርዳእ ካብዚ ክንጅምር ኣለና ማለት ስቓይ ህጻናት ቅቡል ስለዘይኮነ፡ ዓበይቲ ኩሎም ነዚ ክርድእዎ ክንሰርሕ ኣሎና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንኹሎም ቆልዑ ምዝካር

ካርዲናል ጹፒ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሞት ህጻናት እስራኤልን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ፍልስጤም ዝወርድ ዘሎ ሞትን ማህሰይትን ጠቒሶም ኩሎም ብግጭት ዝተሃስዩ ህጻናት ምዝካር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም ካብ ገለ ካብቶም ሕሙማት ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ተመክሮታት "ከም ብዘይ መደንዘዚ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዝተገብረሎም" ህሙማን ብቐጥታ ከም ዝሰምዑን ካርዲናል ጹፒ ኣስዒቦም “ነዞም ህጻናት ዝከኣል መጻኢ ንምፍጣር ክንጽዕር ኣለና። ኣብ ኣዒንቶም ብምጥማት ሓላፍነትና ንረዳእ። ጽልኢ፡ እቲ ዘይሕለል ስነ-መጎት ዓመጽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቃንዛና ጥራይ እናኣተኮርና ስቓይ ካልኦት ምልላይ ዘይምኽኣል - እዚ ኩሉ ተወሳኺ ዓመጽ ዘቐጽልን ዝያዳ ንጹሃት ህይወት ዘኽፍልን እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት . . .  ምስ በሉ ነዚ ስቅያት ተረዲኡ ብስሙር ፍቕሪ ንምግጣም፣ ቐረባ ምዃን፣ ሓገዝ ምቕራብ፣ ተኹሲ ደው ንምባልን ​​ብህጹጽ ዘተ ንምርግጋጽን ብትብዓት ምጽላይ ዝብል ሕመረት ዑደቶም ኣጒሊሖም ኣብቲ ቤት ሕክም ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

18 June 2024, 16:23