ካሪታስ ኤውሮጳ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ ካሪታስ ኤውሮጳ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ  (AFP or licensors)

ካሪታስ ኤውሮጳ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ደጊሙ ጻውዒት የቕርብ

ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኲናት ቓዛ፡ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኤውሮጳ፥ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል፡ ኩሎም ጅሆ ዝተታሕዙን ብዘይ ሕግን ስርዓት ብሃውሪ ዝተኣስሩን ክፍትሑ፡ ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክበጽሕ ዝጽውዕ ሓድሽ መግለጺ ከም ዘወጸአ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣመሓዳሪ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ሰብኣዊ ሓገዛትን ካሪታስ ኤውሮጳ ዣን - ኢቭ ተርሊንደን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ “ከምዚ ዝበለ ጻውዒት ደጊምካ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንኣምን፡ ስለዚ ንፈለማ ግዜ ዘቕረብናዮ ጻውዒት ኣይኮነን። ኣብዚ ቅንያት’ዚ ብዛዕባ ቓዛን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መግለጺ ዝሃብና ንሕና ጥራሕ ኣይኮንና . . . ካብ ድሕሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብእተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ልዕሊ 37 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ማእለያ ዘይብሎም እውን ከም እተመዛበሉን እቲ ኲናት ደው ክብልን ብዘይ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ቓዛ ክኣተው ክኽእል መታን ጻውዒት ነቕርብ . . . ቁጽሪ ግዳያት ገና ይውስኽ ኣሎ ብመጀመርታ እቶም ዝሞቱ ግዳያት ቶኽሲ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕጂ ግን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ብሰንኪ ‘ስእነት መግቢ’ ኣብ ሓደጋ ይወድቁ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጉዳያት የሎን ስለዚ ቶኽሲ ደው ምባል ህይወት ህዝቢ ንምድሓን ወሳኒ እዩ” ኢሎም።

ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ዝተዋህበሉ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ መሰረት ብምግባር እውን ካሪታስ ኤውሮጳ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ቀዳምነት ቶኽሲ ደው ምባልን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክበጽሕን ጻውዒት የቕርብ እዚ እውን ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣበርቲዐን ክደፍኣሉ ነተባብዕ . . .

ስክፍታ ንኹነታት ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ

ካሪታስ ኤውሮጳ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 500 ፍልስጤማውያንን 12 እስራኤላውያንን ዝተቐትሉሉ ኩነታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እውን ከቢድ ስክፍታኡ ይገልጽ። “ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ኩነታት  ምክትታል ኣገዳሲ እዩ። ንህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዘጋጥሞ ዘሎ  ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ ማለት ኣብ 2018 ዓ.ም. ዘይሕጋዊ ምስፋሕ ሰፈራታትን ቀታሊ ዓመጽን ምኽንያት ብውሕዱ 289 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ከም ዝቖሰሉን የዘኻኽር።

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰላም

ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተኹሲ ደው ክብልን፣ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ነቲ ኣብ ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ፍልስጥኤም ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖ ሓቲቶም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ናይ ቫቲካን ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመርሕዎ ናይ ጸሎት ስነ ስነስርዓት ከም ኣብነት ይገልጹ፥ ኣብዚ ተርእዮ እዚ ድምጺ ር.ሊ.ጳ. ብፍሉይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ካሪታስ ንህንጸት ሰላምን ኣድላይነት ሰላም ኣብ ቓዛ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ገሊጹ ንሕና እውን ቃል ቅዱስነቶም ነቓልሕ ኣሎና. . . ብሓባር ኩላትና ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ስክፍታና ከነስምዕ ኣገዳሲ እዩ፡ ነቲ ሞትን ኢሰብኣዊ ኩነታትን ዝፈጥር ዘሎ ቅውላው ምቅዋም የድሊ. . . ድምጽና ምስቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝሓብር እዩ - ምስ በሉ - ኣብዚ እዋን እዚ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኢየሩሳሌምን ቓዛን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ይቃለሱ ኣለዉ . . .

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ

ካልእ ትኹረት ናይቲ መግለጺ ካሪታስ ኤውሮጳ፡ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ቓዛ ዝንቀሳቐስ ቀንዲ ሰብኣዊ ትካል ዝኽነ UNRWA – ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዳግመ ምጅማርን ምውሳኽን ምወላ ዝብል እዩ . . . እዚ ትካል እዚ ብሓቂ ኣብዚ ቅልውላው ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ዝብል ካብ እስራኤል ብዘቐረበ ክሲ መሰረት ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከብን እዚ እቲ ዝቐረበ ክሲ ክጻረ ዘለዎ ጉዳይ እዩ . . . ይኹን ገለ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ምወላ ዳግማይ ጀሚረን ኣለዋ።  ስለዚ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብ ምጅማር ምወላ ክጽንበራን ብዝበለጸ ድማ ከብ ከብሎኦን ንጣበቕ ኣለና፡ ምኽንያቱ እቲ ድሌታት ካብቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወይ ሸሞንተ ወርሒ ዝነበረ ሕጂ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ።”

ካሪታስ ኤውሮጳ ድኽነት ንምውጋድን ክብሪ ኩሉ ህዝቢ ንምድንፋዕን ምስ ኩሉ እምነት ዘለዎም ሰባት ዝሰርሕ ካቶሊካዊ መርበብ እዩ። ኣካል ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 160 ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራት ትካላት ግብረ ሰናይ ናይ ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኢና እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

13 June 2024, 15:34