ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
ልኡካን ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያን ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣሊያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ልኡካን ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያን ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣሊያን ኣብ ቅድስቲ መሬት 

ልኡካን ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያን ጉባኤ ጳጳሳት ኢጣሊያን ኣብ ቅድስቲ መሬት

ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኢጣሊያን ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ልኡካን ካብ ዕለት 24 ክሳብ 27 ሰነ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ንምምልካትን ንመጻኢ ንምጥማትን ዝሃቀነ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዎን ኣብዚ መደብ እዚ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን እስራኤልን ክብጽሑን ምስ ካርዲናል ፒዛባላን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ሰበስልጣንን ክራኸቡን ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ንልምዓት ህዝብታት ዝግበር ምትእትታው ግብረ ሰናይ ሎሚ ዕለት 24 ሰነ ዝጀመሮ ዑደት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን በቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝጉዳእ ዘሎ ህዝቢ ናይ ቅርበትን ምትሕግጋዝን መልእኽቲ ንምርግጋጽን፡ ከምኡ’ውን ምስ ሰራሕተይናታት ጨንፈር ካሪታስ ኢየሩሳሌም ንምርኻብን ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህልው ኩነታት ንኽመኽሩን ብቐጥታ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሉ ህልው ኩነታት ንምስትውዓልን ዝኣመተ ምብጻሕ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ ነቲ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝተወሰነ ምጽዋት ንሓገዝ ቅድስቲ መሬት ዝብል መደብ፡ ዝተኣከበ ወፈያታት ናብ ጭቡጥ ዕዮ ንምትርጓም ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መድርኻትን ርክባትን

ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ቅድስቲ መሬት ዝሰርሑ ኣባላት ካሪታስን ህዝብን እናሰማዕካ፡ ብዛዕባ ኩነታት ቅድስቲ መሬት ቀጥታዊ ኣረኣእያ ክህልወካ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ምብራቓዊ ኢየሩሳሌም፣ ራማላሕን ቤተልሄምን፣ ከምኡ’ውን ኣብ እስራኤል፣ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ከምኡ እውን “ነቨ ሻሎም – ዋሃት ኣስ ሰላም / ዓይነ ሰላም” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ብፍልስጤማውያን ኣይሁድን ዓረብን ብሓባር ዘቖምዎ ቑሸት ክበጽሑን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ንሰላም፡ ማዕርነትን ምርድዳእን ክህሉ ብዘለዎም ተወፋይነት ጠርኒፎም ብሓባር ዘቖምዎ ቑሸት እዩ።

እቶም ልኡካን ምስ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ሓዊሱ ምስ ናይ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ምሁራትን መናብርተ ጥበብን ምስ በርገሳውያን ማሕበራት ወከልቲ ክራኸቡ እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውጥናት ምክፋል

ካብ ዕላማታት ናይቲ ጉዕዞ፡ ምክፋል ቀጻሊ ውጥናትን መጻኢ መደባትን ካሪታስ ኢየሩሳሌም፡ ቀጻሊ ምትሕብባር ንምሕያል ዝብል ኮይኑ። ብፍላይ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ንዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ድሕሪ ግጭት ኣብ ዝግበር ማሕበረ-ቁጠባዊ ምሕዋይን ዳግመ ህንጸትን - ከምኡ'ውን ምስ ምትብባዕ ንግደትን ዝምድናታትን ምስ ሰበኻታት ፍልስጤምን እስራኤልን - ከምኡ'ውን ምእንቲ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ዓመጽ ጥራይ ተስፋ ከይከውን ኣብ ምድንፋዕ ናይ ሰላም ባህልን ሓባራዊ ናብራን ምትብባዕን ዝብል ኮይኑ፡ ኣብቲ ሓሙስ 27 ሰነ ዝዛዘም ተልእኾ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ ዋና ሓላፊ ኣባ ማርኮ ንኚየሎ፤ ምኽትሎም ፓውሎ ቫለንተ፡ ሓላፊ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣልያ ንማእከላይ ምብራቕ ናይ ዝግደስ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ዳኒሎ ፌሊሻችያንጀሊ፡ ኣባ ጋብሪኤለ ፒፒናቶ ሓላፊ ጉዳያት ግብረ ሰናይን ኣገልግሎት ንልምዓት ህዝብታት ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣሊያ ዘሳተፈ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

25 Jun 2024, 15:56
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031