ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ ፥ ስልጣን ንኣገልግሎት ኩሎም ዜጋታት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ ፥ ስልጣን ንኣገልግሎት ኩሎም ዜጋታት  (AFP or licensors)

ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ ፥ ስልጣን ንኣገልግሎት ኩሎም ዜጋታት

ናይ ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶን ሀሩዋርድ ነቲ ንሕዳሴ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መላእ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫን ውጽኢቱ፥ "ናይ ዘይዕግበትን ኣንጻር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ስልጣን ዘለዉ መንግስታትን ዝሕብር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ "ንህንጸት ሕብረተሰብን ምትሕግጋዝ ኤውሮጳን፡ ንድኻታትን፡ ንተነቀፍትን ነቶም ኣብ ኩሉ ዓይነት ጸገም ንዝርከቡ ቀረባ ናይ ምዃን ሓላፍነት ዘዘኻኽር” እዩ እንክብሉ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኲናትን ኩነታት ዩክሬን፡ ቁጠባዊ ዘይርጉጽነትን፡ ሓደጋ ምንቁልቋል መነባብሮ፡ ምጥፋእ ናህሪ ምዕባለ ምምሕያሽን ሳዕቤን ምድላይ መንነትን: እዚኦም ኩሎም ውጽኢት ናይቲ መራጽቲ 27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝረኸብዎ ድምጺ ዘፍረዮም ረቛሒታት እያቶም። "ኣብ ዝተወሰኑ ኣርእስታት ኣዝዩ እደ - ጠበባዊ ዝዓብለሎ ምሕደራ፡ ኣዝያ ርሑቕቲ፡ ሸበድበድ ዝዓብለላ" እትመስል ኤውሮጳ መራጺ ሕዝቢ ብዝሃቦ ድምጺ ኣቢሉ የመላኽት፡ ነዚ ዝበሉ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት (Comece) ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ዲዦነ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶን ሀሩዋርድ ክኾኑ እንከለዉ፡ ነቲ ብዜጋታት ኤውሮጳ ዝተዋህበ ድምጽን ውጽኢቱን "ዘይዕግበትን ኣንጻር ኣብ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ መንግስታንት” ዘመላኽት ምዃኑ የብርሁ።

ናይ ምትሕግጋዝ ኤውሮጳ

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ነቶም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህዝባዊ ባይቶ ኣባላት ንኽኾኑ ንዝተመርጹ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ምትብባዕ መልኽቲ፥ “ንመላእ ኤውሮጳ ንምግልጋል እምበር ንገለ ፍሉያት ረብሓታት ጥራይ ክከላኸሉ ከምዘይግደዱን" ክፈልጡ ይግባእ ብምባል፡ እቲ ኤውሮጳዊ ህንጸት ንጳጳሳት ኤውሮጳ መሰረታዊ ነጥቢ እዩ፡ "ኣብ መንጎ ኣባላት ሃገራት ርክብ ዝፈጥር፡ ግን ከኣ ንኤውሮጳ ኣብ ዝምድና ምስ ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ብፍሉይን መበቆላውን መንገዲ ዘቐምጥ ህንጸት ምትሕግጋዝ" ዘረጋግጽ ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽር።

ግዴታ ኣብ ልዕሊ ካልኦት

እቲ ዝተዋህበ ህዝባዊ ድምጽን ውጽኢቱን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጻውዒት እዩ። እቲ ዝተዋህበ ድምጺ ኣብ ህዝባዊ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ “ህዝባዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኤውሮጳ” "ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ዝዓበየ ጉጅለ" ኮይኑ ክቕጽል ዝገበረ እውን እንተኾነ "ውጽኢቱ ነቲ ሰፊሕ ድምጺ ዝረኸበ ውድባት ክንድግፍ ኣለና ማለት ኣይኮነን" . . . ንኣብነት ህዝባውነትን ብሔራውነትን ጎስጓስ ዝገብራ ውድባት። “ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ ዝገለጾ ዘይዕግበት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ . . .  ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንመስርሕ "ሓያል ምውጋድ ክርስትና" ኣህጉር ኤውሮጳ ዘንጸባርቕ ካብ ሓላፍነቱ ዝወጽእ ዘሎ ባይቶ ኤውሮጳ ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ እዋን፡ "ውልቃዊ ናጽነት ደረት ኣልቦ ከምዘይኮነ" ቤተ ክርስቲያን ብምዝኽካር፡ "ኣብ ነንሕድሕዶምን ናብ ህንጸት ሕብረተሰብን ናይ ምትሕግጋዝ ክብሪ ዝንበራ ኤውሮጳን እዩ እቲ ሓላፍነት፣ ኣብኡ ንድኻታትን ተኣፈፍትን ነቶም ኣብ ኩሉ ዓይነት ጸገም ንዘለዉ ሓቀይና ቦታ ዝህብ ማለት እዩ፥ ከምኡ እውን ጉዳይ ስደት "ብቕንዕና፣ ብሓቀይና መገድን ከምኡ እውን ብዝተወሰነ ክፉት ብምዃን ክብዳህ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ኤውሮጳ ድሕሪ ደጊም ስደተይናታት ኣይትደልን እያ ምባል እኹል ኣይኮነን" እንክብል ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከም ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቤተ ክርስቲያን እትከላኸለሎም ክብርታት

እቲ ብኸፊል ዝተዓዘብናዮ ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቶን ሀሩዋርድ፥ "ገለ ሓደስቲ መሰላት ዝበልዎ፡ ግን ከኣ ንባእታታት ኣብ ግምት ከየእተወ ውልቃዊ መሰላት ምብዛሕ ዝያዳ ሕቶ ዝኾነ" መንግስቲ ኤውሮጳ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ግምት ዘይህብ ኣካይዳ እዩ፡” ብዝኾነ ይኹን መገዲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት ንሓደ ወይ ንኻልእ መምርሕታትን ሕግታትን ደገፍ ከም ዘይህብ ድሕሪ ምግላጽ፥ ምስ ዕቝባ ህይወት፡ መሰላት ሰራሕተይናታት፡ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ረድኤት፡ ከምኡውን ምዕባለ እተን ዝደኸያ ሃገራት፡ "ምስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሕጊ" እተተሓሓዘን ጉዳያት "ብቤተ-ክርስትያን ዝተባባዕ ምዃኑን ብምምልካት፡ እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ ሕብረት ኤውሮጳ ዘስምዕዎ ብዙሕ መደረታቶም ኣዝዩ እተፈልየን ሰፊሕን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዝሓዘ ኤውሮጳ ዝብል ክብሪ ዘቃልሕ ምዃኑ የብርሁ።

ኤውሮጳ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋታት ኢዩ

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ሕብረት፥ ብወገን ኤውሮጳውያን ዘይምትእምማን ዝፈጥር፡ ዋላ’ውን ብዝለዓለ ቁጠባዊ ወጻኢታት ዝተለለየ፡ ጉዳይ ከባቢ ምፍታሕ ህጹጽ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኤውሮጳ ነዚ ምላሽ ዝህብ ስጉምቲ ክትወስድ ይዕድም፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይተዓጽወ ብውሳነታትን ስጉምትታትን መምርሕታትን፡ ኣብ ኣገልግሎት ዜጋታት ክዋፈር፡ ናብ ስክፍታታቶም ምቅርራብ፡ እታ እተገልግል ኤውሮጳ "ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ መሰላት ጥራይ" እትጣበቕ ከይኮነት፡ እንታይ ደኣ "ሓቀይና ምትሕግጋዝ ሃገራትን ዜጋታትን" እትሃንጽ፡ ዝብል "ውጥን ኤውሮጳ” ፈጺማ ዘይትዝንግዕ” እንክብል የተሓሳስብ።

11 June 2024, 15:34