2024.06.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳት ጊኒ ሰላምን ዘተን ሓባራዊ ህይወትን ንኸሰጒሙ ይዕድሙ 2024.06.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳት ጊኒ ሰላምን ዘተን ሓባራዊ ህይወትን ንኸሰጒሙ ይዕድሙ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳት ጊኒ ሰላምን ዘተን ሓባራዊ ህይወትን ንኸሰጒሙ ይዕድሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመድብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገራት ናብ ሓዋርያዊ መንበር ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት መሰረት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ጳጳሳት ጊኒ ዕለት 21 ሰነ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብ መወዳእታ እውን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን ዜና ቫቲክን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣማእኪሎም ኣብ ዜና ቫቲካን መግለጺ ዝሃቡ ናይ ጊኒ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር፥ ናይ ሰበኻ ንዘረኮረ ጳጳስ ራፋኤል ባላ ጉዪላቮጉወ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝተኻየደ ዘተ ሰፊሕ ምንባሩን ኣብታ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ 88 ሚእታዊ ዝሽፍን ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾነላ ሃገረ ጊኒ ዘሎ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ጉዳያት ጉስነት፣ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ዘማእከለ ከም ዝነበረ ይሕብሩ፡

ምብጻሕ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ጊኒ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ርክብ እስላምን ክርስትያንን ምእንቲ ክዓቢ፡ ብናይ ምትሕብባር መንፈስ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። ኣብ መንጎ ክርስትያንን እስላምን “ጽቡቕ ናይ ምሕዝነት መንፈስ” ከዕብዩ ከም ዘተሓሳሰቡን ጳጳስ ራፋእኤል ባላ ጉዪላቮጉወ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመላኺቶም፥ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ጊኒ ኣብቲ ካብ ዕለት 17 ክሳብ 21 ሰነ ዝነበረ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ኩርያ ሮማና - ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ከም እተራኸቡ ገሊጾም፥ “እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ብምክያድና ሕጒሳት ኢና፣ እዚ ድማ ንሓያሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ክንበጽሕ ኣኽኢሉና እዩ። እቶም ዝተኻየዱ ኣኼባታት ዕድልን ናይ ብሓቂ ድማ ምልክት ሕብረት ምስ መንበር ሮማን እዩ ነይሩ” ምስ በሉ፥ ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.  ጳጳሳት ጉኒ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፥ ኣብቲ እዋን እቲ ሰለስተ ጳጳሳት ጥራይ ኢና ነይርና፣ ሎሚ ግና ጳጳሳዊ ጉባኤ ጉኒ ንሓሙሽተ ሃገረ ስብከታት ዝውክሉ 6 ኣቡናት ዝሓቁፍ እዩ” ኢሎም።

ምስ እስላም ልባዊ ዝምድና

ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝተገብረ ዘተ ብዝያዳ ኣስፊሖም ዝገለጹ ጳጳስ ጉዪላቮጉወ ይብሉ እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ዑደት ኣብ ቅድስቲ መንበርን ልቢ ዝትንክፍ እዩ . . . እቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣዝዩ ሕውነታዊ ሃዋህው ዝዓሰሎ እዩ ነይሩ። ኣብ ጊኒ ዘሎ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ብፍላይ ምስቲ ኣብታ ሃገር 88 ሚታዊ ብዝሒ ህዝቢ ዝሽፍን ሰዓብቲ ዘለዎ ሃይማኖት ምስልምና ዘሎ ርክብ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ካህናትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ዘሎ ርክብን ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ነጥብታት ዘማእከለ ዘተ ምክያዱ ሓቢሮም፥ ኣስዒቦም “ብዛዕባ ዝምድና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን እስልምናን ብዝምልከት፡ ኣብ ጊኒ “ኣኽራሪ እስልምና” ስለዘይብልና ዝምድናና ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ ክንብል ንኽእል። ካብ ሕዉስ ስድራቤት ዝመጹ ማለት ብዙሓት እስላም ኣዝማድ ዘለዎም ዝተወሰኑ ጳጳሳት ከይተረፈ ኣብነት ኣለዉ። ከምኡ’ውን ኣብ ጊኒ ዝርከቡ እስላም ንጽቡቕ መላእ ህዝቢ ጊኒ ምሳና ብሓባር ይዓዩ ስለዚ እቲ ዘገድስ ሰናይ መላእ ህዝቢ ሃገር እዩ። ናይ ኮናክሪ ሊቀ ጳጳሳት ቪንሰንት ኩሊባሊ ከምኡ’ውን ዓቢ ኢማም ናይቲ ኣብ ኮናክሪ ዝርከብ መስጊድ፡ ንመንግስቲ ጊኒ ብመንጽር ሽምግልና ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራት ሰራሕተይናታትን ወትሩ መወከሲታት ኮይኖም እዮም” እንክቡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ምስ ካህናትካ ቅርበት

ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ብዝምልከት “ምስ መንግስቲ ጽቡቕ ዝምድና ንኽህልወና፣ ኩሉ ግዜ ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባር ከነዕቢ፣ ኣብ ሰላማዊ ሃዋህው ወንጌል ዘሰጉም ዕዮታት ከነካይድ ኣተባቢዖምና እዮም . . . ኣብ መወዳእታ ንካህናትና ኣዚና ቀረባ ክንከውን መኺሮምና ከምኡውን ነቶም ካህናት ተልእኾኦም ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኽፍጽሙ ኣብ ኣገልግሎቶም ክንሕግዝዎምን ከነጽንዕዎምን ስለ ዘድልዮም ምስ ካህናትና ኣጸቢቕና ክንቀራረብ ምዒዶምና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

25 June 2024, 15:59