ድለ

Mosul ten years after Islamic State militants seized control and ruled for three years before being ousted by Iraqi forces and their allies Mosul ten years after Islamic State militants seized control and ruled for three years before being ousted by Iraqi forces and their allies 

ዒራቕ፦ ድሕሪ 10 ዓመት ገለ ውሑዳት ስድራቤታት ናብ ሞሱል ተመሊሰን

እስላማዊ መንግስቲ ንሃገራት ዒራቕን ሶርያን ካብ ዝቆጻጸረን ኣትሒዙ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብኣጻብዕ ዚቝጸራ ክርስትያን ስድራ ቤታት ጥራይ እየን ናብ ከተማ ሞሱል ተመሊሰን።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ዓመጻን ካብታ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ሞሱል ካብ መረበቶም ድሕሪ ምምዝባሎም ገለ ሒደት ክርስትያን ስድራ ቤታት ጥራይ እዮም ናብ ዓዶም እተመልሱ ።

ብመሰረት እቶም ናይ ሞሱል ሊቀ-ጳጳሳት ከለዳውያን ብፁዕ ኣቡነ ኣሜል ሺሞን ኖና ዝገለጽዎ መብዛሕትኦም ካብዞም 1,200 ዝዀኑ ክርስትያን ስድራቤታት ብሰንኪ እቲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸምዎ ዓመጻ ኻብ ከተማ ሞሱል ወጺኦም ዝተሰዱ ኢዮም ዝነበሩ።

ሊቀ-ጳጳሳት ኖና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቓለ-መሕትት እቲ ውግእ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብፁዕነቶምን ካህናቶምን ኣብ ከም ክራምለስን ቲልኪፍን ዝኣመሰላ ቁሸታትን በረኻታት ነነዌን ኸም እተዓቝቡ ገለጹ።

"እታ ደብረ መንፈስ ቅዱስ እተሰምየት ቤተ-ክርስትያንና ኣብቲ እዛ ኸተማ ብእስላማዊ መንግስቲ ዝተታሕዘትሉ እዋን ብገለ ሽፋቱ ዓንያ ትርከብ ኣላ። ይኹን እምበር እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ስድራ ቤታት ጣልቃ ብምእታው ነቲ ዘካይድዎ ዝንበሩ ዕንወት ደው ኣበልዎ" ክብሉ መስከሩ።

እቲ እስላማዊ መንግስቲ ንኣባይቲ ክርቲያን ስድራቤታት ንምዕማጽ  ምልክት ምስ ገበረሎም እቶም ክርስትያን ስድራቤታት ናብ በረኻታትን ኣቑሳትን ክሃድሙ ጀመሩ። ክልተ ደናግል ሰለስተ መንእሰያትን በቶም ጀሃዳውያን ንግዜኡ ተጨውዮም ተውስዱ ።

ብድሕርዚ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ወተሃደራት እስላማዊ መንግስቲ ንዓሰርተ ንዝኾኑ ክርስትያን ሽማግሌታት ክርስትናኦም ክኽሕዱን ናብ እስልምና ምእታው ምስ ኣበይዎም ነዞም ከለዳውይናን ሶርያውያን ካቶሊካዉያን ክርስቲያን ካብ ሞሱል ሰጐግዎም ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ንሲሶ ዝኸውን ክፍሊ ዒራቕን ዳርጋ ፍርቂ ሃገረ ሶርያን ተቘጻጸሩ፣ ንሊብያ ድማ ከፈራርሕዋ ጀመሩ፣ ኣባል እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝነበሩ ብዙሓት ዕጡቓት ጕጅለታት ድማ ኰኑ።

ብ2017 ዓ.ም. እቶም ወተሃደራት ድሕሪ ነዊሕ ውግእ ኣብ ሞሱል እትበሃል ርእሲ ኸተማ ዒራቕ ተሳዕሩ።

እቶም ናይ ሰበኻ ኣልኮሽ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፖል ታቢብ ሜኮ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ሞሱል ዝሃደሙ ክርስትያን ብሰንኪ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላን ጸቕጥን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዘይሓስቡ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣመልከቱ።

ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን እቲ እስላማዊ መንግስቲ ንሞሱል ተቖጻጺሩሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብታ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ሃይማኖታት ብሓባር ዝነብሩላ ዝነበሩ ኸተማ ዓሚቝ በሰላ ዘስዓበሎም እዋን ከም ምኹኑ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።

ብፁዕ ኣቡነ ሜኮ "እዚ ዅነታት ይቕየር እንተ ዀይኑ ኣይንፈልጥን ኢና" በሉ። "ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ክርስትያን ዚነብሩላ ኣውራጃ ኤርቢል እትርከብ ኣንካዋ እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። ኣብኡ ዝያዳ ውሕስነት ይስምዖም፣ ስራሕ ንምርካብ ዝያዳ ኣጋጣሚታት ኣለዎም ። ናብታ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ብዙሕ ለውጢ ዝገበረት ከተማ ኺምለሱ ኣይሓስቡን እዮም " ድማ በሉ።

12 June 2024, 16:01