ኬንያ፡ መርበባዊ ርክብ ስብከት ወንጌል የሕይል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበር ደናግል ኣብ ኬንያ (AOSK) ዝተበገሰ መደብ እዚ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ስብከተ ወንጌል ንምዕባይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ እተን ኣሓት መራኸቢ ብዙሓን ንማሕበራዊ ለውጢ ንምጥቃም ዘለወን ተወፋይነት ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ መደብ እዚ ዕለት 14 ሰነ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ ናይሮቢ 13 ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓን ምሁራት ደናግል ናይ ምድላው ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዘካየዳ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢልካ ኣብ ሕብረተሰብ እወታዊ ጽልዋ ብምፍጣር ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ክቡራት ዋጋታት ጸሎትን ቅንዕናን ተሓታትነትን ምክብባርን ብዙሕነት ዝብሉ ብምንቕቓሕ ናይ ሰላም መጋበርያ ብምዃን ኣብ ሕብረተሰብ ክፍጠር ዝኽል ወጥርን ግጭትን ብዓንተውዑ ንምብዳህ ዝሕግዝ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ኬንያ ንዝርከባ ካቶሊካውያን ኣሓት ሓድሽ ዘመን እዩ። እዘን ኣሓት ዘመናዊ ናይ ርክብ መሳርሕታትን መድረኻትን ብምሕቋፍ ወንጌላዊ ጻዕረን እናዓበያ ኣብ ሕብረተሰብ ልዑል ጽልዋ ከሕድራ ዝድግፍን ብናይ ተስፋን ፍቕርን ትብዓትን ዛንታታተን ኣቢለን ድማ ዝያዳ ሓልዮትን ምርድዳእን ዘለዎ ዓለም ንምዕባይን በዚ ሓድሽ መድረኽ ንቕድሚት ኣብ ዝስጉማሉ ዘለዋ እዋን፡ ዓሚቝ ዛንታታተንን መልእኽተንን ከካፍላ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝዓበየ ምርድዳእን ርህራሄን ከዕብያ ተዳልየን ከም ዘለዋን እዚ ድማ ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዘመን መጋበርያ ሕዳሴ ንምዃን ዝድግፍ ምዃኑ እናቴ ሚሸል ንጀሪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መገልጺ ተመላኽት።