ዜና ካብ ምብራቓውያን – 21 ሰነ 2024
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዝኽሪ ህልቂት ሶርያ
ዕለት 18 ሰነ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘኣንጾክያን መላእ ምብራቕን ፓትሪያርክ ማር ኢግናዝዮ ኣፍሬም ዳግማዊ ካሪም ዝተረኽብሉ 350 ሶርያውያን ክርስትያን ስካውት ንዝኽሪ ምጽናት ዓሌት ሶርያ ኣብ ኣለፖ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን እዚ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ኣብ መንጎ 1915ን 1918ን ዓ.ም. "ሳይፎ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ እዋን መግዛእቲ ስርዓት ኦቶማን ኣብ ልዕሊ ሶርያውያንን ኣሶራውያንን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ሰባት ከም እተቐትሉን እዚ ምጽናት ዓሌት ኣብ ማሕበረሰባት ሶርያ ነባሪ ጽልዋ ዝሓደገን፡ ናብ ስደትን ቀጻሊ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኣፍልጦን ፍትሕን ከም ዝደረኸ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ማዕርገ ክህነት ኣብ ምብራቕ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ምብራቕ ሓያሎ ማዕርገ ድቁናን ክህነትን ዝተወሃበሉ ምንባሩን ቀዳም ዕለት 9 ሰነ 7 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብካርዲናል ፒዛባላ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ማዕርገ ድቁና ከም እተቐበሉን እቶም ሓደስቲ ዲያቆናት ኣባላት ማሕበር ሳሊዥያን ከም ዝኾኑን ንሳቶም እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ማለት ካብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን እስያን ዝመጹ እዮም። ዕለት 1 ሰነ ባሰል ባራንሲ ዝተባህለ መንእሰይ ዲያቆን ኣብ ናዝሬት ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብስራተ ገብርኤል ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ቀዳም ዕለት 15 ሰነ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይ ዩናን ፓትርያርክ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕ ንኤድሞንድ ናርሲ ኣብ ዞባ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ባስይ-ቅዱስ ጊዮርጊስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኖትረዳም ዱቫል ማዕርገ ድቁና ከም ዝህቡ ኣፍሊጡ።
ምረቓ ዕደና ማር ማታይ
ኣብ ዔርቢል ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ወኪል ልኡከ መንግስቲ ዝተረኽብሉ ሓድሽ ዕደና እምኒ ማር ማታይ ዕለት 17 ሰነ ከም እተመረቐን እዚ ኣብ ቀጽሪ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ማር ማታይ ቦታ ዝርከብ ብደጋፊ ማሕበር ንምብራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝምራሕን ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ዝምወልን ውጥን፡ ድሕሪ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ኣብ ዳግመ ህንጸት ዒራቕ ኣበርክቶ ንምግባር ዝሓቀነ ኮይኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ብዙሓት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝቕመጡለን ዓድታት ክርስትና ስራሕን ርጉእ ቁጠባዊ እቶታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።