ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ

ዜና ካብ ምብራቕ - 7 ሰነ 2024 እተላእከ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብምትሕብባር ናይ ማሕበር ተግብራ ምብራቕ L'Œuvre d'Orient ካብ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን እተላእከ ዜና፣ ኣብ ሃገረ ህንዲ እተኻየሳ ምርጫ፤ በዓለ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምብራቕ፣ ሰማእታት ደማስቆ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣዋጅ ቅድስናኦም ከም ዝግለጽ።

ዜና ምብርቕ፦ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ምብራቕ እተላእከ -

ኣብ ሃገረ ህንዲ እተኻየደ ምርጫ

ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 4 ሰነ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ናረንትራ ሞዲ ዝምራሕ ሰልፊ ጀይ. ፒ. ነቲ እተኻየደ ሕጋዊ ምርጫ ኣሸኒፉ ይርከብ አሎ። እዚ ዓወት እዚ ድማ ንክርስቲያን እታ ሃገር ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኮይንዎም አሎ ። እቲ ሃገራውንት ዝዕላምኡ መራሒ መንግሥቲ ኣብ ዘውጽኦ ፖሊሲታት ብ2014 ስልጣን ካብ ዚሕዝ ንነጀው ንሃገረ ህንዲ ናብ ሓንቲ ናይ ሂንዱ ሃገር ንምቕያር ዕላማ ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ምእመናን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ዚወርድ ኣድልዎን መጥቃዕትን ብልሽውናን ውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ 2.3 ሚእታዊት ህዝቢ ህንዲ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንክኾኑ፣ ብድምር ድማ ካብ 27 ክሳዕ 30 ሚልዮን ዚዀኑ እሙናን እዮም ። ካብዚኣቶም 2,330 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኢዮም ዝርከቡ፣ እዚኣቶም ድማ ዳርጋ ፍርቂ ናቶም ብምኽንያት እምነቶም ኣብ መላእ ዓለም እተኣስሩ ክርስትያናት ኢዮም ዝኾኑ።

በዓለ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ምብራቕ

ዝሓለፈ ሓሙስ 30 ግንቦት ኣብ ምብራቕ በዓለ ቅዱስ ቁርባን ንምኽባር ሓያሎ መደባት ተኻዪዶም ኢዮም። ኣብ ከተማ ዛህለ ሊባኖስ ዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ብሕብረት ዑደት ቅዱስ ቁርባን ኣካዪዶም። እናጸለዩን እናዘመሩን ኣብ ጐደናታት እታ ኸተማ ብዓቢይ ድምቀት ክዓውዱ ተረኽቡ።  ናይ ሜልካይት ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዩሴፍ ኣል-ኣቢ ኣብቲ ዑደት ተሳተፉ። መንእሰያትን ኣባላት ማሕበር ስካውት እውን ናይ ሽግ ጕዕዞ ወዲቦም ኣካየዱ ። ኣብ ዒራቕ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሚርኪስ ኣብ ካቴድራል ኪርኩክ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረጉ ስዒቡ ድማ ብቆሞስ ናይ ካተድራል ዝተመርሐ ዑደትን ቡራኬን ቅዱስ ቁርባን ኣካዪዶም። ንጽብሒቱ ንግሆ ካብ መላእ ኪርኩክ ዝመጹ 28 ቈልዑ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ተቐበሉ።

ሰማእታት ደማስቆ ድሕሪ ሓጺር እዋን ቅዱሳን ክዀኑ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ብ1860 ብሰንኪ እቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ ስደት ክርስትና እተቐትሉ ሸሞንተ ኣሓው ፍራንሲስካውያንን ሰለስተ ማሮናውያንን ምእመናን ኣዋጅ ቅድስና ንምክያድ ዘወጸ ሰነድ ኣጽዲቖም። እዞም ሰማዕታት እዚኣቶም ኣስታት 100 ዓመት ይገብር ብ10 ጥቅምቲ 1926 ብጽዕናኦም ዝተኣወጀ ኢዮም ዝንበሩ። እዚ ሰማእትነት እዚ ድማ ኣብ እምባ ሊባኖስን ሶርያን ብድሩዝ እተፈጸመ ስደት ክርስትና ኢዩ ዝነበረ ። ካብ ዕለት 9 ሓምለ ክሳዕ 10 ሓምለ 1860 ኣብ ዝነበረ ለይቲ ሓደ ድሩዝ ዝተባህለ ኮማንዶ ናብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ሰፈራ ባብ-ቱማ ዚርከብ ገዳም ኣሓው ፍራንቸስካውያን ብምእታው ክርስቲያን ብምዃኖም  ቀተሎም። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ነቶም ዓሰርተው ሓደ ግዳያት ቅድሚ ምቕታሎም ነቲ ዝኽተልዎ ክርስትያናዊ እምነት ክክሕድዎ ኢዮም ዝገደድዎም።

10 Jun 2024, 13:03
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031