ድለ

2024.05.31 Concerto di lode a Rzeszow  30.05.2024 (Polonia) 2024.05.31 Concerto di lode a Rzeszow 30.05.2024 (Polonia)  (Tadeusz Pozniak)

ፖላንድ፦ ኣብ መደብ ኣምልኾ ቅዱስ ቁርባን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ምእመናን ተረኺቦም

ንክብረ በዓል ቅዱስ ቁርባን ብምምልካት እተገብረ መደብ ኣምልኾን መዝሙርን ስግደት ቅዱስ ቍርባንን ሓድሽ ተርእዮ ኣብ መላእ ፖላንድ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተኣኪቦም፣ እዚ ልዕሊ 25,000 ዝዀኑ ምእመናን እተሳተፍዎ መደብ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብመራኸቢ ብዙሓን ተኸታቲሎሞ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይ ሎም ዓመት ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን ኣብቲ ኣብ ከተማ ዠሶው እተገብረ "ሓደ ልቢ ሓደ መንፈስ" ዘርእስቱ ናይ ኣምልኾን ዝማሬን መደብ ካብ መላእ ፖላንድን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ልዕሊ 25,000 ዝዀኑ ሰባት ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እተገብረ መደብ በዓለ ቅዱስ ቁርባን ተሳቲፎም።

ከምቲ እቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብ ዘካየድዎ "ብመዛሙእ እተሰነ ምርኢት ሓደ ዓይነት ጸሎትን ኣምልኾን ኢዩ ዝነበረ፣ ክርስቶስ ከኣ ማእከል ናይቲ ኣምልኾ ኢዩ ዝነበረ። ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታእቲ ተረኾቦምን ከምኡ ውን ብመስመር ብተለቪዥንን ብረድዮን ብፈነወ ኢንተርነትን ምሳኦም ሓቢሮም ዘምልኹሉ ድሙቕ መደብ ኢዩ ዝነበረ።"

ካብቲ ቦታ እቲ ዝነበረ ፈነወ ሬድዮን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ፖላንድን ኣብ መላእ ዓለምን ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት በጺሑ እዩ።

ኣብቲ "ሓደ ልቢ ሓደ መንፈስ" ዘርእስቱ መደብ መዝሙርን ኣምልኾን ዘቕረቡ መዘምራንን ነቶም ኣብቲ ብመዝሙር ዝተሰነየ ዝቐረበ ምርኢት ዝተሳተፉን ዳርጋ 200 ዝዀኑ መዘምራንን ክኢላታት መሳርሒ ሙዚታን ወለንተይናታትን የሰንይዎም ነበሩ።

እቶም ኣብቲ ናይ ዝማሬ ምርኢት እተሳተፉ ሰባት ንሰለስተ ሰዓት 26 መዝሙራትን ናይ እምነት ምርኢታትን ኣቅሪቦም እዮም።

ሓደ ኻብቶም ኣዳለውቲ እቲ ብመዝሙር እተሰነየ ምርኢት እተሳተፉ ማርሲን ፖስፒሳልስኪ መራሒ ሙዚቃን ከምኡ ውን ያን ቡድዚያስክ ዚበሃልን ንዅሎም እቶም ኣብቲ "ሓደ ልቢ ሓደ መንፈስ" ዘርእስቱ ናይ ዝማሬ ምርኢት እተኣከቡ ሰባት ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐበልዎም።

እቶም ናይ ሰበኻ ሪዞው ጳጳስ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ቮንትሮቫ ኣብ ኣብ ፍጻሜ ናይቲ መደብ ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣካፈልዎም ።

እዚ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ ቍርባን ዚግበር ናይ ኣምልኾን ዝማሬን መደባት ኣብ ፖላንድ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታትን ንኣሽቱ ኸተማታትን ህቡብ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ናይ ኣምልኾ መደብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጻባት ብምቕራቦም ንመራኸቢ ብዙሓን እውን ይጸልዎ እዩ። ብዙሓት መንእሰያትን ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ውን ናይዚ መደብ ተሳተፍቲ ኢዮም ኔሮም ።

03 June 2024, 14:45