ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Danza pastorale. Allegro
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ጭውያ ካህን ኣብ ናይጀሪያ ጭውያ ካህን ኣብ ናይጀሪያ  (AFP or licensors)

ጭውያ ካህን ኣብ ናይጀሪያ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ግዝኣት ካዱና ሓደ ካህን ከም እተጨውየ ናይ ሰበኻ ካፋንቻን መገልጺ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሃገረ ስብከት ካፋንቻን ናይጀርያ ዓቀቤ መንበር ኣባ ኤማኑኤል ካዛን ፋወህ ኣብ ግዝኣት ካዱና ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም ጭውያ ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጾም፥ “እቲ ዝተጨውየ ካህን ኣባ ኡከህ ብሰላም ናጻ ክልቀቕ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ምእመናን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌልን ክጽልዩ ተላብዮም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን መከላኸሊ ዘይብሎም ዜጋታት ሰበኻታትና ዝፍጸም ዘሎ ዘይቋርጽ ጭውያ ንኹንን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣባ ገብሪየል ኡከህ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቶማስ ዕለት 9 ሰነ ሰቢሮም ብዝኣተዉ ዕጡቓት ጉጅለ ከም ዝተጨውየ ናይታ ሰበኻ ሓበሬታ ተወኪሱ የመላኽት።

ቅልውላው ጸጥታ

ኣብ መላእ ናይጀርያ ጭውያታት እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎን፥ እቲ ዝፍጸም ጭውያ ብፖለቲካዊ ወይ ርእየት ዓለም ምኽንያት ዝገበረ ከም ዝኾነን ካብ ግንቦት 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ልዕሊ 4 ሽሕ ጭውያ ከም ተፈጸመን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ማዕበል ጭውያ ዝኹንን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅልውላው ምስ ህዝቢ ናይጀርያ “ዝዓሞቐን ልባውን ሓገዙን ቅርበቱን” ገሊጹ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጻውዒት ጸጥታን ውሕስነትን

ድሕሪ’ቲ ናይ ሰንበት ጭውያ፡ እቲ ካብ ዕለት 15 - 19 ሰነ ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝበዓል ዒድ ኣል ኣድሓ፡ ምኽንያት መንግስቲ “ሓለዋ ጸጥታን ውሕስነትን” ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ክብ ከብል ዓቃቤ መንበር ናይ ሃገረ ስብከት ካፋንቻ ኣባ ኤማኑኤል ካዛን ፋወህ ሓቲቶም “ኣባ ኡከህ ብቕልጡፍ ንኽፍታሕ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ እንሰርሓሉ ዘለና እዋን፡ ብዘይ ቂምን በቐልን ሕጋዊ መገድታት ምጥቓም የድሊ - ኣባ ኡከህን ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ናይጀሪያ ዝተጨውዩ ናጻ ክልቐቑ ጻውዒት ነቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jun 2024, 15:41
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031