ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ‘መዕርፎ ንቅዱሳን፡ ቤት ሕክምና ንሓጥኣን’ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ‘መዕርፎ ንቅዱሳን፡ ቤት ሕክምና ንሓጥኣን’ 

ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ‘መዕርፎ ንቅዱሳን፡ ቤት ሕክምና ንሓጥኣን’

ቤተ ክርስቲያን ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ጉባኤ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ገጻ ኣብ እትጓዓዘሉ ዘላ እዋን ኣባ ክለቱስ ምዊላ ናብ ሓንቲ ንብዙሓት እትሓቍፍን እተሳተፍን ቤተ-ክርስትያን ንዝብል ረባሕታዊ ለውጢ የስተንትኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተወደበ ካልኣይ ምዕራፍ መደበይና ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ በማኢት ዝቑጸሩ ቆሞሳትን ናይ ሰበኻ ካህናትን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፈ ዛምብያዊ ካህን ኣባ ክሌተስ ምዊላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ "ንቅዱሳን መዕርፎ ንሓጥኣን ከኣ ቤት ሕክምና” ክትከውን ከም እትኽእል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የስተብህሉ።

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ንመርሕነት መንፈስ ቅዱስ ሓቚፋ ናብ ዝተሓደሰ ናይ ተልእኾ ወንጌል ዝወስድ መንገዲ ክትጅምር ቃል ከምዝኣተወትን በዚ መሰረት ዘጋጥሙ ብድሆታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2021 ዓ.ም. ዝያዳ ኣሳታፊት ቤተ ክርስቲያን ንምዕባይ ዝዓለመ ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሕ ኵላውነት ባህርይ ዘለዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ ኣበጊሶም እዮም ንኹሉ እትሓቁፍ ኣሳታፊት ቤተ ክርስቲያን ዝጠልብ።

ሓቛፍን ዘዋስእን ምስማዕ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ሲኖዳውነት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ንቤተ ክርስቲያን ምስማዕን ትሕትናን ንኹሉ ሓቛፊትን ኣሳታፊትን ክትከውን ዝብል "ንፋስ ለውጢ" ንምርግጋጽ፡ ንኣቃውማ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌልን ዳግማይ ሕንጸት ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ ኣተሓሒዞም መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመናዊ ስብከተ ወንጌል ወሳኒ ተራ ስለ ዘለዎ ኣብ ሕንጸት ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝምልከት ስልጠና ምውህሃድ የድሊ።

ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ደጊም ንሓይሊ መራኸቢ ብዙሃን ሸለል ቢላ ናብ ሰፊሕ ግራት ክትበጽሕ ዓቕሚ ኣይክህልዋን እዩ፡ “ኣብዚ ናይ ሎሚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ ዘመን፡ መራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ሕጂ ጣዕሚ ዘይኮነስ ወንጌል ንምዝርጋሕ ኣገዳሲ መጋበርያ እዩ።”

‘መዓርፎ ንቅዱሳን ቤት ሕክምና ንሓጥኣን’

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት - ከም ምስጢር ወይ መብጽዓ ቅዳሴ - ወፈያ ምሕታት ዝብል ልምዲ ምፍታሽ ኣድላይነቱ እውን ኣጉሊሖም፡ ወፈያ ዝሕተተሉ እንተድኣ ኮይኑ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ከግልሉ ይኽእሉ እዮም፡ በዚ ድማ ሕመረት ርህራሄ ክሃስስ ይኽእል። ብፍላይ ድማ ነቶም ዝረሓቑ ሕሉፍ ህይወቶም ብዘየገድስ ሓቋፊትን ተቐባሊትን ቤተክርስትያን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ምእንቲ እዚ ድማ ኩሉ ቤታዊ ኮይኑ ክስምዖን ዘይግለል ምዃኑ ከስተብህል ዝሕግዝ እዩ፡ ስለዚ ኣነ ዘገልግላ ቤት ክርስቲያን መዕርፎ ንቅዱሳን ቤት ሕክምና ንሓጥኣት ክትከው እየ ዝደሊ” እዚ እውን እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዋን ዝምህርዋን ቤተ ክርስትያን መግለጺ እዩ።

ብሓባር ምጉዓዝን ንዝኾነ ሰብ ድሕሪ ዘይምሕዳግን

ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ኣምር "ብሓባር ምጉዓዝ" ዘመልክት እዩ፡ ንኹሉ ሰብ - ኣብ ወሰናስን ዝርከቡ፡ ሕሙማን፡ ድኻታት፡ መንእሰያት፡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ደቂ ኣንስትዮን - እትሓቁፍ፡ እዚ ድማ ኣማራጺ ዘይኮነስ ኣገዳሲ እዩ። ወሲኾም “ዕላማ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት፡ ‘መስርሕ ዓቕለስያዊ መመያ’ ምዕዋት እዩ፣ ኣብኡ ድማ ድምጺ ነፍሲ ወከፍ ክስማዕ ዝብል ጻውኢት ኣሎ።”

ናይ ሓባር ሓላፍነት

ኣብ መደምደምታ፡ ኣባ ክለቱስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ራእይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ "ኣብ ዓውዲ እትርከብ ናይ ነፍሳት ቤት ሕክምና" ኮይና እተገልግል ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምትግባር ክሕግዝ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ ሲኖዳውነት ብምሕቋፍ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾኣ ዝተጠርነፈ ሕብረተሰብ ኮይና ንቕድሚት ክትስጉም ትኽእል እያ፡ ዝኾነ ሰብ ድሕሪት ከይተሓድገ፡ ንሲኖዳውነት ዝድግፍ ንፋስ ድሮ ይነፍስ ኣሎ . . . ንሕና ተንሲእና ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንጽንበር፡ ብሓባር ክንሰርሕ፡ ንሓድሕድና ክንሰምዕን ንሓድሕድና ክንሰምርን እዋኑ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

18 June 2024, 16:27