ድለ

መዓልቲ ቅዱሳን ሰማእታት ኡጋንዳ መዓልቲ ቅዱሳን ሰማእታት ኡጋንዳ 

መዓልቲ ቅዱሳን ሰማእታት ኡጋንዳ

ዕለት 3 ሰነ 2024 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝርከብ ናሙጎንጎ ካቶሊካዊ ሰማእታት መካነ ንግደት ተረኺቦም፡ ኣብ መንጎ 1885 – 1887 ዓ.ም. ብሰንኪ እምነቶም ዝተቐትሉ ቅዱሳን ሰማእታት ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ኡጋንዳን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ  ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ዛምብያ፡ ሩዋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሃገራት ብተወሳኺ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ከም ዝሓበሩን ዕለት 3 ሰነ  እቶም 22 ካቶሊካውያን ሰማእታት ዝዝከሩሉ ዕለት ኣብ ኡጋንዳ ከም ህዝባዊ በዓል ዝኽበር ምዃኑ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሓድሽ መገዲ ክርስትያን ንምዃን

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኡጋንዳ ዝርከብ ናይ ነቢ ካቶሊካዊ ሰበኻ "ኣነን ቤተይን ግን ንጐይታ ነገልግል" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ነቲ ናይ 2024 ዓ.ም. ዕለት 3 ሰነ ሃገራዊ ዝክረ ሰማእታት ኡጋንዳ ከም ዝተበዓለን ኣባል ማሕበር ኮምቦናውያን ናይ ሰበኻ ጉሊ ሊቀ ጳጳሳት ሩፋኤል ፕሞንይ ብዙሓት ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ዝሓበርዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑን ሊቀ ጳጳስ ዎኮራች ኣብ መጀመርያ ስብከቶም ንጉባኤ ጳጳሳት ኡጋንዳ ንነቢ ካቶሊካዊት ሃገረ ስብከት ናይ ለምዘበን ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰማእታት ኡጋንዳ ክመርሕ ዕድል ምሃቡ ብምምስጋን ዘስምዕዎ ስብከት ኣበጊሶም፥ መዓልቲ ሰማእታት ኡጋንዳ ንክርስትያን ኡጋንዳን ብሓፈሻ ንቤተ ክርስቲያንን ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም። ነታ መዓልቲ ምጽንባል ንቤተክርስትያንን ንኡጋንዳውያንን ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ሓልዮትን ጸጋን ኣፍልጦ ምሃብን መግለጽን እዩ። ኣብ ኡጋንዳ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ክርስትያን ምዃንና ዘሐድስ ተግባር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን መግለጺ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኡጋንዳ ተወኪሱ የመላኽት።

ሓድሽ በዓለ ጴንጠቆስጠ ተመክሮ ምግባር

ሊቀ ጳጳሳት ዎኮራች ኣስዒቦም፥ ነቲ ዓመት ዓመት ዝኽበር መዓልቲ ሰማእታት ኡጋንዳ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓድሽ በዓለ ጴንጠቆስጠ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ሰባት ከም ሓንቲ ስድራቤት ኣምላኽ -ብእምነት ዝተጠርነፉ ብጸሎት ዝእከብሉ ክብርቲ መዓልቲ” ምዃና ገሊጾም፡ እቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ዝሓበሩን መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ህይወት ዘጋጥሞም ዝነበረ ሓደጋ ብዘየገድስ ሰማእታት ኡጋንዳ ዝነበርዎ ድልዱል እምነት ዘውረስዎ ህያው ምስክርነት ሕድሪ ክመስሉን ተላብዮም፡ ሰማእታት ኡጋንዳ ንቃል እግዚኣብሔር ብዕቱብ መንፈስ ዝተቐበሉን ዝነበሩን ብቃሉ ድማ ገዛእ ርእሶም ዝቐረጹን እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መቕዘፍቲ ምግባረ ብልሽውና

ኣብነት ሰማእታት ኡጋንዳ ብምስዓብ ኣብ ጽኑዕ መትከል እምነቶም ጸኒዖም መራሕቲ እታ ሃገር፣ ሓንጸጽቲ ስርዓትን ሕግን ኩሎም ስልጣን ዘለዎምን ካብ ትብዓት ሰማእታት ተደሪኾም ሕጂ ኣብ መብዛሕትኡ ጽላታት ሕብረተሰብ ኡጋንዳ ኣትዩ ንዘሎ መቕዘፍቲ ብልሽውና ክቃለሱ ኣተባቢዖም፥ ኣብ መዛዘሚ ስብከቶም ሊቀ ጳጳስ ዎኮራች ክርስቲያን ምሥጢረ ተክሊል ከም ሓደ መገዲ ንስድራ ቤትን ሃገርን ኮይኑ ክቕጽል ነዚ ዝተቐበልዎ ቅዱስ ምስጢረ ተክሊል ክከናኸኑ ኣተባቢዖም። ኣብነት ናዝራዊት ቅድስቲ ስድራ ቤት ክስዕቡን ክመስሉ ከም ዘለዎም ተላብዮም ኣብ ልዕሊ ኩሎም መንፈሳውያን ነጋዶ ጸጋ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ጎይታ ንኹሉ ብኣማላድነት ቅዱሳን ሰማእታት ኡጋንዳ ብሕያውነቱ ክጥምቶ ብዘዝቕርብዎ ጸሎት ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ቅድስና ሰማእታት ኡጋንዳ

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1964 ዓ.ም. ንሰማእታት ኡጋንዳ ቅዱስና ከም ዝኣወጁን ለምዘበን ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ኣዋጅ ቅድስና ሰማእታት ኡጋንዳን ከምኡ እውን ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ንኣፍሪቃ ኣብ ኡጋንዳ ካቶሊካዊ እምነት ዝሰበኽሉ ዝኽሪ መበል 145 ዓመት ዝዝከረሉ ዓመት እውን ከም ዝኾነን ናይ ኡጋንዳ ርእሰ ብሔር ዮዌሪ ካጉታ ሙሰቨኒ ኣብቲ ናይ ለምዘበን ጽምብል ሰማእታት ኡጋንዳ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ኣባላት ባይቶ ኡጋንዳ፡ መራሕቲ ባህሊ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባትን ሃይማኖታትን ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኖም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

06 June 2024, 15:55