ድለ

መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ሕድገት ዕዳ ክግበር ኣብ ዝብል ጽዋዒት ይሓብሩ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ሕድገት ዕዳ ክግበር ኣብ ዝብል ጽዋዒት ይሓብሩ  (AFP or licensors)

መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ሕድገት ዕዳ ክግበር ኣብ ዝብል ጽዋዒት ይሓብሩ

መራሕቲ ሃይማኖት ክርስቲያንን እስላምን ኣፍሪቃ ን2025 ዓ.ም. ዓመተ እዮቤል ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ንጉጅለ 20 ሃገራትን ንጉጅለ 7 ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ሕድገት ክግበር ኣብ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ተጸንቢሮም፡ ናይ ወጻኢ ዕዳ ንድኻታት ሃገራት ኣብ ጥዕና፡ ትምህርትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ብምግባር ንህዝበን ናይ ምድጋፍ ተኽሎ ዘይከኣል ይገብሮ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን፣ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ሃገራዊ ባይቶታት ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ መላእ 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከባ ባይቶታት ናይ ሓባር ዘተ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ተራኺቦም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ሕድገት ናይ ወጻኢ ዕዳ ድኻታት ሃገራት ክግበር ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት መሰረት ገይሮም፥ ንጉጅለ 20፣ ጉጅለ 7 ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ባንኪ ዓለምን ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ፥ እዘን ሃገራት ክምዕብላን ንህዝበን ኣብ ማሕበራዊ፣ ጥዕናን ትምህርታውን ኣገልግሎታት ወፍሪ ክገብራን ኣብ ቁጠባዊ ዓለማዊ ስርዓት ርኡይ ለውጢ ክግበር ጸውዒት ኣቕሪቦምም

ኣፍሪቃ ኣብ 2024 ዓ.ም. ንኽፍሊት ዕዳ 90 ቢልዮን ዶላር ከተውጽእ ምዃና ይንገር

“ሃገራትና ኣብ መንጎ ወጻኢታት ምግባርን ኣብ ህዝበን ወፍሪ ምግባርን ንኣለቃሕተን ምኽፋልን መሊሱ ዘሕዝን ምርጫታት የጋጥመን ኣሎ” ክብል ዘመላኸተ መግለጺ፥ “ሎሚ ዓመት ጥራይ ኣፍሪቃ 90 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ንህዝባዊ ዕዳ ንምቅላል ከተውጽእ እያ፡ ማእከላይ ገምጋም ሃገራት ኣፍሪቃ ድምር ወጻኢታት ኣብ ጥዕና፡ ትምህርትን ማሕበራዊ ሓለዋን ዝምልከት ክልተ ሲሶ ናይቲ ዝኽፈል ዕዳኦም እዩ።”

ዕዉት ወፍሪ ምሕረት ዕዳ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም.

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ማሕበረሰባት እምነትን ተጣበቕትን ኣብ እዋን ዓመት ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ዝገበሮ ዕዉት ወፈሪ ሕድገት ዕዳ ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ካብ እተገብረ ወፈራ ንሕድገት ዕዳ ተበግሶ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እንከሎ። እዚ ሓሳብ እዚ በቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ 25 ዓመት ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕን ንኻልኦትን ይቕረ ንምባልን ንምትዕራቕን እተወፈየ መንፈሳዊ ምሕዳስ እትገብረሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትውፊት ከም ዝሕብሮ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 50 ዓመት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝፍጸም ዝነበረ ኢዮቤል መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፥ “እቲ ዘሕዝን ግን” ይብል እቲ መግለጺ “ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓታት ግብሪ፡ ገንዘባውን ንግዳውን ዘይምዕሩይነት፡ ምስ ክፍተታት ውሽጣዊ ምሕደራ ተደሚሩ፡ ዘላቒ ዘይኮነ ምብራኽ ዕዳ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚ ቁጠባዊ ብድሆታት ብግርጭታትን ኲናትን ከምኡ እውን ብካልኦት “ብዙሕ ዘሻቕሉ ኣጋጣምታት ከም ለበዳ ኮቪድ - 19ን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ኣዚዩ ከም ዝበረኸን፥

“ብሰንኪ ውግኣትን ግጭታትን፡ ተኣፋፊ ስርዓታት ጥዕና፡ ለውጢ ከባቢ ኣየርን፡ ሕጽረት መግብን ኣልቦ ጥርዚ ዝኾነ ዋጋ መነባብሮን ብዙሕ ዘጨንቑ ኩነታትን ይቕጽል ኣሎ።”

ሰብን መሬትን ልዕሊ ዕዳ ምቕማጥ

ስለዚ እቶም መራሕቲ እምነት፥ ዓለምለኻውያን ኣለቃሕቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝወስድዎ ስጉምትን ውሳኔታትን ምስቲ “ንሰባትን ንመሬትን ልዕሊ ዕዳ ዘቐምጥ” ክብርታት ኢዮቤል ከሰማምዕዎ ተላብዮም፥

እቲ መግለጺ ቅድሚ ኩሉ “ንዕላማታት ልምዓትን ለውጢ ከባቢ ኣየር 2030 ዓ.ም. ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከየእተወ ዘይክፈል ዕዳታት ሕድገት ክግበር” ጻውዒት የቕርብ።

ብመሰረት መራሕቲ ሃይማኖት እተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ንዅሎም ኣለቃሕቲ ኣብ ምንካይ ዕዳ ዜእትወን ነባርን ኣብ ሕግታት እተመርኰሰን ትጽቢት ዚግበረሉን መስርሕ ኪረኽባ ኣለወን እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ "ዘየድሊ ስቓይ ደረት ንምግባርን ንዅሎም ቅልውላው ዜምጽኦ ወጻኢታት ንምንካይን" መሰረት እዩ።

ብተወሳኺውን ሓላፍነት ዝስምዖም ናይ ልቓሕ ምቕባል ልቓሕ ምሃብን መሰረታዊ ስርዓታት ክህልዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም - "ብሕግታትን ስርዓታትን ብሉጽ ልምድታትን ኣቢሎም ኣለቃሕትን ተለቃሕትን ነቲ ናይ ዕዳ ውዕላት ፍቓድ ብምሃብን ብምግላጽን ሓዊስካ ዝባኽን ዘይጻወርን ዕዳታት ሓድሽ ዑደት ንኸይፍጸም ግደ ኣለዎም።" መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ መንጎ ኣለቃሕትን ተለቃሕትን ኣብ ውዕላት ዕዳ ናይ ምክፋል ሓደጋ ግምት ክወሃቦ ኣድላዪ ኢዩ - ቢሎም - ኣብዛ እትሳቐ ዘላ ዓለም እተን ኣብ ዕዳ ዘለዋ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ነቲ ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር እተተሓሓዘ ዕንወት ለብዒ ከምኡውን ካልእ ካብ ቍጽጽረን ወጻኢ ዝዀነ ፍጻመታት ንምብዳህ በይነን ክሕደጋ የብለንን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ መግለጺ እዚ ዕዳ ብዘይብሉ ዅነታትን ብዋጋ ዘይሽነን መገዲ ንምዕባለ ዘድሊ ነገራት እናወሰኸ ክኸይድ ዝሓትት ኢዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምውሳእ ሓላፍነት ኣለዎ

እቶም መራሕቲ እምነት ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ መስቀላዊ መገዲ ከም ዘሎ ብምዝኽኻር "ተስፋን ምሕዳስን ናብ ዝንበሮ ሃዋሁ ንምምላስ ሓይልን ሓላፍነትን ኣሎኩም" ብምባል ነቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

25 July 2024, 16:11