ድለ

Mass wedding in Quetta, Pakistan Mass wedding in Quetta, Pakistan  (ANSA)

ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ ጳጳሳት ነቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ መርዓ ምጽዳቑ የመስግኑ

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፓኪስታን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያናት ብሓባር ትሕቲ ዕድመ ክርስትያን ካብ ግዱድ መርዓ ንምክልኻል ዕድመ መርዓ ናብ 18 ዓመት ክብል ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ናይ ሃገሮም ህዝባዊ ባይቶ ብምጽዳቑ ዝተሰምዖም ሓጎስ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ፓኪስታን ዝርከቡ መራሕቲ ክርስትያን፡ ንክርስትያን ኣወዳትን ኣዋልድን ዝተሓተ ዕድመ መርዓ ናብ 18 ዓመት ክብ ክብል ዝእዝዝ ሓድሽ ሕጊ ኣብ መወዳእታ ህዝባዊ ባይቶ ከም ዘጽደቖ ዘሕደረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ናይ 1872 ዓ.ም. ዝነበረ ዛዕባ ንክርስቲያን ዕድመ መርዓ ዝምልከት ሕጊ ዝቕይር ከም ዝኾነን እዚ ሓደሽ ሕጊ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓጋጊ ባይቶ ይኹንታ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ሃገራዊ ባይቶ ብሙሉእ ድምጺ ከም ዘጽደቖ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጊ፡ ካብ ምሕደራ እንግሊዝ ኣብ ህንዲ ጀሚሩ፡ ኣዋልድ ኣብ 13 ዓመት ዕድሚአን ክምርዓዋ ይኽእላ፡ ኣወዳት ድማ ኣብ 16 ዓመት ዕድሚኦም ክምርዉ ይኽእሉ ዝብል ዝነበረ ትዛዝ ዝቕይር ምዃኑ የመላኽት።

ኣዋልድ ክርስቲያን ካብ ግዱድ ሓዳር ምክልኻል

ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነዚ ለውጢ ብፍላይ ንኣዋልድ ካብ ጾታዊ ዓመጽን ግዱድ መርዓ ህጻናትን ንምክልኻል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክጣበቑ ጸኒሖም እዮም፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንዕላማ ግዱድ መርዓ ምልዋጥ ሃይማኖት ምስ ጭውያታት ዝተኣሳሰር ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ፓኪስታን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ CBCP) ኣቦ መንበር ጳጳስ ሳምሶን ሹካርዲን ምስ ሃገራዊ ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ብምዃን እቲ ሕጊ ኣብ መወዳእታ ክጸድቕ ብምኽኣሉ ዝተሰመዖም ሓጎስ ይገልጹ።

"እዚ እማመ ብሙሉእ ድምጺ ብምሕላፉ ንመላእ ባይቶ ልባዊ ኣድናቖትና ነቕርብ" ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "እዚ ሕጊ ንኣሽቱን ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድናን ካብ ግዱድ ምቕያር ሃይማኖትን መርዓ ህጻናትን ኣብ ምክልኻል ወሳኒ ተራ ክጻወት እዩ። መንግስቲ ብግዲ ሃይማኖት ምልዋጥ ዝግበር ጸቕጢ ከም ገበን ዝርእ ተወሳኺ ስጉምትታት ክወስድ ተስፋ ንገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ፓኪስታን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት

ሓድሽ ሕጊ ኣብ ክርስትያናዊ መርዓ

እቲ ሓድሽ ሕጊ ዛዕባ ክርስትያናዊ መውስቦ፡ “ዕድመ ክልቲኦም ተዋሳእቲ 18 ዓመት ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ተቐባልነት ዘለዎ ይብል፥ ብተወሳኺ ዕድመ ዝኾነ ይኹን ተዋሳኢ ወገን ብዝምልከት ክርክር እንተጋጢሙ ቤት ፍርዲ ናይ ልደት ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ወይ ካልእ ኣገዳሲ ሰነድ መሰረት ብምግባር ዕድመ ከምዝውስን ይገልጽ። እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ምስ ዝስእኑ፡ እቲ ዕድመ ብመሰረት ጸብጻብ ሕክምናዊ መርመራ ክውሰን ከም ዝኽእል እቲ ሓድሽ ሕጊ የመላኽት።

13 July 2024, 16:39