ጳጳሳት ማላዊ፡ ዛምብያን ዚምባብዌን ኣብ ሞንጎ ሓባራዊ ብድሆታት ዛዕባ ምትሕግጋዝ ጉስነት ይዝትዩ ጳጳሳት ማላዊ፡ ዛምብያን ዚምባብዌን ኣብ ሞንጎ ሓባራዊ ብድሆታት ዛዕባ ምትሕግጋዝ ጉስነት ይዝትዩ  

ጳጳሳት ማላዊ፡ ዛምብያን ዚምባብዌን ኣብ ሞንጎ ሓባራዊ ብድሆታት ዛዕባ ምትሕግጋዝ ጉስነት ይዝትዩ

እቲ ንኡስ ዞባዊ ኣማኻሪ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዛምብያ፡ ማላዊን ዚምባብዌን ካብ ዕለት 15 - 19 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ኣብ ማላዊ ከተማ ሳሊማ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስቲአን ሃገራት ዘይማዕርነትን ስክፍታታት ከባብን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ብሓባር ንምግጣም ክመኽሩ ከም ዝኾኑ እቲ ንኡስ ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ዝካየድ ዋዕላ ኣአንጋዲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ማላዊ (ECM) ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ንኡስ ዞባ ጉባኤ ጳጳሳት ንዕለት 16 ሓምለ ኣብ ቁምስና ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክጅመር ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ድልድላት ምህናጽ፡ እምነት ምድልዳል

ናይ ማላዊ ብጹዓን ጳጳሳት ንጥፈታት ናይ’ቲ ኣኼባ እንክሕብር፡ መደረታት፡ መኣዲ ዘተን መስተጋብራዊ ዓውደ - መጽናዕትን መድርኻት ዘተቓልል ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ፥ እዚ ድማ “ምህናጽ ናይ ርክብ ድልድላት፡ ምሕያል እምነት፡ ሓድነትን ኣገልግሎትን” ንዝብል ርእሰ ጉዳይ ንምድህሳስ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ነቲ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፥ ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ዞባኦም ኣብ ዝርከቡ ሓባራዊ ብድሆታት ዝተፈላለየ መዳያት ኣብ ጉስነታዊ ንጥፈታቶም ክህሉ ዘለዎ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ክድህስሱ ከም ዝኾኑ ይሕብር።

ኣብ ናይ ሓባራዊ ጉዳያት ምትሕብባር

ኣብ 2023 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሊሎንግወ ሊቀ ጳጳሳት ጆርጅ ደስሞንድ ታምባላ እዋናዊ ናይ ማላዊ ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይተን ሰለስተ ሃገራት ጳጳሳት ሓሳብ ዝለዋወጥሉን ዝዝትዩሉን ተመኮርታቶም ዝካፈልሉ ሓድነት ብምንቕቓሕ ኣብ ተበግሶታት ንመንፈሳዊ ዕብየትን ማሕበራዊ ፍትሕን ክተሓባበሩን እዚ ምትእኽኻብ ኣብ መላእ ዞባና ኣብ መንጎ ሰለስተ ዋዕላታት ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ምዕባይን ምሕያልን ዓቢ ተራ ኣለዎ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እዚ ንኡስ ዞባዊ ጲስቆጶሳዊ ጉባኤ፥ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ማላዊ፡ (ECM) ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዛምብያ (ZCCB)፡ ከምኡ’ውን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዚምባብወ (ZCBC) ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ሓድነት ንምዕባይን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ምትሕብባር ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ የመላኽት።

12 July 2024, 15:34