ካፎድ ካቶሊካውያን ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ምርጫ ዓባይ ብሪጣንያ ክዋፈሩ ይላቦ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መረጽቲ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ 2019 ዓ.ም. ንፈለማ እዋን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምምራጽ ዕለት 4 ሓምለ ናብ ናይ ድምጺ መወሃቢ ኑቕጣታት የብሉ ከም ዘለዉን ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓደ ካብቶም ዓቢይ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ምርጫታት እታ ሃገር ከም ዝኸውን ድማ ተንተንቲ ይገልጹ።
ካብ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፡ ካቶሊካዊ ረድኤት ትካል ካፎድ፡ ካቶሊካውያን መረጽቲ ኣብቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ብንጥፈት ክዋፈሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኒል ቶርንስ ናይቲ ትካል ረድኤት ጠበቓ፥ እቲ ትካል ዜጋታት ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ድምጾም ክህቡ ክዕድም ከም ዝጸነሐን ብፍላይ ካቶሊካውያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ገይሮም ድምጾም ክህቡ ከተተባብዕ እውን ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ፡ ከምኡ ንኽገብሩ ንምሕጋዝ ኣብቲ ናይቲ ትካል ረድኤት ወግዓዊ ማርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብዛዕባ እቲ ምርጫ ሓበሬታ ብምሃብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሱ “ዝሓሸ ዓይነት ፖለቲካ” ምምላስ ከምዘድሊ ኣመላኺቱ እዩ እንክብሉ ኣብ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መገልጺ ይሕብር።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መራሕትን ሓንጸጽቲ መምርሕታትን ሕግታትን ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ጻውዒት ሓላፍነቶም ንሓባራዊ ረብሓ ንምግልጋል ዝዓለመ ክቡር ጸዋዕታ ምዃኑ ብምዝኽካር፥
"ፖለቲካ ክቡር ጸዋዕታ'ዩ፡ ሰባት ብግቡእ ምኽንያት ብፖለቲካ ክሰሓቡ ይግባእ።"
እዚ ወፍሪ’ዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ኣብ ወሳኒ ጉዳያት ስክፍታታቶም ከስምዑን በዚ ኣገባብ መሰረት ንምውዳብ ዝዓለመ ምዃኑን፡ ድሌታት ድኻታትን ተቓላዕትን ኣብ ቅድሚት ፖለቲካዊ ፍልልያት ከም ዝስራዕ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ የብርህ።
ኣብ ውሽጣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ትኹረት ምግባር
እቲ ወፍሪ ንኽልቲኡ ውሽጣዊ ድኽነት ዓባይ ብሪጣንያን ዓለማዊ ብድሆታትን ዝምልከት እዩ። ኣብ መንጎ ካፎድን ማሕበር ቅዱስ ቪንሰንት ደ ፓውሊን ንጉዳያት ውሽጣዊ ድኽነት ንምጉላሕ ዝተገብረ ምትሕብባር ጠቒሱ፡ መረጽቲ ዓለማዊ ሓባራዊ ረብሓ ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጊሙ ብምዝኽካር፡ ብፍላይ ኣብ ምምካት ከም ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ስደትን ዝኣመሰሉ ቅልውላዋት ቢሉ፥
"ብዛዕባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዚና ኢና ንሓስብ፡ ብዓለም ደረጃ'ውን . . . እዚ ድርብ ትኹረት እዚ፡ ወፍሪ ካፎድ ከም ድኽነት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብደረጃ ውሽጢ ዓድን ኣህጉራውን ደረጃ መልሲ ክወሃቦ ዝድርኽ እዩ እንክብል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይሕብር።
ቅልውላው ከባብን ፖለቲካዊ ቀዳምነታትን
ቅውላው ከባቢ ኣየር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት ምዃኑ ኣዘኻኺሮምና እዮም፥ እዚ እውን ሓደ ብቐዳምነት ንማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግሊዝን ወይለስን ዜተሓሳስቦም ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሩ፥ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብቶም ዝደኸዩ ማሕበረሰባት ዓሚቝ ጽልዋ እኳ እንተ ኣለዎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ እኹል ኣቓልቦ ኸም ዘይግበረሉ ድማ ኣመላኺቱ፥
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፖለቲከይናታት ክንዮ እቲ ንሓጺር እዋን ዚጸንሕ ጥቕሚ ርእሶም ከብሉን ነዚ ዓለምለኻዊ ጕዳይ እዚ ንጥቕሚ ኩሉ ዝብል መትከል ብምስዓብ ክፈትሕዎ ብምምሕጻን ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምዃኑ የመላኽቱ።
"ንኣብነት ነቲ ዝካየድ ምርጫ ኣብ ግምት ብምታው ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ክትዕ ፖለቲካ ብዛዕባ ቕልውላው ከባቢ ኣየርን ተፈጥሮን ብዙሕ ኣይተሰምዐን ከም ሓቂ ድማ ንደገፍትና እዚ ንዓታቶም ኣገዳሲ ጕዳይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሓቢርና ኢና ከመይሲ ብዛዕባ እቲ ኣብቶም ዝደኸዩ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ” ቢሉ፥
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት ምዃኑ የዘኻኽሩና!
መንእሰያት መረጽቲ ምውፋር
ወሲኾም እቲ ጎስጓስ ኣብቶም ብዙሓት ካብኣቶም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መስርሕ ምርጫ ተሳተፍቲ ዝኾኑ መንእሰያት ዝህብዎ ድምጺ፥ ድምጺ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ዝኸይድ ሓላፍነት ክኸውንን፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19 መንግስታት ዝወሰድዎ ወሳኒ ተግባራት ዝረኣዩ መንእሰያት፡ ከም ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ተመሳሳሊ ድፍረት ይጽብዩ።
"ስለዚ መንሰያት እቶም ፖለቲከይናታት ብወሳኒ መንገድን ኣብቲ ብሓቂ ዝግደሱሉ ጉዳያትን ክዋስኡ ኣዝዮም ዝደልዩ ይመስለኒ።"
ስደትን ሰብኣዊ ክብሪን
"ስለዚ ቋንቋ [ብዛዕባ ስደተኛታት እንዛረበሉ መገዲ] ክንቅይር ዘሎና ይመስለኒ ኣረኣእያና እውን ከይተረፈ፡ ፖለቲከይናታት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወይ ነቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዘለዉ ኣቡናትና ሰሚዖም ንገለ ካብቲ ጠባዮም ኪቕይርዎ ተስፋ ንገብር" . . . ።
ስደት በቲ ሓድሽ መንግስቲ ኺፍታሕ ዘለዎ ካልእ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ፣ ምስ መምርሒታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምስምማዕ ከኣ ነቲ ኣብ ብሪጣንያን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንስደተይናታት ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ገይሮም ናይ ምርኣዩ ዝንባለ ነቒፉ፥ ውሑስን ሕጋውን መገድታት ንዝስደዱ ምቛም ከም ዘድሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮም ከምኡውን ኣቡናት ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ብተደጋጋሚ ዝበልዎ ኸኣ ንድኻታትን ስደተይናታት ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎምን ክድግፍዎምን ከም ዘለዎም ኣጕሊሑ፥ "ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዚኣቶም ቅድም ናብ ሃገርና ብኸመይ ከም እንቕበሎም ክንሓስብ ክንጅምር ኣሎና ድሕሪኡ ብኸመይ ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ከም እንቕበሎም ኽንሓስብ ይግባእ።
ምቅዋም ህዝባውነትን ሃገራውነትን
ምልዕዓል ህዝባውነትን ጸንፈይና ሃገራውነትን ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ኪደት ዓለማዊ ዝንባለ ኮይኑ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ እዞም ስነ - ሓሳባት እዚኣቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ብምዝካር፡ ንድኻታት ኣብ ማእከል ዘቐምጥ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ጎደናታትናን ዝጥምት ኣገባብ ክህሉ ይግባእ ቢሎም፥
እዚ እውን ኣብ ዙርያኻ ክትጥምትን ብዛዕባ ካልኦት እውን ክትግደስ ከምዘለካን ነዚ ከተረጋግጽ ዝዕድመ እዩ ቢሉ - ሱዳን ልዕሊ 750, 000 ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዝርከቡ ብምዃኖም ሓደ ካብቶም ብዝዓበዩ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ትሳቐ ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ . . . ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኣይንሰምዕን ኢና፡ ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ዓለም ዘሎ ቅውላው ክንገርን ክስማዕን ኣለዎ . . .
"ፖለቲከይናታት ነቶም ኣብ ስግርና ዘለዉ ነቶም ዝደኸዩ ሕብረተሰብና ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ድኻታት እውን እወንታዊ ጽልዋ ክኾኑ ንደሊ”
እንክብሉ ነይል ቶርንስ ጠበቓ ትካል ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ እንግሊዝን ወይለስን ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።