ድለ

2024.07.02 INTERV. CARD SOURAPHIEL 2024.07.02 INTERV. CARD SOURAPHIEL 

ካርዲናል ሱራፊኤል ፦ ቤተ ክርስትያን ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት እያ ደው እትብል

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ጳጳስት ኣብ ነፍስወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝገብርዎ ምብጻሕ ናብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተረኽቡሉ። ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስት ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገረዎ ቃለ መሕትት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ምቅርራብን ምስኣቶም ደው ምባል ክቕጽሉ ከም ዘተማብዕዎም ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ኣብቲ በብእዋኑ ዝገብርዎ ምብጻሕ ናብ ቅድስቲ መንበር ናብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ዑደት ኣካዪዶም። ብዕለት 28 ሰነ ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺቦም፣ በቲ ንዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ዓሌታዊ ግጭታት ድማ ሰብፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቦም።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ስለቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽህሉ ዝገበርዎ ዘየቋርጽ ደገፍን ልመናን ጥርዓንን ኣመስገንዎም፣ ነቲ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ድሕቲ ውዕል ሰላም ምፍጻሙ ውን ኣካፈልዎም እንተዀነ ግን ካልእ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊ ግጭታት የካይድ ምህላዉ ውን ኣመልከቱሎም ።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፒኤል ናይ ዜና ቫቲካን ጋዜጠይና  ሚሸል ራቪያርት ኣብ ዘካየደሎም ቃለ መሕትት፣ እዞም ጳጳሳት ብፍላይ ኣብ ኵነታት ናይቶም 70 ሚእታዊት ህዝቢ ዘቝሙ መንእሰያት ኢትዮጵያውያን ከም ዘተኵሩን ከምኡ ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገረሮም ዘሎ ውግእ ብዘለዎም ኣረኣእያን ናብ ወጻኢ ሃገራት እንተላይ ናብ ኣውሮጳ ንኽስደዱ ብዝያዳ ኸም ዝፍተኑ ዘልውዉ ገለጹ።

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኤጳርቅና ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብ2013 ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ላምፐዱሳ ኻብ ዚበጽሑ ኣትሒዞም ንዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽቲ ብምዝካር ነቶም ካብ ኣፍሪቃ ዀነ ካብ ሶርያ ንዝስደዱ ዘለዉ ተቐበልዎምን ደግፍዎም ከም ዝበሉ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ 2% ካብ ሕዝቢ ኢትዮጳያ ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ድኻታትን ተነቀፍትን ሰባት፣ እንተላይ ነቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዘይክእሉ ቘልዑን ህጻናትን፣ ናብ ሆስፒታል ክኸዳ ዘይክእላ ኣዴታትን ከምኡ ውን ነቶም ብውግእ እተመዛበሉን ኣረጋውያን ሽማግሌታትን ናይ ምግልጋል ጻዕርታታ ኽትቅጽል ከም ዘተባብዕዋ ውን ገለጹ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳስት ወትሩ ምስ መጓስኦም ክኾኑ ከም ዘለዎም ውን ኣዘኻኸሩና ኣሕዋትን ኣቦታትን ምህላዎም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡና" ክብሉ ነቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ዝነበሮም ርክብ ከመይ ከም ዝነበረ ገለጹ።

ብፁዕ ካርዲናል ሱራፌል ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጐድኒ እቶም ዝሳቐዩን ዕርቂ ዝገብሩን ሰባት ጥራይ ምዃና ውን ገለጹ። እዚ ኣብ ደረጃ ናይታ ኣብቲ ቦታ ዘላ  ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ብሓገዝ ኣድማሳዊ ቤተ - ክርስትያን እንተላይ ብሓገዝ ናይቶም ምሳና ዝሰርሑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ከም ዝካየድ ውን ገለጹ ።

ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንታይ በልኩሞም ?

ካርዲናል ሱራፌል ፦ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዅነታት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ብምርኳር ኢና ዘቕረብናሎም ከመይሲ፣ ንሳቶም 70 ሚእታዊት ካብ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ኢዮም ዝውክሉ፣ ህይወቶምን ናብራ ስድራ ቤቶምን ኬመሓይሹ ድማ እዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ ። ኣብ ቲቪን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሰባት ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ብኸመይ ከም ዝነብሩ ብዙሓት ከኣ ናብ ሃገራት ኣዕራብ ክኸዱ ኸለዉ ኡዕዘቡ ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ኣብ ከም ናይ ገዛ ሰራሕተይናት ኰይኖም ንኽዓዩ ድሉዋት ብዘይምዃኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ናብታ ቝሩብ ዝሓሸ ዅነታት ዘለዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸዱ ይደልዩ፣ እንተዀነ ግን ኣብኡ እውን ብዙሕ ጸገማት ኢዩ ዘጓንፎም ዘሎ። ገሊኣቶም ከኣ ናብ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ሱዳንን ሊብያን ሰጊሮም ናብ ሰሜን ገጾም ይስደዱ ኣለዉ ።

ካርዲናል ሱራፒል ፦ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብዙሓት ኤውሮጳውያን ተሰዲዶም እዮም ፣ ገለ ገለ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ድማ ኪቕበልዎምን ኪድግፍዎምን ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ ቦታታት ነይሮም ኢዮም፣ ሎሚ ግና ከምኡ ኣይኰነን ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድማ ብዛዕባ እዚ ጽቡቅ ኣፍልቶ ኢዪ ዘለዎም ። ድሕሪ ምርጫኦም ንመጀመርታ ግዜ ኺበጽሕዎ ዝኸዱ ቦታ ላምፐዱሳ እዩ ነይሩ ፣ ኣብኡ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ቍኑን ዕምባባታት ኣቕረበሎም ፣ ኣብኡ ኸኣ ንመንግስትታት ኤውሮጳ ስደት ኣገዳሲ ኩነት ምዃኑ ነገርዎም ። ኣብ ኣፍሪቃ ሶርያ ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ሰባት ንምሕጋዝ ገለ ነገር ክንገብር ኣሎና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንድኻታት ብዝምልከት ውን ኣጸቢቕና ክንቀርቦም ከም ዘሎና ነገሩና ። ምስቶም ኣብያተ-ትምህርቶም ስለ ዝዓነወ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዘይክእሉ ቘልዑን ህጻናትን ቅርበት ክህልወና ገለጽናሉ፣ ነተን ቤተ ሕክምናታትን ስለ ዝዓነዋ ብቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽባ ዘይከኣላ ኣዴታትን፣ ነቶም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከም ጓኖት ዝነብሩን ኣረጋውያንን ሽማግሌታትን ድማ ምስኦም ኩኑ ደንግጹሎም ክብሉ ተላበዉና። ምስ ሕዝቢ ደውክንልን ምስኦም ክንርከብን ኣብ መንጎ እቲ ሕዝብና ወትሩ ክንህሉ ወን ኣተባብዑና ። ጳጳስ ሽታ መጓሰኡ ዘለዎ ጓሳ ክኸውን ኣለዎ፣ ክሃድም የብሉን የግዳስ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ክህሉ ኣለዎ በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዋላ እውን ዓብዪ ነገር ክትገብሩ እንተ ዘይከኣልኩም ሓድነትን ኣቦነን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣትሪሮም ኣመልከቱልና።

ኣብታ ሃገር ህይወት ናይታ ሒደት ማሕበረሰብ ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኸመይ እዩ?

ካርዲናል ሱራፊኤል ፦ ካቶሊካውያን ዳርጋ 2 ሚእታዊት ኢና ። መብዛሕትኦም ካብቶም 120 ሚልዮን ዝዀኑ ሕዝቢ ኢትዮጵያውያን ክርስትያን ኢዮም - ልዕሊ 45 ሚእታዊት ኦርቶዶክስ ኢዮም ድሕሪኡ ኸኣ ፕሮተስታንት ውን ኣለዉና ንሳቶም ከኣ 18-20 ሚእታዊት ማለት ኢዩ። ኣብዛ ዓባይ ሃገር እዚኣ ብርሃንን ጨውን ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣሎና። እቲ ዘሎና ብድሆታት ድኽነትን ግጭታትን ኢዩ፣ ሳላ ደገፍ ናይ ኣድማሳዊት ቤተ - ክርስትያን ከኣ ከም ኣብያተ - ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ብኣሓት ማሕበር ቅድስቲ እናቴ ተሬሳ ዝምራሕ ማእከላት ሓልዮት ንድኻታት ወይ ከም ካሪታስ ዝኣመሰላ ማእከላት ሰብኣዊ ዕቤትን ግብረ - ሰናይን ሓዊስካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እንስራዕ ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኢና ። ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነገረና ብርሃንን ጨውን ክንከውን ኢና ተጸዊዕና። እዚ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ ዓቅምና ንገብር ኣሎና ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ንመላእ ኢትዮጵያ ዚጸሉ ግጭታትን እውን ተዛሪብኩም ኔርኩ፣ እዚ ግጭታት እዚ ኣብ ህዝቢ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ ?

ካርዲናል ሱራፊኤል ፦ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ እተገብረ ግጭት ኣብ መንጎ ዞባዊ መንግሥትን ፈደራላዊ መንግስትን እዩ ነይሩ ። ፖለቲካዊ ጕዳይ እኳ እንተ ዀነ እቶም ዚሳቐዩ ግና ህዝቢ እዮም ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ሰላም ምስ ገበሩ ንኣምላኽ ኣመስጊና ። እቲ ኻልእ ግጭት ከኣ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ እዩ ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኣርባዕተ ዓመት ኪዋጋእ ጸኒሑ ኣሎ ፣ እቶም ዚሳቐዩ እውን ከይተረፉ ኣብኡ ዘልዉ ሕዝብታት እዮም ። ኣብ ታንዛንያ ዘተ ከካይዱ እኳ እንተ ጀመሩ ክሳዕ ሕጂ ግን ኣብ ውዕል ሰላም ኣይበጽሑን ዘለዉ። እቲ ቕድሚ ሓደ ዓመት እተኸፍተ ሳልሳይ ግንባር ድማ ኣብ ክልል ኣምሃራ ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝቃለሱ ጕጅለታት ኢዮም ዝለዉ ። መፍትሒ ኺረኽቡ ተስፋ ንገብር ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንሓደ ወይ ነቲ ኻልእ ሰልፊ ዘይትድግፍ እኳ እንተ ዀነት ንሕና ግን ምስቶም ዚሳቐዩ ሰባት ደው ኢልና ዘሎና።

ማሕበራዊ ወፍሪ ኽንገብርን ኣብቲ ድሕሪውግእ ዘሎ እዋናት ኣብ ዕርቀ ሰላም ክንሰርሕ ኢና እንደሊ፣ ሰላም ክግበር ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ኣብቲ ውግእ ብቐጥታ እተሳቐዩ እውን ካብ በሰላን ማህሰይትን እቲ ውግእ ንኽወጹ ኣንስትን እቶም ስድራቤቶም ክሞቱ ዝረኣዩ ቘልዑን ንዝኣመሰሉ ክሓውዩ ኢና ጻዕሪ እነካይድ ። እዚ ድማ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ብደረጃ እታ ንእሽቶ ቤተ - ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ብሓገዝ ኣድማሳዊት ቤተ - ክርስትያን ኢና እንገብሮ ። ምስቶም ምሳና ዚዓይዩ ኻብ መላእ ዓለም ዝመጹ ልኡኻት ወንጌል ኮይና ብሓባር ክንሰርሕ ውን ዝከኣል ኢዩ።

05 July 2024, 16:08