ድለ

2024.07.22 CARD. LUIS ANTONIO TAGLE Omelia nella Messa conclusiva del Congresso Eucaristico al Lucas Oil Stadium di Indianapolis, USA. 2024.07.22 CARD. LUIS ANTONIO TAGLE Omelia nella Messa conclusiva del Congresso Eucaristico al Lucas Oil Stadium di Indianapolis, USA. 

ካርዲናል ታግለ፦ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን 'ናይ በረኸት ተመክሮ' እዩ ዝነበረ

ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበረዎ ቃለ-መሕትት፣ ኣብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተኻየደ መበል ዓስራይ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ገለጹ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶም ተሳተፍቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ኣካፈሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ካብቲ ኣጋጣሚ ምስ ተመልሱ ምስ ረድዮ ቫቲካን ከም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፍሉይ ተወካሊ ዀይኖም ኣብቲ ጉባኤ ከም እተሳተፉ ገለጹ ።

ናይቲ ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ "ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንወዱ ኢየሱስ ብስጋ ዝለኣኸን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ምሳና ዘሎን ዘቕርብልና ጻውዒት ምላሽ ይህቡሉ ምንባሮም ንጹር እዩ" በሉ። ወሲኾም ድማ "በዚ ኸምዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ብድምጺ ጓሶቶምን ሰብ ውፉይ ህይወት ምነኮሳቶምን ብናይ ምእምናን ምንቅስቓሳቶምን ወይ ጕጅለታቶምን ኣቢሉ ልቦም ብምትንካፍ ንዘቕረበሎም ጻውዒት ምላሽ ኪህቡሉን፣ ኣብ ቅድሚ  ህላወ ኢየሱስ ዘለዎም እምነት ኪገልጹን ኣኽኢልዎም እዩ " በሉ ።

ዜደንቕ ስምዒት ምምላስ

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ መግለጺኦም፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተወካሊኦም ብናይ ብሕቲ ደብዳበ ብምልኣኽ ናይ ምስናይ ልማድ ከም ዘልዎም ውን ብምምልካት ከምዚ በሉ - "ቅድሚ ኹሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ምእመናን ነቲ ናይ ምድናቕን ምስትንታንን ክእለቶም ከነቃቕሑን፣ በቲ ዝተቐበልዎ ጸጋ ክግረሙን ብፍላይ ድማ በቲ ቅዱስ ቍርባን ዘምጽኣልና መንፈሳዊ ህያባት ክቕበልዎን ኸተባብዖም ከም ዝደለዩ ንጹር ኢዩ ነይሩ።"

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ከምዚ በሉ - "ቅዱስ ኣቦና ከምኡ ውን ምእመናን ብኡንብኡ ነቲ ህያብ ምስ ተቐበልዎ ጽባቐ ናይቲ ህያብ ንኻልኦት ከካፍሉ ከም ዘለዎም ገሊጾም፣ እዚ ድማ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና መንፈሳውነት ኣብ መወዳእታ ንዓለምን ንካልኦትን ረሲዕና ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጥራይ ዘሎ ጥቡቕ ርክብ ምእንቲ ከይከውን ኢዩ። " ኣብ ክንዳኡስ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ከም ዝገለጽዎ "ነቲ ህያብ እንተ ደአ ተቐቢልኩምዎ ነቲ ዝረኣናዮ ዝጠዓምናዮ እተቐበልናዮ ብስራት ንምእዋጅ ናብ ተልእኾ ወንጌላውነት ክንከይድ ኣሎና" በሉ።

ምስ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ እተገብረ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተወካሊ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን


ረድዮ ቫቲካን፦ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብዚ ምሳና ስለ ምርካብኩም ነመስግን። ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ እትምለሱ ነዊሕ ኣይገበርኩምን ፣ ኣባኡ ኸኣ  ከም ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኢኹም ኔርኩም ። ብዛዕባ ኣብቲ ፍጻመ ዘሕለፍኩሞ ተመክሮ ከተዋግዑና ምኸኣልኩም ዶ ?

ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ፦ ቅድሚ ዅሉ ናይ በረኸት ግዜ ኢዩ ዝነበረና ። ተወካሊ ቅዱስነቶም ዀይነ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ቅዱስ ቍርባን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ስለ ዝለኣኸኒ ድማ ንቅዱስነቶም አመስግኖም ። ፈለማ ትርጉም ናይ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ተመክሮ ከም ዝህልወኒ ገይሩኒ ኢዩ፣ እዚ ድማ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፣ የግዳስ ምትእኽኻቦም ስለ ክገብርዎ ዝደለዩ ወይ ሓባራዊ ጥቕሚ ስለ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ ንሓደ ጻውዒት ምላሽ ዝህብ ምትእኽኻብ ኢዩ ነይሩ። 

ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንወዱ ኢየሱስ ብስጋ ዝለኣኾን ኣብ መንጎና ብቅዱስ ቍርባን ብምህላው ዘቕርበሎም ጻውዒት ምላሽ ይህቡሉ ምንባሮም እውን ንጹር እዩ ። እዚ ኸኣ ነቲ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብን ሕጂ ኣብ ህላወ ኢየሱስ ዘለዎም እምነት ንምግላጽን፣ ብድምጺ መንፈሳውያን ጓሶቶምን ሰብ ውፉይ ሕይወት መንኮሳቶምን ናይ ምእማናን ምንቅስቓሳቶምን ወይ ጕጅለታቶምን ልቦም ዝትንክፍ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝለኣኸሎም ኢዩ።

ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ብስም ኢየሱስ ክትእከብ ክትጽሊ በቲ መደረታት ብትምህርቲ መደባት ኣቢላ ብፍላይ ከኣ በቲ ብቅዱስ ቍርባንን ብመንፈሳውነቶምን እተለወጡ ሰባት ዚህብዎ ምስክርነት ኣቢላ፣ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዝያዳ ኽትፈልጥ ምድላያ ንዓይ ዜደንቕ ተመክሮ እዩ። ከም ናይ በረኸት ግዜ ገይረ እየ ዝቘጽሮ ።

ሕቶ. ንስኹም ውን ብፁዕነትኩም ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መጠን ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ተሳቲፍኩም፣ እቲ ኻብ ቅዱስ ኣቦ ናብቶም ምእመናን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘብጻሕኩምዎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ ነይሩ ?

መልሲ 2 ፦ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ጽሒፎም ሃቡኒ ፣ ቅዱስነቶም ከአ ነቲ ኸም ተወካሊኦም መጠን ናብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ፣ ከምኡ ውን ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ናብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝልእኽዎ ሰብ መልእኽቲ ክጽሕፉ ልማዶም እዩ ። ኣብ ርእሲ እታ መልእኽቲ ኸኣ ቅድሚ ምኻደይ ምስኦም ንኽዘራረብ ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ ። 

ኣብታ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ድማ ነቶም ህዝቢ ናይ ምድናቅ ክእለቶም ከነቃቕሁን በቲ ዝተቐበልዎ ውህበታት ክግረሙን ከምኡ ውን ነቲ ቕዱስ ቍርባን ዝህበና መንፈሳዊ ህያባት ክቅበልዎን ኸተባብዖም ከም ዝደለዩ ኣብ መልእኽቶም ንጹር ኢዩ ዝንበረ ። ስለዚ ኸኣ ኢየ ኣብቲ ስብከት ህያባት ናይ ምቕባል ሓድሽ ራእይ ከም እተቐበልና ዘጕልሕኩ፣ ነዚ ዓቢ ህያብ እዚ ምቕባል ዘደንቕ ስምዒት ኢዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ብዘይካ ብሓጢኣት ከም ሓደ ኻባና ብምዃን ነቲ ናይ ፍቕሪ ተልእኾኡ ዝፈጸመ ኢየሱስ ህላወ ኢዩ ዝነበረ ። ስለዚ ተልእኾኡ ብስጋ ውህበት ብምዃኑ እዩ ተፈጺሙ ። ሕጂ ኸኣ ስጋኡ ኸም ኪዳን ዘለኣለማዊ ህይወት ገይሩ ይህበና ኣሎ።

ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ተጋባእቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ምእመናን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ እተቐበልዎ ውህበት እተሰምዖም ኣድናቖትን ሞሳን ምሉእ ብምሉእ ክኾንዎ ኢዩ ዘድሊ ዘሎ ።

እንተዀነ ግን ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ነቶም ምእመናን ብኡንብኡ ነቲ ህያብ ምስ ተቐበልዎ ንጽባቐ ናይቲ ህያብ — ተልእኾኣዊ ስፍሓት ናይ ቅዱስ ቍርባንና — ንካልኦት ከካፍሉ ከም ዘለዎም ገለጸሎም፣ በዚ ኸምዚ እቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና መንፈሳውነት ኣብ መወዳእታ ንዓለም ረሲዕና ወይ ንኻልኦት ረሲዕና ኣብ መንጎኣነን ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጥራይ ዘሎ ርክብ ክኸውን የብሉብን። ኣይፋልን፣ ነቲ ህያብ እንተ ተቐቢልኩምዎ ነቲ ዝረኣናዮ ዝጠዓምናዮ እተቐበልናዮ ብስራት ንምእዋጅ ናብ ተልእኾ ወንጌላውነት ክንከይድ ኣሎና።

ስለዚ ነዞም ኽልተ ኣገዳስቲ መዳያት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጸሎም እየ ፣ ንሱ ድማ ንዅሎም ኣባላት ናይቲ ጉባኤ ከካፍሎም ከም ዘሎኒ ዀይኑ ስለ እተሰምዓኒ ኢዩ ።

ሕቶ. ብፁዕ ካርዲናል፣ ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ንተልእኾ ወንጌል ክንወፍርን ነቲ እተቐበልናዮ ህያብ ከነካፍልን ዚብልዎ ሓሳብ ሓደ ኽፋል እቲ ቐጻሊ ዝዀነ ሃገራዊ ምሕዳስ ብቅዱስ ቍርባን እዩ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይዚ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እዚ ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልትታትን ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታትን ዘሕለፍኩሞ ተመክሮ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ብምኽንያት እዚ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን እንታይ ፍረ ኽትረክብ ኢኹም ተስፋ እትገብሩ ?

ልክዕ እዩ ኣብቲ ንልቢ ሰባት ዘንቀሳቕስ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኢና እንምርኰስ፣ ነዚ ፍረ እዚ ንምፍራይ ድማ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ቅዱስ ቍርባን ህያው ዝኾነሉ ሓይሊ ኢና እንውከል።

እንተዀነ እወ ገለ ክብል እኽል ኢየ ብተስፋ፣ ነቶም  ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይተረፈ ዝረኸብክዎም ሰባት ድሕሪ ምስማዕ፡ ማለት ምስ ገለ ካብኣቶም ካብ ኢንዲያናፖሊስ ብነፋሪት ዝወጹ ዝነበሩ ዝረኸብክዎም ሰባ - ድሮ እኳ መጀመርታ ለውጢ ናይቲ ዝተዘርአ ፍረታት እርኢ ነይረ ክብል እኽእል እየ ኣብ እዋን ጉባኤ።

ቅድም ኹሉ ውህበት ካብ ጐይታ ምቕባል ዜምጽኦ ሓጐስ ርእየ እየ ። እቲ ሓጐስ እቲ ኸኣ ብሰባት ኣቢሉ ከስፋሕፍሕ ተስፋ እገብር ። ምኽንያቱ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት እተሰምየት ዐዋዲት መልእኽቶም፣ እወ ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን ዘሎና ህይወት ቅዱስ ቍርባን ግዴታታት ጥራይ ዘይኰነስ ብሞሳን ብሓጐስን ክንቅበሎ ዘሎና ውህበት ምዃኑ ኣጕሊሖም ኢዮም ።

ብዙሕ ብዙሕ ሓጐስን ድማ ርእየ ኣሎኹ፣ ሰባት ንኢየሱስ ምስዓብ ዜሐጕስ ነገር ምዃኑ ኺግንዘቡ ተስፋ እገብር ። ንሱ ኢዩ እቲ ሓቂ ፣ እወ ግን ከአ ብድሆታት ኬጋጥሞም እዩ ። ንመስቀል ክንጾሮ ኢና ግን ከአ ብሓጐስ ኢና ክንጾሮ። ጽምዋን ጣዕሳን ብዘለዎ ልቢ ዘይኰነስ ብሓጐስ እዩ [ጕዕዞና]።

ካልኣይ እቲ ፍረ፣ ሰባት ብሓባር ንኽእከቡ ኢዩ፣ እወ ኣብ ዙርያ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኺእከቡ ንምትብባዕ እዩ ። ድሕሪ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ ቍጽሪ ተሳተፍስቲ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ይንኪ ከም ዝነበረ ሰሚዐ ኣሎኹ ። እዚ ዓብዪ ጉባኤ እዚ ንሰባት ኣብ ቤተ-ክርስትያኖምን ናብ ቁምስናታቶም ንኽምለሱን፣ ነቲ ኢየሱስ ከም ኣካላቱ ገይሩ ዘሕብረና ቅዱስ ቍርባን ንኽርእይዎን ክቕበልዎን ከተባብዖም ተስፋ እገብር። ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንዝብሎም ቃልት ክሰምዕዎን፣ ነቲ ንቅዱስ ስጋን ደምን ክርስቶስ ዝውፈ ህያባት ምድሪ ማለት ፍረ ጻዕሪ ሰብ ንኸወፍዩን ናብ ቤት ኣምላኽ ክምለሱ አለዎም ። ድሕሪኡ ሥጋኡን ደሙን ምስ ተቐበልና ናብ ወንጌላዊ ተልእኾ ንሓልፍ ቅድሚ ምኻድና ግን ክንእከብን ክንሓብርን ኣሎና ።

እዚ ጉባኤ እዚ ነቶም ነቲ መደባት ዝተኸታተሉ ተዓዘብቲ ወጺኦም ናብ ቤተ-ክርስትያን ክምለሱ ምስ ማሕበረሰብ ክሓብሩ ኣካል ክርስቶስ ብምዃን ተመክሮ ከሕልፉ ከምኡ ውን ብሓባር ናብ ወንጌላዊ ተልእኾ ክወፍሩ ከተባብዖም ተስፋ እገብር።

ሕቶ. ሓንቲ ናይ መወዳእታ ሕቶ ። ብፁዕነትኩም ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳይት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኢኹም እተገልግሉ ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን እውን ሓድሽ መንፈሳውነት ቅዱስ ቍርባን፣ ኣብቲ ፋልማይ ናይ ስብከተ ወንጌል ተልእኾ ኣበርክቶ ኽገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ?

ኣብ መንጎ ቅዱስ ቍርባንን ወንጌላዊ ተልእኾን ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና ። ቀዳማይ ድሕሪ ትንሳኤን ዕርገትን ጐይታና፣ ናብታ ቐዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ምልስ ምስ እንብል እቶም ቀዳሞት ክርስትያን ንትምህርትታት ሓዋርያት ንምስማዕን ንምቑራስ ንእንጌራን ከምኡ ውን ዘለዎም ዘበለ ኩሉ  ንምክፋል ብፍላይ ከኣ ንድኻታት ንምሕላይ ንብረቶም ንምክፋል ይእከቡ ከም ዝነበሩ ንርኢ ኢና። ብመሰረት ግብሪ ሓዋርያት ከኣ እቲ  ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ምእካቦም፣ ንምቑራስ እንጌራ ምእካቦም፣ ንሓልዮት ድኻታት ምእካቦም፣ እዚ ኹሉ ቅዱስ ቍርባናዊ ምትእኽካብ ኢዩ ዝንበረ ንኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ስሒቡ ብዙሓት ከኣ ናብ እምነት ካቶሊክ ክኣትው ኣኽኢልዎም ኢዩ ።

ስለዚ እቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዚግበር ጉባኤ ንባዕሉ ነቲ ኢየሱስ ንማሕበረሰብ እንታይ ኪገብሮ ኸም ዚኽእል ንሓድሽ ህይወት ማለት ነቲ ኢየሱስ ናብቶም ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዚእከቡ ማሕበረሰብ ዜምጽኦ ሓድሽ ህይወት ዚገልጽ ብስራት ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕል ዚገልጽ ኣዋጅ እዩ።

ስለዚ ተስፋ ንገብር ውን ኣብቲ ክርስትያን ምእመናን ሒደት ዝዀኑሉ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ክርስትያን ብቅንኣት ክምስክሩ ኣለዎም ። ብሓድነት ቅዱስ ቍርባን ንምጽንባል ንሓያሎ ኪሎ ሜተራት አረ ንሓያሎ መዓልትታት እውን ከይተረፈ ብእግሮም ዝጕዓዙ ኣለዉ ኢዮም። ኣብቲ ጉባኤ እቲ ኸኣ ይሕደሱ ነቶም ክርስትና ዘይተቐበሉ ሰባት ከኣ ብዛዕባ እቲ ብስራት ውንጌል ይምስክሩሎም። ሓድሓደ ግዜ ክርስትያን ንዘይኰኑ ሰባት ነዚ ቅዱስ ቅንኣት እዚ ንምፍላጥ ሃንቀውታ ኸም ዘሕድረሎም ዚገብር እቲ ቕዱስ ምትእኽኻብና እዩ።  ሰንበት ሰንበት ኣበይ ኢኻ እትእከብ ዘለኻ ስለምንታይከ ኢኻ መዝሙራት እትዝምር? ምግቢ እውን ከይተረፈ ንሓድሕድኩም እትማቐሉ ስለምንታይ ኢኹም ? ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ከምኡ ውን ንኢየሱስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዝተንከናዮን ዝተቐበልናዮን ንኽንእውጅ ኣፍ ደገታት ይኸፍቱልና ኢዩ።

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ምሳና ንምዝርራብ ግዜ ርኺብኩም ኣብዚ ብምርካብኩም ብሓቂ ነመስግን ። ነዊሕ ጕዕዞ ኸም ዝገበርኩም ንፈልጥ ኢና ። ኣብ መወዳእታ ቃለ-መሕትትና ክትብልዎ እትደልዩ ኻልእ ነገር እንተሎ ዕድል ክህበኩም?

ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ኢንድያናፖሊስ ዘምርሐ ዑደት ቅዱስ ቍርባን ስለ ዝነበረ ሕጂ ትጽቢት ዚግበረሉ፣ ኻብ ኢንድያናፖሊስ ናብ እተፈላለየ ኽፍልታት እታ ሃገር ዚምለስ ጕዕዞ ዑደት ቅዱስ ቍርባን ኪህሉ ተስፋ እገብር ። ኣብኡ ኸኣ ኢና ንመንፈስ ቅዱስ ክፉታት ክንከውን ዘሎና እዚ ድማ ንኢየሱስ ናብ ዝደለዮ ዘበለ ንኸነብጽሖ  ይመርሓና ።

26 July 2024, 15:33