ድለ

ከለዳውያን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ክረጋገጽ ይሓትቱ ከለዳውያን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ክረጋገጽ ይሓትቱ  (patriarcato caldeo)

ከለዳውያን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ክረጋገጽ ይሓትቱ

ኣብ ባቕዳድ ዓመታዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ዝዛዘሙ ጳጳሳት ዒራቕ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ መላእ ዞባ ዘስዓቦ ጽልዋ ዓሚቝ ስክፍታኦም ገሊጾም ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ድማ እቲ እንኮ መገዲ ነባሪ ሰላም ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ክዕብልልን ዝያዳ ክሰፍሕ ከም ዝኽእል ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ዓመጽቲ ሁቲን ሓይልታት ምክልኻል እስራኤልን ኣብ ምልውዋጥ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ኣብ ዝሳተፉሉ ዘለዉ እዋን፡ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ዒራቕ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝብል ውሳኔ እስራኤልን ፍልስጤምን ክልቲአን “ብሰላምን ድሕንነትን” ክነብራ ዘኽእለን ፍታሕ ምዃኑ የረጋግጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፓትርያርክ ካርዲናል ራፋዔል ሳኮ ተመሪሑ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ሲኖዶስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ጳጳሳት ዒራቕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ “ንኹሉ ዓይነት ዓመጽ ኮኒኖም ብፍላይ ኣብ ቅድስቲ መሬት” ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ግጭታት ዓሚቝ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኩሉ ግዜ ሰላም ክድግፍን ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ብቕልጡፍ መወዳእታ ንምግባር ብንጥፈት ክዋፈርን የተሓሳስቡ።

ብሰላም፣ ድሕንነትን ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ዝነብራ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት

ብመሰረት ጳጳሳት ከለዳውያን፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን፡ “ብሰላም፡ ብጸጥታ፡ ብርግኣትን ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን” ዝነብራ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ብምፍጣር ጥራይ እዩ  ክውገድ ዝከኣል፡ እዚ መርገጺ’ዚ ብብዙሓት ካልኦት ሃገራትን ብቅድስቲ መንበር እውን ቅቡል ኮይኑ ዝግለጽ እውን እንተኾነ፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ግን በዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ብጽኑዕ ተቓውሞ ዘጋጥሞ መርገጺ ኮይኑ ኣሎ።

ስቓይ ክርስትያናት ኣብ ዒራቕ

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ክርስትያን ዘተኮረ ኮይኑ። ብፍላይ ንዒራቕ ብዝምልከት፡ ጳጳሳት ከለዳውያን፡ "ኣብዛ ምድሪ ሱር ዝሰደደ" እምነት ክርስትና ሰዓብቲ፡ "ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሕ ዘይንገረሉ፡ መሰሎም ብምምንዛዕ፡ ምግላል፡ ስደትን ዘይሕጋዊ ምምንዛዕን ንብረቶምን የጋጥሞም ከም ዘሎ እውን ብምምልካት፡ እዚ ኩነታትን ቀጻሊ ግህሰትን ንብዙሓት ካብኣቶም ዝሓሸ ናብራ ንምድላይ ናብ ስደት ክግዕዙ ከምዘገደዶም ኣዘኻኪሮም፥ ስለዚ እቶም ጳጳሳት መንግስቲ ዒራቕ “ምትእምማን ብምህናጽ፡ ሃገራዊ ምትሕግጋዝ ብምዕባይን ካብቲ ኣብ ምምዕባል እታ ሃገር ዘለዎም ክእለት ተጠቃሚ ብምግባርን ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ኣብ ምኽባር ፍትሓዊ ክኸውን” ጻውዒት የቕርቡ።

ማዕረ መሰል ንኹሎም ዜጋታት ዒራቕ

ሕጂ’ውን ሲኖዶስ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዒራቕ፥ ስሰበስልጣን ዒራቕ ንናይታ ሃገር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከም ኩሎም ዜጋታት ዒራቕ ተመሳሳሊ ፖለቲካውን በርገሳውን መሰላት ክረጋግጹ ሓቲቶም፡ “ከም ማዕረ ውክልናን ስራሕን ዘለዎም ዜጋታት መሰሎም ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ንጠልብ፡ ንብረቶም ምምንዛዕ ድማ ደው ክብል”... ገለ ጉጅለታት ፍሉይ መሰል ኣለና ዝብሉ ከም ዘለዉ ብምዝኽካር፡ እዚ ተወጊዱ ኩሉ ዜጋ ማዕረ ዕድልን መሰልን ክህልዎ ይግባእ ከም ዝበሉን እቶም ብፁዓን ጳጳሳት ከለዳውያን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ መራሔ መንግስቲ መሓመድ ሺዓ ኣልሱዳኒ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንካርዲናል ሳኮ ከም ሓላፊ ከለዳዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሓላፍነት ውህበታቱ ኣፍልጦ ዝሃቦም “ተባዕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስጋናኦም ገሊጾም። ፓትርያርክ ርእሰ ብሔር ዓብደልላቲፍ ራሺድ ነዚ ደረጃ ኣፍልጦ ዝህብ ኣዋጅ 147 ካብ ዝስርዝ ዳርጋ ሓደ ዓመት ናብ ባግዳድ መንበር ፓትሪያርክ ምምላስ ኣብዮም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ቀዳምነት ንህዝቢ ዒራቕ እምበር ንወገናዊ ረብሓታት ኣይኮነን።

ሲኖዶስ ከለዳውያን ጳጳሳት ዒራቕ መንግስቲ ምስ ወግዓውያንን ፖለቲካዊ ውድባትን “ሕግን ፍትሕን ብምትግባር ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምህናጽ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስድ፤ ሃገራዊ ሓድነት ናብ ንቡር ምምላስ፤ ኣምር ዜግነት ምድልዳል፤ ከምኡ’ውን ንኹሎም ዜጋታት ምቕሉል ህይወት ንምርግጋጽ እኹል ህዝባዊ ኣገልግሎት ምሃብ፡ ንረብሓታት ህዝቢ ዒራቕ ካብ ዝኾነ ‘ውሱን’ ኑፋቄኣዊ ረብሓታት ንላዕሊ ቀዳምነት ክህብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ብዛዕባ መጻኢ ክርስትያን ናይቲ ዞባ ብዝምልከት ጳጳሳት ከለዳውያን ነቲ ፓትርያርክ ሳኮ ኣብ ነንሕድሕዶም ሓድነትን ምትሕግጋዝን ክህሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፡ “እቲ ቀንዲ ክጥርነፈና ዝግብኦ እምነትናን ሃገርናን እዩ” ኢሎም።

ክርስትያናዊ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ

እቶም ጳጳሳት “ንጳጳሳት ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዎም ሕውነታዊ ቅርበት” እንክገልጹ፡ "ቤተክርስትያን ሓድሽ ራእይ መጻኢ ከምዘድልያ" ከምኡ'ውን ንክርስትያን ኣብ መሬቶም ንምርግጋእ፡ መንነቶም ንምዕቃብ፡ ከምኡ'ውን ተራኦምን ህላወኦምን ኣብ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ተባዕ ግብራዊ ስጉምትታት ክገብራ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም፥ “ሓድነት ሓይልናን ድሕነትናን እዩ - ቢሎም - ዋላ’ኳ እቲ ቁስሊ እንተሃለወ፡ ንሃገራትናን ዜጋታትናን ምፍቃርና ቀጻሊ እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ፍትሓውን በርገሳውን ሕብረተሰብ፡ ብሓባር ናይ ምንባር ባህሊ ኣብ ምስፋሕ፡ ናይ ካልኦት ፍልልያት ኣብ ምኽባር፡ ከምኡ’ውን ተስፋ ኣብ ምድልዳል ክንተሓባበር ንደሊ” እንክብሉ ዘውጽእዎ ናይ ሲኖዶስ መግለጺ ይዛዝሙ።

24 July 2024, 15:22