ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም፡ መጻኢ ዕድል ህጻናት ኣብ ምብዳህ ጽልኢ እዩ ዝምርኮስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ኣብዚ ናይ ሓዘን እዋን፡ ንሰላም ዘለና ተወፋይነት ብምሕዳስን ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ብምንጻግን ተዘክሮታቶም ከነኽብር ይግባእ” እዚ ለበዋ’ዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካሪዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ከተማ ድሩዝ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ማጅዳል ሻምስ ስፖርት ሜዳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ 12 ህጻናትን መንእሰያትን ዘስዓቦ ቅትለት ብስም መደበይና ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቅድስቲ መሬት (ACOHL) ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ኮኒኖም፡ “ናይ መጻኢ ተስፋ ህይወት ንከላኸል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መጥቃዕቲ ኣብ ናይ መጻወቲ ሜዳ
ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ፍጻመ ብኢራን ዝድገፍ ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሩን ጉጅለ ሂዝቦላህ ዝተፈጸመ እዩ ቢላ ከም ዝኾነነቶ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና፡ እቲ ብእስራኤል ኣብ ዝተጎበጠ በራኽ ጎላን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ኪኖ’ቲ ድሮ ኣብ ቓዛ ኣዕናዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ህጹጽ ወጥሪ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ኲናት ዘተኣታትው ክኸውን ይኽል ዝብል ስግኣት የለዓዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ነቲ ፍጻመታት ብምኹናን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም፡ ሰላምን ሓባራዊ ናብራን ክረጋገጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
'ክትገልጾ ዘይከኣል ግብረ ዓመጽ
“እዞም ተስፋን ሕልምን ዝስንቆም ንጹሓት ህጻናት ክትገልጾ ብዘጸግም ግብረ ዓመጽ ዝተመንዝዑ” እንክብሉ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍንፉን ተግባር ዓመጽ ዝስምዓና ሓዘንን ቁጥዐን ምሉእ ብምሉእ ክንገልጾ ዘይከኣል እዩ” እንክብሉ ከም ዘጉልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንስድራቤት ግዳያትን ፍቑራቶምን፣ ከምኡ’ውን ንመላእ ማሕበረሰብ ድሩዛት ኣብ ቅድስቲ መሬት ጸሎትን ቅርበትን ብምርግጋጽ፣ እቲ “ክትገልጾ ዘጸግም መዓት” “ኣብ ኩላትና ዓሚቝ ጽልዋን በሰላን ዝገድፍ እዩ” ከም ዝበሉን፥ ከምኡ'ውን "ዑደት ዓመጽ ከብቅዕ ኣለዎ" ቢሎም፥ ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ኮኒኖም፡ ኣብ መንጎ ሓዘንና፡ ሰላም ብምስዓብን ዓመጽ ብምንጻግን ንዝጠፍኡ በዚ ኣገባብ እዚ ከነኽብሮም ዝበለጸ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ንሓድሕዳዊ ምክብባር
ፓትሪያርካውያን ኣባላት "መጻኢ ደቅናን ማሕበረሰባትናን ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምርድዳእን እዩ ዝጸንዕ እሞ . . . ኩሎም ወገናት ምርድዳእን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ክደልዩ ንላቦ" እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም
"እዚ ዓመጽን ጽልእን ንዕቀትን ይኣክል!" ቢሎም፥ መጻኢ ዕድል ህጻናትን ድሕነት ማሕበረሰባትናን፡ “ኣብ ጽልኢ ክንሰግርን መትከላት ርህራሄን ሓቢርና ክንሓቁፍን ኣብ ዘለና ዓቕሚ እዩ ዝምርኮስ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ክብሪ ህይወት ንምሕላው ህጹጽ ሰላም የድሊ
እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ብምጥቃስ "ብኽፍኣት ኣጽዋርን ውግእን ዝፍታሕ ነገር የለን! ንኽፉእ ብጽቡቕ ንሰዓር እምበር ብግብረ ኽፉእ ኣይንሰዓሮ!"
ዝበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መንበረ ፓትሪያርክ ንቤተሰብ ግዳያት ምጽንናዕን ሓይልን ክህቦም ንጐይታ ብምልማን፡ ዝኽርታቶም “ክቡርነት ህይወትን ህጹጽ ኣድላይነት ሰላምን ከዘኻኽረና ንጸልይ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።