ድለ

ቤተክርስትያን ኣብ ካናዳ ምስ ደቀባት ምጉዓዛ ትቕጽል ቤተክርስትያን ኣብ ካናዳ ምስ ደቀባት ምጉዓዛ ትቕጽል 

ቤተክርስትያን ኣብ ካናዳ ምስ ደቀባት ምጉዓዛ ትቕጽል

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ካናዳ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ታሪኻዊ “ናይ ንስሓ ንግደት” ፈውስን ዕርቅን ዝኽሪ ክልኣይ ዓመት ምኽንያት ምስ ደቀባት “ብሓባር ንምጉዓዝ ተወፋይነት ከምዘለዎም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ“ንግደት ንስሓ” ብዝብል ዓሚቝ መንፈስ ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ዑደት ታሪኻዊ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ጳጳሳት እታ ሃገር “ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ንምምራሕ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንምጉዓዝ ተመኩሮ ደቀባት ንምስማዕን ተወፋይነት ከምዘለዎም ይገልጹ።”

እቶም ጳጳሳት ናብ “ህዝቢ እግዚኣብሔር” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብቲ መሕደሪ ንተመሃሮ ዝነበሮ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ደቀባት ዝተፈጸመ ዓመጽን ግህሰትን ዘስዓቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዝገለጽዎ ዓሚቝ ሓዘን ብምዝካር፡ ኣብቲ እንፍጽሞ ዘሎና ጉዕዞ ዕርቅን ፈውስን ኣስተንትኖናን ንቕጽል ብሓባር ድማ ንጓዓዝ ኣሎና” ይብሉ።

ናብ ዕርቅን ፈውስን ዝወስድ ተበግሶታት

ቀጺሎም እቶም ጳጳሳት ገለ ካብቲ ኣብ ካናዳ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰደቶ ተበግሶታት የጉልሑ።  እቲ ቀዳማይ ንደቀባት ቁጠባዊ ደገፍ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ጳጳሳት ንፈውስን ዕርቅን ንምድጋፍ ዝዓለመ ውጥናት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ሰላሳ ሚልዮን ዶላር ካናዳ ክእክቡ ቃል ኣትዮም። ልዕሊ ፍርቂ እቲ ገንዘብ ድሮ ተኣኪቡ ከም ዘሎን፡ ገንዘብ ናብቲ ብናይቲ ከባቢ ደቀባት ማሕበረሰባት ዝተለለዩን ብናይ ደቀባት ዕርቂ መዋሊ ማሕበር ዝቆጻጸሩን ተበግሶታት ተመሪሑ ድማ ይሳለጥ ከም ዘሎን

እቶም ጳጳሳት እውን ንመዛግብቲ ተልእኾን ምሥጢራትን ሰነዳት ቀብርን ከምኡ’ውን ካልእ ሰነዳት “ብኹሉ ዝብጻሕ ክኸውን ከም ዝገብሩ ቃል ከም ዝኣተዉን፡ "ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቶም በቲ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፉ ብህይወት ዘለዉ ሰባትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዘጋጥሞም ታሪኻዊ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ሓቅታት ምቕላዕን ኣፍልጦ ምሃብን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሖም እዮም” እንክብሉ ጳጳሳት ካናዳ ኣብ ዘውጽእዎ መልኽቲ ጠቒሶም፥ "ሓቂ ቅድሚ ዕርቂ ኽትመጽእ ኣለዋ" ይብሉ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ጳጳሳት “ኣብ መላእ ሃገር ብዛዕባ እቲ መሪርን ዘሕዝንን ታሪኽ ብዝምልከት ዝተኻየደ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዘተ” ኣፍልጦ ሂቦም፡ “እዚ ዓሚቝ ድሌት ሓቅን ግሉጽነትን መጀመርያ ኣብ ማሕበረሰባት ደቀባትን ካብ መንበሪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝደሓኑን ከም ዝነብር” ብምግንዛብ፡ ሃገረ ስብከታትን ኩሎም ካቶሊካውያንን ኣብቲ መሪር ታሪኽ ናይተን መንበሪ ተመሃሮ ዝነበረን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝምርምሩሉ እዋን፡ ንከባቢ ማሕበረሰባት ደቀባት ክድግፉ የተባብዑ።

ናይ ዕርቅን ተስፋን መንገዲ

እቶም ጳጳሳት መልእኽቶም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንቤተ ክርስቲያን ካናዳ “ጽኑዕ ስጉምቲ” ክትወስድን ምስ ደቀባት ካናዳ “ነቲ እንሰርሖ ዘለና ሓድሽ መንገዲ ንድሕሪት ዘይምለስ ቃል ክኣተዉ ተወፋይነት ክገብሩን” ዝላበው ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፥ “ዕርቅን ተስፋን ብሓባር ክንመላለሰሉ ዝግባእ መገዲ እዩ ። . . . ስለዚ ኢና ድማ ኣብዚ ጉዕዞ ንዝደሓኑን ንማሕበረሰባት ደቀባትን ምስማዕን ምድጋፍን ክንቅጽል ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ጳጳሳት ካናዳ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካናዳ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት website ተሓቲሙ ከም ዘሎ የመላኽት።

27 July 2024, 17:11