ጻውዒት ጳጳሳት ኤውሮጳ፥ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘመን ስድራቤታዊ ክብርታት ቀዳምነት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንሕብረተሰባት ኤውሮጳ ዝጸሉ ዘሎ ቅልጡፍ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ሰውራ ምላሽ ንምሃብ፡ ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE)፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝርከቡ ስድራቤታት ብዝበለጸ ዝድግፍ ሕግታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሩ፡ በቲ ኩለ መዳያዊ ኣበርክቶ ናይቲ ናይ መንሰያት ጉዳይ ኣማኻሪ ኣካል ኣቢሉ ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዘመን ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ፡ ሓደስቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ወለዶታት ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ንምንካይ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብድሆታት ንኣባይቲ ስድራ ኣብ ኤውሮጳ
እቲ “ብስነ ኣሃዝ እተራቀ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብድሆታት ንስድራቤታት ኣብ ኤውሮጳ” ዘርእስቱ ሰነድ ነቲ ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበባዊ ሰውራ ዘሎ ድርብ ባህርይ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ እቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘለዎ ጥቕምን ሓደጋታትን ዝተኣሳሰረን ከምኡውን እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ናይ ስድራቤት ክብርታትን ምስ ክርስትያናዊ ስነ-ምግባር ዝሰማማዕን ንምግባር እቶም ናይ ሕቡረት ኤውሮጳ ሓንጸጽቲ ሕጊ ነዚ ከደድሉ ዝዕድም እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሰላምን” ብዝብል ኣርስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ 2024 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላም ብምዝካር፥ “ባህርያዊ ክብርን ሕውነትን ንምምዕባል ሓደስቲ ኣደ ጥበባውያን ምዕባለታት ክድግፍ ኣለዎ” ከም ዝበሉን፡ ኣብ መእተዊ እቲ ሰነድ እዘን ቃላት ንውልቀሰባት ዕድመ ምዃኑ ገሊጹ፥ ኣብ መላእ ዓለም “ብዛዕባ መስመራት ምዕባለታት እደ ጥበብ ንምስትንታንን ንኣባይቲ ስድራ ሓድሽ ስነ-ምግባራዊ ማዕቀፋት ኣብ ምሕንጻጽ ንምውፋርን” ዘተሓሳብ ምዃኑ የመላኽት።
እዚ ስነ - ሞጎት፡ ተወሳኺ መተሓሳሰቢታት ዘመላኽት መቕድም እቲ ሰነድ፡ ብርእይቶታት ወከልቲ መንእሰያት ኣብ መላእ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ብወግዓዊ መዐቀንታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝደልደለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ኣብ ቅድሚ’ቲ ክልተ ብድሆታት ምስ ሓድሽ ምትዕጽጻፍ ዘሎ ናይ ሓባር ሓደጋ ዘጉልሕ እዩ። ማሕበራዊ ምትእስሳርን ደሞክራስያዊ መስርሓትን ዘሐይሉ ምዃኖም ኣፍልጦ ይህብ።
እቲ ትሽዓተ ገጻት ዘለዎ ሰነድ፡ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕብልና ኣብ ንጥፈት ስድራቤት ዘስዕቦ ገለ ቀንዲ ብድሆታት ከም ማሕበራዊ ተነጽሎ፡ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ፡ ውሉፍ ስነ ኣሃዛዊ እተራቀ መጋበርያ፡ ንህጻናት ኣብ መርበብ ዘስዕቦ ሓደጋታትን ብሰፊሑ ድማ ንባህላውን ክርስትያናውን ስድራቤታውን ክብርታት፡ ባህላውን ሕብረተሰባውን ጽልዋታቱን ዘነጽርን ቀጺሉ ድማ፡ ነዞም ጉዳያት ንምፍታሕ ግደ ስድራ ቤት ምምእካል ከም ዘድሊ ብምምልካት፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ንሓባራዊ ጽቡቕ ሓልዮት፡ ከምኡ’ውን ሓቀይና ምትእስሳር ምድንፋዕ ሓዊሱ መትከላት ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ የጉልሕ።
ብመንጽር ካቶሊካዊ ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝቐርብ ለበዋታት
ብመንጽር እዞም መትከላትን ዝያዳ ዝተኣሳሰሩ፡ ዘኽብርን ሰብ ማእከል ዝገበረን ስነ ኣሃዛዊ እደ ጥበባዊ ሃዋህው ንምምዕባል ሓንጸጽቲ መምርሕታት ሕብረት ኤውሮጳ ሰለስተ ኣገደስቲ ስጉምትታት ከተግብሩ ይመክር።
እቲ ቀዳማይ ምልላይ መራኸቢ ብዙሓንን ሓበሬታን ምንባብን (MIL) ማለት ኣብ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ስነ-ምግባራዊ መትከላትን ዘተኮረ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ትካላትን ኣብ ምፍጣር ትምህርታዊ ውጥናት ዘሳትፍ እዩ።
ካልኣይ፡ እቲ ኣበርክቶ፡ ምስ ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላት ብምትሕብባር ህጻናት ካብ ከም ስእለ - ጽዩፍ ዝኣመሰሉ ጎዳእቲ ትሕዝቶታት ንምክልኻል ዝያዳ ውጽኢታዊ ሕጊ ክሕጸጽ ዝጸውዕ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ዝተፈላለዩ ኣርኣያታት ዘሳትፍ፡ ከም ጽምዋን ርእሰ - ምንቕቓሕን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዝምልከት ማሕበራዊ ወፍሪ ኣቢልካ፡ ሓቀይና ሰብኣዊ ምትእስሳር ምድንፋዕ ይእምት።
ጭቡጥ ጻዕሪ የድሊ
ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ሰነድ፡ ምዕባለታት እደ ጥበብ ምስ ምዕቃብ ስድራቤታዊ ክብርታትን ሰብኣዊ ክብርን ሚዛን ንምሃብ ዝተዋደደ ጻዕሪ ከምዘድሊ ብምምልካት፡ "ኣብ ትምህርቲ፡ ምቁጽጻርን እወታዊ ስነ ኣሃዛዊ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ጽምዶን ብምትኳር፡ ንኽልቲኡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ምዕቃብ ቀንዲ ስድራቤታውን ሕብረተሰባውን ክብርታትን ዝድግፍ ሃዋህው ክንፈጥር ንኽእል ኢና" ክብል ይዛዝም።