ድለ

ጋና፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጋና መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ትጽምብል ጋና፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጋና መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ትጽምብል 

ጋና፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጋና መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ትጽምብል

ኣብ ኣክራ ርእሰ ሰበኻታት ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 28 ሓምለ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን መሰረት ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ነባሪ እምነት ኣብ ምትሕልላፍ ኣብ ስድራ ቤትን ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ግደ ዝምስገንን እግዚኣብሔር ድማ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ክድግፎም ከም እተጸለየ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣክራ ርእሰ ሰበኻታት ተራዳኢ ጳጳስ ኣንቶኒ ናርህ ኣሳረ ኣብ ሰበኻ ቅዱስ ቶማስ ኣኵይናስ ለጎን ብምኽናይት መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት መንእሰያት ንህላወ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣኽቢሮም ከምቲ ባህሊ ጋና ዝእዝዞ ዘድሊ ክብሪ ክህብዎ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃብታም ተመኩሮ

ጳጳስ ማህር ኣሳረ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ብመሰረት ዕድሚኦም ብዙሕ ተመኩሮ ከም ዘለዎምን፡ መንእሰያት ነዚ ተመክሮ ናይቶም ኣረጋውያን ክጥቀመሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፥ መንእሰያት ንኣረጋውያን ክድግፍዎምን ኣብ በይኖም ከይሓድግዎም ከብጽሕዎም ካብኦም ንኽመሃሩ ድሉዋት ክኾኑን ምኽሮም ክሰምዑን ኣብ ህይወቶም ከተግብርዎ ከም ዝሓሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ "እግዚኣብሄር ንደቁ ፈጺሙ ኣይገድፎምን እዩ ቢሎም . . . ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ቡራኬ እግዚኣብሔር ኢኻትኩም ከም ዝበሉ የመላኽት።

ግጭት ኣብ መንጎ ወለዶታት

ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝፍጠር ግርጭት ንሓንቲ ሃገር ሓደጋ እዩ፡ ስለዚ ኣብ መንጎ ወለዶ ዘራኽብ ድልድል ክህሉን ናይ ሓንቲ ሃገር ማሕበራውን ሰብኣውን ብስለት ድማ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ርክብ ዝመዝኖ እዩ ቢሎም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መግኖ ወለዶታት ዝፍጠር ግጭት ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ፥ ህላወ ኣረጋውያን ንናይ መንእሰያት ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ፣ ንመንእሰያት ንምምችቻእ ንኣረጋውያን ሸለል ምባል ከምዘድሊ ዝስበኽ ጓሓፋይ ባህሊ ግምት ዝሃበ ከም ዝኾነን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝፍጠር ግጭት ፍረ ናይ ሓደ ናይ ግጭት ባህሊ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ጋናውያን ነቲ ንኣረጋውያን ልዑል ክብሪ ዝህብ ባህላዊ ክብርታት ዳግማይ ከስተውዕሉን ብግብሪ ድማ ክምስክርዎ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣድላይነት ሃገራዊ ፖሊሲ

ከም ኣካል ናይቲ ጽምብል ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ጋና ዝርከብ ቤት ማሕበር ቅዱስ ቪንሰንት ደ ፖውል ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ ዘዳለዎ ፍሉይ መደብ መንግስቲ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ዝምልከት ፍሉይ ሃገራዊ መምርሒ ክሕንጸጽ ጻውዒት ከም ዘቕረበን እቲ ማሕበር ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ማሕበራዊ ርክብ ንኽህልዎምን ከይንጸሉን ንምትብባዕ ዝድግፉ መደባት ከም ዘካይድ እውን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

31 July 2024, 14:58