ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃይቲ ተጨውዩ ካህን ናጻ ተለቒቖም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቆሞስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ኣባ ኣማኑኤል ሴንተልያት፡ ዕለት 30 ሰነ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ግረሲየር መጥቓዕቲ ብዝፈጸሙ ዕጡቓት ጉጅለ ተጨውዩ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 3 ሓምለ ካብ ርእሰ ሰበኻ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘረጋገጸን፡ ብመሰረት ምንጭታት ማዕከናት ዜና፡ ናጻ ንኽልቀቑ ዝተኽፍለ ገንዘብ ኮነ ንብረት እውን ከም ዘየለን ክፍለጥ እንከሎ። ዕለት 30 ሰነ ናይታ ሃገር ነበር በዓል መዝን ሓይሊ ጸጥታ ጂሚ ቸሪዚየር ዝምራሕ ጉጅለ ዕጡቓት ብውሕዱ 20 ሰባት ንሞት ዝዳረገ መጥቓዕቲ ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ናጻ ከም እተልቁ ካብ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ፖርቶ ኦ ፕሪንስ ዘወጸኦ ሓበሬታ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መራሒ እቲ ጉጅለ ዕጡቓት ኣብታ ሃገር ናይ ዘሎ ሁከት ጠንቂ ምዃኑ ክንገር እንከሎ እቲ መራሒ ጉጅለ ዕቱቓት ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይቲ እዋን መራሔ መግንስቲ ዝነበረ ኣርያል ሄንሪ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጻውዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ግረሲየር ዕጡቓት ጉጅለታት ኣባይቲ ኣቃጺሎም ኣብቲ ማሕበረሰብ ብርቱዕ ስንባደ ብምፍጣር እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ነቲ ብኬንያ ዝምራሕ ጉጅለ ዓቃቢ ሰላም በዳሂ ኮይኑ ከም ዘሎን ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ክፍለ ከተማ ዳግማይ ከም እተቖጻጸሮ ዜና ቫቲካን መግለጺ ሓይሊ ጸጥታ ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ጠቒሱ የመላኽት።
ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ኬንያ
ርእሰ ሰበኻ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኩነታት ንሕብረተሰብ ሃይቲ ጅሆ ዝሓዘ ሁከት “ቤት ማሕቡስ ግብረ ክፍኣት" ዝውክል እዩ እንክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ክሕብር እንከሎ፡ ነቲ ናይ ሰንበት መጥቃዕቲ "ክንገር ዘይክእል ቀታሊ ዓመጽ" እንክብል ኮኒኑ ኣስዒቡ ኣባ ሴንቴልያት "ነቲ ዘገልግሎ ማሕበረሰብ ኣላዪን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽንኩር እዋን ኣብ ጎድኑ ዝኾነን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ወትሩ ድልው ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን” እንክብል ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣባ ሴንቴልያት ናጻ ክልቐቑ ዝቐርብ ዝነበረ ጻውዒት
ርእሰ ሰበኻ ፖርት ኦ ፕሪንስ ብተወሳኺ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ገለ ከባቢታት ሜጥሮጶሊታን ዞባ ፖርት ኦ ፕሪንስ ገና ካብ ቁጽጽር ህዝባዊ ድሕነት ወጻኢ ምዃኖም ዘርኢ ተግባር ከም ዝኾነን፥ "ንኹሎም ግዳያትን ስድራ ቤቶምን ቅርበቱ" ብምርግጋጽ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ ብህጹጽ "ነዚ ክውንነት ዓመጽ መወዳእታ ክግበረሉን መሰል ህይወት ኣብታ ሃገር ዳግማይ ንምትካልን ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም” እንክብል ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።