ድለ

ርክብ ጳጳሳት ህንዲ ምስ መራሔ መንግስቲ ሞዲ ርክብ ጳጳሳት ህንዲ ምስ መራሔ መንግስቲ ሞዲ 

ርክብ ጳጳሳት ህንዲ ምስ መራሔ መንግስቲ ሞዲ

ብሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪውስ ታዝሃት ዝምራሕ ልኡኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ዳግማይ ዝተመርጸ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድብ ሂንዱ መራሔ መንግስቲ ብምርኻብ ኣብታ ሃገር ዝውስኽ ዘሎ ጸረ ክርስትያናዊ ዓመጽ ዘለዎም ስክፍታ የስምዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ ብዛዕባ እቲ ንናይታ ሃገር ማሕበረሰብ ክርስትያን ዘጋጥሞም ዘሎን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ስክፍታኦም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውደልሂ ዳግማይ ዝተመርጸ መራሔ መንግስቲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዘስምዑን፡ እቲ ብናይ ህንዲ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ትሪቹር ሊቀ ጳጳሳት ኣንድሪውስ ታዝሃት ዝምራሕ ልኡኽ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝፍጸም ዓመጽን ምግፋዕን ደው ንኽብል ዝከኣሎ ኩሉ ክግበር ከም ዝሓተቱ ኡካ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸረ ምልዋጥ (ሃይማኖት ምቕያር) ሕግታት ብዘይግቡእ ምጥቃም

እቶም ጳጳሳት ኣብቲ “ምቅርራብ ዝተራእየሉ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ናይ 45 ደቓይቕ ክሌኣዊ ርክብ፡ እቲ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈ ልኡኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርሲትያን ህንዲ፡ ንመራሒ ፖለቲካዊ ሃገራውነት ሂንዱ ባራቲያ ጃናታ እተሰምየ ውድብ (ቢጄፒ)፡ ብዛዕባ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ጸረ ምልዋጥ (ሃይማኖት ምቕያር ክልኩል ዝብል) ሕግታትን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብግዴታ ንኻልኦት ሃይማኖቶም ክቕይሩ ይገብሩ ዝብል ምስምስ ዘስዕቦ ዘሎ ቀጻሊ ዓመጽ ብዝርዝር ዝገልጽ መዘክር ከም ዘረከቡ ዜና ቫቲካን ኡካ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ምግላል

እቲ መዘክር፡ ህንዲ ንትሑት እቶት ዘለዎም ብሔር ዳሊት ፍሉይ ጥቕምታት ናብ ካልኦት ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ክሰፍሕ ንነዊሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ዘቕረበቶ ጻውዒት ደጊሙ ብምቕራብ - ከም ኮታ ንመንግስታዊ ስራሕን ትካላት ትምህርትን ከምኡ’ውን ንማሕበረሰብ ክርስትያን ክፍሊ ብሔር ዳሊት እውን ዘጠቓልል ክኸውንን፡ ክርስትያንን ኣስላምን ዳሊት ድሕሪ ናጽነት ህንዲ ካብዚ ሓገዝ እዚ ዘጋጥሞም ምግላል ገና ይቕጽል ከምዘሎን፡ መራሕቲ ቤተክርስትያን ንመራሔር መግንስቲ ሞዲ፡ ከምቲ ገለ ጉጅለታት ሂንዱ ዝጠልብዎ ዘለዉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክርስትያን ቀቢላታት ዝረኽብዎ ፍሉይ መንግስታዊ ሓገዝ ከይቋረጽ ሓቲቶም። ብመሰረት እዞም ጉጅለታት ክርስትያን ቀቢላውያን፥ ቀቢላውያን ሃይማኖታት ስለዘይክተሉ እምነት ክርስትና ንዝቕበሉ ናይቲ ብሔር ኣባላት ዘይኮኑ ተባሂሎም ከም ዝሕሰቡ ኣመላኺቱ ኣስዒቡ እውን ንሞዲ ኣብ ሃገራዊ ሽማግለ ውሑዳትን ሃገራዊ ተቝዋማት ትምህርቲ ውሑዳንን ውክልና ክርስትያናት ከምዘየለ ድማ ሓቢሮም ኣብዘን ትካላት እዚኣተን ክርስትያን ዝውክል ኣካል እውን ክህሉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኡካ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ዘይግቡእ ብድሆታት ንክርስትያን ዘይመንግስታውያን ትካላት

ብተወሳኺ ክርስትያን ዘይመንግስታውያን ትካላት ብመሰረት ሕጊ ምቁጽጻር ባጤራ ወጻኢ ምዝገባአን ከሐድሳ ኣብ ዝግደዳሉ እዋን ዘጋጥመን “ዘይግቡእ ብድሆታት” እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህንዲ ጳጳሳት ልኡካን ስክፍታኡ ገሊጹ፡ ኣብቲ ኣኼባ እቶም ልኡኻት ንመራሔ መንግስቲ ሞዲ ኣብታ ካብ ዕለት 3 ግንቦት 2023 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዓሌታዊ ናዕቢ ዝተበገሰላ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ እትርከብ ግዝኣት ማኒፑር እቲ ዓመጽ ደው ንምባል ክሽምግሉ ሓቲቱ ዝበለ ኡካ ኣገልግሎት ዜና መሰረት ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሞዲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ህንዲ ኺበጽሑ ዘቕረብዎ ዕድመ

እቲ መዘኻኸሪ መራሔ መንግስቲ ሞዲ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ እተኻየደ ናይ G7 - ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት ዋዕላ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዝመኸረ ውዕሎ ንዝተስተፉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህንዲ ኽበጽሑ ዘቕረቦ ጻውዒት ናይ ህንዲ ካቶሊካዊያን ጳጳሳት ልኡካን ብሓጐስ ተቐበሎም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ህንዲ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝግበር መስርሕ ንምቅልጣፍ ቀጻሊ ጻዕሪ ኽግበር ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ይሕብር።

16 July 2024, 16:00