2024.07.02 ‘ቀዳመይቲ’ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያ ኣብ ጃፓን መበል 150 ዓመት ተብዕል 2024.07.02 ‘ቀዳመይቲ’ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያ ኣብ ጃፓን መበል 150 ዓመት ተብዕል 

‘ቀዳመይቲ’ ዝተሃንጸት ቤተክርስትያ ኣብ ጃፓን መበል 150 ዓመት ተብዕል

ኣብ ቶክዮ እምነ ኩርናዕ ካቶሊካዊ ውርሻ ዝኾነት ቤተክርስትያን ትሱኪጂ፡ ዕለት 30 ሰነ ብሊቀ ጳጳሳት ኢሳው ኪኩቺ ብዝተሰርዓ ናይ ምስጋና ቅዳሴ መበል 150 ዓመታ ቅዋሜኣ ኣኽቢራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሉይ ካቴድራል ቅዱስ ዮሴፍ ተባሂላ እትፍለጥ ቤተክርስትያን ትሱኪጂ ኣብ ጃፓን ርእሰ ከተማ ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሕዳር 1874 ዓ.ም. ብናይ ፓሪስ ማሕበር ተልእኾ ወንጌል ንወጻኢ ብዝብል መጸውዕ ብዝፍለጥ ሮማዊ ካቶሊካዊ ትካል ዝተሃንጸት ኣብ መጀመርታ ናይ ጳጳስ ቶክዮ ካቴድራል ኮይና ዘገልገለት፡ ዓቃቤ መንበር ሰሜናዊ ጃፓን ከም ዝነበረትን ኣብ 1891 ዓ.ም. ርእሰ ሰበኻ ቶክዮ ምስ ተመስረተ ቤተ ክርስቲያን ትሱኪጂ ክሳብ 1920 ዓ.ም. ከም ካቴድራል ርእሰ ሰበኻ ኮይና ከም ዝጸነሐትን፣ ድሕሪኡ ድማ ብደረጃ ካቴድራል ናብ ቤተ ክርስቲያን ሰኪጉቺ (ካቴድራል ቅድስቲ ማርያም) ከም እተቐየረትን እዛ ቤተክርስትያን በቲ ኣብ 1923 ዓ.ም. ኣብ ካንቶ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ዓንያ ድሕሪኡ ኣብ 1927 ዓ.ም.  ዳግማይ ከም እተሓነጸትን ስነ ህንጻዊ ስርሓታ ካብ ካቴድራል ቅድስቲ ማድሊን ኣብ ፓሪስ ዝተቐድሐ ኮይኑ፡ ስነ ኣቃውማኣ ድማ ናይ ሓደ ጥንታዊ ቤተ መቕደስ ግሪኽ ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነን ዕለት 1 ሰነ 1999 ዓ.ም. ቤተክርስትያን ትሱኪጂ ሓንቲ ካብተን ታሪኻዊ ህንጻታት ቶክዮ ዝብል ኣፍልጦ ከም ዝረኸበት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ኣብ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምስረታ እታ ካቴድራል ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት፥ ቤተ ክርስቲያን ትሱኪጂ ክርስትያን ብናጽነት ንኽንቀሳቐሱ ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝተመስረተትን እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዝነበረ እገዳ ኣብ 1873 ዓ.ም. ከም ዝተላዕለ ኣመልኪቶም። ብዛዕባ እቲ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ዘጋጠሞም ከቢድ ጸገማት እንከስተንትኑ፥ “ቅድሚ 150 ዓመት ልኡካነ ወንጌል ይኹን ምእመናን ሎሚ ንዓና ክንሓስቦ ዘይንኽእል ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ወጻእተይናታት ልኡካነ ወንጌልን ጃፓናውያን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያን ዝተሃንጸትሉ መሰረት ተስፋን ምትሕብባርን ኣስሚሮም፥ ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ንሰፊሕ ሕብረተሰባዊ ብድሆታት ብምሕሳብ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምስ ከም ምንቁልቋል ብዝሒ ህዝብን ዝኣረገ ሕብረተሰብን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ትቃለስ ከምዘላ ኣመልኪቶም። “ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ክውንነት ስለ ዘላ፡ ኣረጋውያን ዘማእከለት ቤተ ክርስቲያን ኮይና ኣላ። እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝከኣል ዝነበረ ድሕሪ ሕጂ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ዘተሓሳስብ እኳ እንተኾነ ልክዕ ከምቶም ቅድሚ 150 ዓመት ዝነበሩ ልኡካነ ወንጌልን ኣብዚ ስክፍታታት እዚ ተስፋ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣

ብተወሳኺ ሊቀ ጳጳሳት ኪኩቺ ኣብ ዩክሬንን ቓዛን ዘሎ ግጭታት ሓዊሱ ሰፊሕ ሕብረተሰብኣዊ ብድሆታትን ኣብታ ሓፍቲ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ቶክዮ ዝኾነት ሚያንማር ሰላም ዘይምህላዉን ኣመልኪቶም።

“ኣብ ሚያንማር ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንሰላም ድምጸን ስለ ዘስመዓ መጥቓዕቲ ከም ዝወረደንን፡ ዓለም ንህይወት ሸለል ብዝብል ዓመጽ ትግዛእ ዘላ ትመስል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እንታይ ክትገብር ትኽእል? ረዳኢ ዘይብሉ ኮይኑ ክስምዓካ ቀሊል እዩ።”

ይኹን እምበር፡ እቶም ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ማእከል መስጐጕቲ ንክርስትና ንቕድሚት ንምስጓም ኣየቋረጹን ንምመናን እውን ኣዚዮም ይግደሱ ነይሮም፥ . . . ሓይሊ ዘይብልና ኮይኑ ኣብ ዝስምዓና እዋን፡ እቲ ፈተና ንቕድሚት ካብ ምጉዓዝ ናብ ዝሓለፈ ክብሪ ንኽንምለስ እዩ ዝድርኽ። ግዜ ግን ንቕድሚት ጥራይ እዩ ዝስጉም። ንድሕሪት ምምላስ ኣማራጺ ኣይኮነን” ምስ በሉ፥ ምእመናን ካቶሊክ እወታዊ ኣተሓሳስባ ሒዞም ንቕድሚት ክስጉሙ ተላብዮም፥ ብርሃን ተስፋ እተብርህ ቤተ ክርስቲያን ንኹን። እዚ ብርሃን እዚ ብሓድሕድ ምድጋፍ፡ ብሲኖዳውነትና፡ ብሕብረትና፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ብህላወ እቲ ዘሰንየና ጎይታ እዩ ዝኹላዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

02 July 2024, 16:55